banner

“ኦ ጐይታ! ንስምካ ምእንቲ ከመስግን ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ።”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ኦ ጐይታ! ንስምካ ምእንቲ ከመስግን ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ።” መዝ. 142፡7

ጸሎት ምስ እግዚአብሔር እንዘራረበሉ መራኸቢ ስለዝኾነ ሓደ ሰብ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ኣትዩ ኸሎ፣ ወይ’ውን ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎ ኸሎ ዚጽልዮ ልባዊ ጸሎት እዩ። ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ንነፍሱ ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ወፂኣ ፍጹም ንኸመስግን “ኦ ጐይታ፣ ንስምካ ምእንቲ ከመስግን፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ” ኢሉ ናብ ፈጣሪኡ ጸለየ። ኣቐዲሙ፡- “ኃይሎምኒ እዮም እሞ ካብ ሰጐግተይ ኣናግፈኒ” በለ። ንጊዜኡ ካብ ዘሳጕጉን ዝማርኹን ጸላእተይ ነገሥታት ምስ ሠራዊቶም ኣድኅነኒ ክኸውን ከሎ ፍጻሜኡ ግና ካብ ዘሳጕጉ ዲያብሎስ ምስ ሠራዊቱ ንኸድኅኖ ዝጸለዮ እዩ። ሠራዊት ዲያብሎስ ዚብሃሉ ኸኣ ክፉእ ሥጋዊ ባህግን ሕማቕ ትምኒትን እዮም።


ነቢይ ዳዊት ካብዚ ቐጺሉ፡ “ወአውፅኣ እሞቅሕ ለነፍስየ ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ/ ኦ ጐይታ! ንስምካ ምእንቲ ከመስግን፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ።” ኢሉ ጸለየ። ንጊዜኡ ካብ መከራን ስቓይን ሥጋ ድኂኑ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤተ መቅደስ ኮይኑ ንእግዚአብሔር እናኣመስገነ ኽነብር ዝጸለዮ ኾይኑ ፍጻሜኡ ኸኣ ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት፡ ካብ ባርነት ሲኦልን ገሃነመ እሳትን ወፂኡ ኣብ ገነት መንግሥተ ሰማያት እናኣመስገነ ክነብር ናብ እግዚአብሔር ዝጸለዮ እዩ።

እዚ ልማኖ’ዚ ጸሎት ኵሎም ቀዳሞት አበውን ነቢያትን ነበረ። ነዚ ልማኖ እዚ ሰሚዑ ድማ እቲ ብነቢያት ዘናገሮ ትንቢት፡ ዘቝጸሮ ሱባኤን ዝሃቦ ተስፋን ኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመታት ምስ ተፈጸመ፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱን ተወሊዱን በብንእሽቶ ዓበየ፣ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ ተጠምቀ፣ ንድውያነ ሥጋ ብተአምራት፡ ንድውያነ ነፍስ ድማ ብትምህርቱ እናፈወሰ ንሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን እናተዘዋወረ መሃረ፣ ምእንታና ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ሞተ፣ ብኣካለ ሥጋ ናብ መቓብር ወረደ፣ ብኣካለ ነፍስ ኸኣ ናብ ሲኦል ብምውራድ ንነፍሳት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሲኦል ኣውፅኦም። ነፍሳት ድማ ንእግዚአብሔር እናኣመስገና ናብ ገነት ኣተዋ። (ገላ. 4፥4፡ ቈላ. 2፥14-15)።

ኣብ ዘመነ ሓዲስ እንነብር ዘሎና ነፍስና ተፈቲሓ ኣብ ገነት ኽትነብር ዕድል ተዋሂቡዋ ኸሎ፡ ብፍቓድና ብምክረ ዲያብሎስ ነፍስና ኣብ ዝተፈላለዩ ማእሰርቲ ኃጣውእ ትእሰር ኣላ። ሎሚ ኣሲሮሙና ካብ ዘለዉ ማእሰርቲ ነፍስ ንምጥቃስ፥

