banner

ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ መጀመርታ ገዳም ደቀ ኣንስትዮ ፡ ‘ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ዲምያና’ ተመሪቑ!

ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ መጀመርታ ገዳም ደቀ ኣንስትዮ ፡ ‘ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ዲምያና’ ተመሪቑ!

ብድንግልናዊ ሕይወት ክነብራ ዝመረፃ፡ ብጽኑዕ መንፈሳዊ ገድልን ብምናኔ ሥርዓተ ምንኵስናን እናተመርሓ ንእግዚአብሔርን ንቅድስት ቤቱን ብቅንዕናን ትግሃትን ዘገልግላ መነኮሳያት ዝነብራሉ ‘ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ዲምያና’ ብዕለተ ሰኑይ 13 ጥቅምት 2010 ዓ.ም. ተመሪቑ።

ሰንበት 12 ጥቅምት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰዓታት ድኅሪ ቀትሪ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ገዳም ደብረ ደናግል ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን፣ ብመሪሕነት ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዝግባእ ጸሎትን ሥርዓተ ምእታው ታቦትን ቅብኣትን ክግበር ከሎ፡ ገዳማውያን መዝሙር ዳዊት እናደገሙ፡ ከምኡ’ውን ብመምህር ዘርአዳዊት ገብረ ንጉሥ (መምህር ኣቋቋም ኣብ ፍኖተ ብርሃን መንፈሳዊ ትምህርቲ)፡ መምህር ሠመረ ኣፈወርቅ ( መምህር ድጓን ኣባል ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንትን) ዝተመርሑ ሊቃውንት መዘምራን “ ሰአሊ ለነ ዲምያና ከመ ንድኃን በጸሎትኪ/ ብጸሎትኪ ክንድኅን ቅድስት ዲምያና ለምንልና” እናበሉ ስብሐተ እግዚአብሔር ሥርዓተ ዋዜማ ኣብጺሖም።

ሰኑይ 13 ጥቅምት 2010 ዓ.ም. ብለይቲ ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን ምስ በጽሐ፡ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታትን ገዳማውያንን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ብድኅር’ዚ ብፁዓን ጳጳሳትን ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ብውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቦም ናብ ዓውደ ምርኢት ዝተዳለወሉ ዳስ ኣምሪሖም። መራሒ መደብ መምህር ሠመረ ኣፈወርቅ “ ናይ እንቋዕ ነዚ ኣርኣየና” መጀመሪ ቃል ምስ ኣስምዐ፡ ብቀሲስ ሮቤል ገብረንጉሥ ብዛዕባ ዕላማ ምምሥራት ደብረ ደናግል ብጽሑፍ ተነቢቡ። እመ ምኔት ናይዚ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ዲምያና ዝኾና ኢታይ ወለተመስቀል ሓድጉ ቃል ምስ ኣስምዓ፡ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ተዋሂቡ። ብድኅር’ዚ ኣዴታት መነኮሳያት፡ ነቲ ዅሉ ዘዳለወኦ ሥርሓት ኢደ ጥበብ ዝኾነ ኣልባሳትን ሥእላትን ንዋየ ቅድሳትን መግለጺ ክህባ ከለዋ፡ ብክፍሊ ልምዓት ዘመንበረ ፓትርያርክ ዝተዳለወ ዝተዳለወ ንድፊ ናይ መጻኢ ምስፋሕ ደብረ ደናግል ድማ ብኢንጂነር ያኔት ይስሓቅ ምስ መሣርሕታ ንዅሉ ተሳታፊ ተገሊጹ። 

ነቶም ኣብዚ ሥርዓተ ምረቓ ዝተሳተፉ ብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን፡ ተወከልቲ ምምኅዳር ገዛ ባንዳ፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ እንግዶት እክለ ማይ ተገይሩ። 

ንመርበብ ሓበሬታ ልሳን ተዋሕዶ፦ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ፡ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፣ ወከልቲ ሥምረት ገዳማት ኣባ መልከጼደቅን ኣባ ገብረ ሥላሴን ከምኡ’ውን ኮሚተ መመረቕታ ገዳም ደብረ ደናግል ሊቀ ሥዩማን ቀሲስ ኪሮስ ኪዳነ፡ ቀሲስ ሮቤል ገብረንጉሥን ኃላፊ ክፍሊ ልምዓት ዘመንበረ ፓትርያርክ ኣቶ ክፍለ ማርያም ገብረን . . . ኣብዚ ደረጃ’ዚ ንምብጻሕ ዝተኃልፈ መሥርሕን መጻኢ መደባትን መልእክተ ሓጎስን ገሊጾም።


መግለጺ ሓጎሶም ኣቦታት ብጣቕዒት፡ ኣደታት ድማ ብዕልልታ ክገልጹ ከለዉ፡ ብተወሳኺ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም (ገዛ ባንዳ) ከኣ ንኽብሪ እዚ ዕለት’ዚ ስብከትን መዝሙርን ታሪኽ ቅድስት ዲምያናን ገዳም ደብረ ደናግልን ዘጠቓልል ጉባኤ ሠሪዖም።

 

ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም (ገዛ ባንዳ)፣ ብኣደታት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያንን ኣደታት ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያንን፣ ገበርቲ ሠናይ ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መመረቕታ ዝተገብረ ተልእኾን ተሳትፎን እንግዶትን ኣኽብሮትን ኣዝዩ ዘሐብን ነይሩ።

ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ዘለዉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ጥንታውያን ገዳማት ገሊኦም ኣቦታት መነኮሳት ጥራይ ዝቕመጥዎም ክኾኑ ከለዉ፡ መብዛኅትኦም ከኣ ክልተኡ ፆታ ማለት ኣቦታት መነኮሳትን ኣደታት መነኮሳይያትን በቦታኦም ኂዞም ዝቕመጥዎም እዮም። ኣደታት መነኮሳይያት ጥራይ ዝቕመጣሉ ብስመን ዝጽዋዕ ገዳም ግና ኣይጸንሐን። ስለ ዝኾነ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ 2004 ዓ.ም.ፈ. ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ መንፈሳዊ ትምህርትን ኢደ ሥራሓትን ተማሂረን ዝመጻ መነኮሳይያት ልኢኻ። ካብዚአን ክልተ መነኮሳይያት ማለት ኢታይ ወለተ መስቀል ሓድጉን ኢታይ ጸበለ ማርያም ገብረ መድኅንን ንልዕሊ 12 ዓመት ዝኣክል እኹል ትምህርቲ ቀሲመን ከም ፈቃደ እግዚአብሔር ኣብ 2016 ዓ.ም.ፈ. ብሰላም ናብ ዓደን ተመሊሰ ነዚ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ዲምያና ንምምሥራት በቒዐን ኣለዋ።

እዚ ገዳም’ዚ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተመሪሑ፡ ብሥርዓተ ምንኵስና ጸኒዑ ዝኸይድ ገዳም እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195