ሀ. ዝሙት

ዝሙት፡ ንነፍሲ ዘርክስን ዘቕጽዕን ኃጢኣት እዩ። ብዝሙት ዝተኣስረ ሰብ፡ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ንኽፍታሕ ብንስሓን ጸሎትን ክብርትዕ ይግባእ። ኣብ መጽሓፈ መሳፍንት ካብ ምዕራፍ ዓሠርተው ሽዱሽተ ጀሚሩ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ እንተርኢና፡ ብብሥራት መልአከ እግዚአብሔር ዝተወልደ ዓቢይ መስፍን (ሶምሶን)፡ ደሊላ ንእትብሃል ዘማዊት ብምፍታዉን ምስኣ ብዝሙት ብምውዳቑን፡ እግዚአብሔር ኃይሉ ኣኅዲሩሉ ንዝነበረ ጸጕሩ ኽትላጽየሉ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጤማውያን ኣኅሊፋ ክትህቦ፡ ኣዕይንቱ ኣንቊራ ጠሓኒ ኽትገብሮ ከም ዝኸኣለት ይነግረና። ዝሙት የዋርድ፡ ጸጋ የግፍፍ፡ ዓይነ ልቡና የዕውር እዩ እሞ፡ ካብ ደሊላን መሰልታን ምህዳም ይግባእ። ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ፣ ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ኃጢኣት ኵሉ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፣ ዝምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ሥጋኡ እዩ ኃጢኣት ዚገብር።” (1ይ ቆሮ. 6፥18) ከምዝበለ፡ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ወፂእና፡ ብንጽሕና ተሓሊና ብንስሓ ጸሪና ንመድኃኔ ዓለም እነመስግነሉ ሕይወት ይሃበና።

ለ. ኣምልኾ ጣዖትን ጥንቈላን

እስራኤል ዘሥጋ ነቲ ብጽንዕቲ ኢዱ፡ ብዝርግሕቲ ቅልጽሙ ካብ ኢድ ፈርዖን ካብ ባርነት ግብጺ ናጻ ንዘውፅኦም እግዚአብሔር ዘንጊዖም፡ ኣብ በረኻታት ሲና ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቚሞም ምስ ሰገዱ፡ ብሞት ተቐጽዑ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ምእንታኦም እንተዘይጽሊ ነይሩስ፡ ፈጺሞም ምጠፍኡ ነይሮም። (ዘፀ. 32፥1)። እስራኤላውያን ምድረ ርስቲ ንኸይኣትዉ ኣምልኾ ጣዖት ምኽንያት ከም ዝኾኖም፡ ሎሚ’ውን ናብ መንግሥተ ሰማያት ካብ ምእታው ምእንቲ ከይክልክለና ካብ ኣምልኾ ጣዖት ንህደም። ኣምልኾ ጣዖት ማለት ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ምግባር ማለት’ዩ። “ወባሕቱ ኢይፈቅድ ለክሙ ትኩኑ ሱቱፋነ አጋንንት/ ምስ ኣጋንንቲ ኅብረት ክህልወኩም ኣይፈቱን እየ።” (1ይ ቆሮ. 10፥20) ከምዝብል።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ትምህርቲ እዚ መሠረት ገይራ ወትሩ ምስ ሰበኸት እያ። ብዙኃን ካብ ምእመናን ግና ክርስቲያን ዝብል ስም ተወንዚፎም ከብቅዑ ኣብ ኃለፍቲ ነገራት ክውከሉ፡ ናብ ቤተ ጠንቈልቲ ክኸዱ፡ “ተራእዩኒ፣ ተገሊጹለይ” እናበሉ ብርኹሳት መናፍስቲ ክምርሑ ይረኣዩ እዮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሥራሕ ዝተዋፈሩን ንኣኣቶም ኣሚኖም ዚስዕብዎምን ሰባት ብሕይወተ ሥጋ ኸለዉ፡ ካብ እኩይ ኣተሓሳስባኦምን ግብሮምን ተመሊሶም፡ ብማየ ንስሓ እንተ ዘይተሓፂቦምን ብምክረ ካህን እንተ ዘይተመላሊሶምን ቦታኦምን ርስቶምን ካብ ገነት መንግሥተ ሰማያት ወፃኢ እዩ። “እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣዖትን ንሓሶት ዚፈትውዋን ዚገብርዋን ዘበሉ ኵሎም ግና ኣብ ወፃኢ እዮም።” (ራእ. ዮሐ. 22፥15፣ 21፡8) ከምዝብል።

ስለዚ በዚ ተግባር ኃጢኣት እዚ ነፍስና ተኣሲራ ትጭነቕ ዘላ ሰባት፡ መፍትሒኡ ቀልጢፍካ ናብ እግዚአብሔር ብንስሓ ምምላስ ምዃኑ ተረዲእና ብግብሪ ክንፍጽሞ ንትጋህ።

ሐ. ትውዝፍት (መመላኽዒ ምንዝርና)

ትውዝፍት ማለት ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮ ኸኣ ንደቂ ኣንስትዮ ኪማርኹ ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለየ ጌጻ-ጌጽ እዩ። ደቂ ሰባት፡ ንፆታዊ ስምዒት ካልኦት ሰባት ብዘየለዓዕል መንገዲ ንሥጋዊ ድሌቶም ክሕልዉ ይግባእ። ካብ መጠን ብዝኃለፈ ትውዝፍት ምግያጽ ግና መሣርሒ ዲያብሎስ ምዃን እዩ። ዋላ’ኳ ምስ ጊዜ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መጋየጺታት እንተ መጽኡ፡ ብሡሩ ብዛዕባ ጌጻ-ጌጽ ንሰባት ዝመሃሩ ኣጋንንቲ እዮም። “ኣዛዝኤል (ስም ሓደ ጋኔን) . . . ብድኅሪኦም ንዝመጽኡ ኸኣ ኣሠራርሓ ኣንባርን ጌጽን፡ ኣኰሓሕላን ምግያጽ ቅርኒብን፡ ኣሠራርሓ እቲ ካብ ኵሉ እምኒ ዝኸብር ክቡር እምንን ኅሩይ ዕንቍን፡ ምልካይ ሕብርን ኣብ ዓለም ዘሎ ለውጥን መሃሮም።” (ሄኖ. 2፥16-17)።

ሎሚ ሓደ ሓደ ደቀ ኣንስትዮ፡ ዝበዝኀ ክፋል ኣካላተን ጥራሑ፡ ኅፍረተን ቀሊዐን ክኸዳ ይርኣያ ኣለዋ። ቅዱስ መጽሓፍ ብዝምህረና ግና፡ ጥራሕካ ምዃን ውፅኢት በደል እዩ። (ዘፍጥ. 3፥7)። ሓደ ሓደ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ጸጕሪ ርእሶም ብምንዋኅን ብምጥቕላልን ብዝተፈላለዩ ቅርጽታት ብምቕምቃምን፡ እዝንኻ ተሰቚርካ ቀለቤት ብምንጥልጣል መጋየጺ ክጥቀሙ ምኣይ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። “ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውኀ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉ’ዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውኀት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተዋሂቡዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ክብረታ እዩ። ገለ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ክተሃላለኽ ዝደሊ እንተሎ፡ ንሕናን እተን ናይ እግዚአብሔር አብያተ ክርስቲያንን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ልማድ የብልናን።” (1ይ ቆሮ. 11፥14-16)።

እዝን ነዚ ዝመስልን ጌጻ-ጌጽ ካብ ኣቦታትና ዘይተመሃርናዮ መወዳእታኡ ጥፍኣት እዩ’ሞ፡ ካባና ከነርኅቖን ንነፍስና ካብ ማእሰርታ ናጻ ከነውፅኣን ይግባእ።

እዞም ዝተዘርዘሩን ካልኦት ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ገላ. 5፥19) ዝዘርዘሮም ፍቓዳት (ድሌታት) ሥጋን ማእሰርቲ ነፍሲ እዮም እሞ፡ ካባና ንምርኃቕ፡ “ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር” ንዝተባህለት ሰብእነትና ክንሕልዋ፡ ናብ ኣቦታትና ካህናት ብምቕራብ፡ ቅኑዕ ምኽሪ ተቐቢልና ክንሳሕ፡ ድኅሪ ናይ ንስሓ ሕይወት ድማ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምቕባል፡ ተጊህካ ምጽላይን፡ ቃለ እግዚአብሔር ንምስማዕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ፡ ንዝሰማዕካዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጾምን ጸሎትን ክነዘውትር፡ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ቅዱሳን መላእክትን ጸግዒ ክንገብር ይግባእ።

ነዚ ንምፍጻም ድማ ምሕረት ሥሉስ ቅዱስ፡ ኣማላድነት ቅዱሳን ኣይፈለየና፡ አሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195