banner

መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥራሑ ጀሚሩ!

መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥራሑ ጀሚሩ!

ብውሽጣዊ ዓቕሚ ቤተ ክርስቲያን ነዊኅን ሰፊሕን ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ኣብ ከተማ ኣሥመራ ጥቓ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን (ዕዳጋ ኃሙስ) ዝተደኰነ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብወግዒ ሥርዓተ ትምህርቱ ጀሚሩ።

ንምጅማር ኮሌጅ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ማለት ሕንፃዊ ትሕተ ቅርጺ፣ ምህንጻጽ ፖሊሲ ትምህርቲ ኮሌጅ፣ ምድላው መምርሒን መመኃድርን ኮሌጅ፣ ምዝገባ ተማሃሮ፣ ምድላውን ምምዳብን ብቍዓት መምህራን፣ ምድላው ሥርዓተ ትምህርቲ፣ ምምዳብ ኣመኃደርቱን ምቍጻር ሠራሕተኛታትን (ዓቕሚ ሰብ)፣ ምድላው ንዋያተ ትምህርቲ፣ ምቕራብን ምምላእን መኅደርን መመገብን ተማሃሮ፣ ምስላዕ ባጀት፣ . . . ወዘይመስሎ

ብኸቢድ ጻዕሪ ክሠርሓሎም ድኅሪ ምጽናሕን ቀዳማይ ገጽ ድኅሪ ምዝዛምን እዩ ኣብ ክልተ መርሓ ግብሪ ትምህርቲ (ዲግሪን ዲፕሎማን) ኣስታት 75 ተማሃሮ ተቐቢሉ ግቡኡ ትምህርቱ ጀሚሩ ዘሎ።

ሰኑይ 4 ኅዳር 2010 ዓ.ም.፡ ኵሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዓን ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ከምኡ’ውን ኣበ ምኔታት ገዳማት ኣብቲ ኮሌጅ ተረኺቦም ዝግባእ ሓባራዊ ጸሎት ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ እናተመርሑ ድኅሪ ምብጻሕ እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም./ 2004 ዓ.ም.ፈ. እብነ መሠረት ዝተነብረሉ ቅቡዕ እብን ናብቲ ሓድሽን ውቁብን ቦታ ኣፍሊሶሞ (ኣዘዋዊሮሞ)። ብገዚፍ ባጀት ቤተ ክርስቲያን ተጀሚሩ ዘሎ እዚ ኮሌጅ፣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ኽትፍጽም ማዕረ ካልኦት ኣኃዋት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ክትሥራዕ ዘኽእላን ስለዝኾነ፣ ሃይማኖት ኣቦታትኩም ኣጽኒዕኩም ተጊህኩም ክትመሃሩ ሓደራ ብምባል ቡራኬ ሂቦም። ፍሬኹም ክንርኢ ድማ እግዚአብሔር የብቕዓና ክብሉ ድማ ትምኒቶም ገሊጾም።

ብምቕጻል ኣብቲ ኵሉ ምውዳድ ተገይሩን ኣገልግሎቱ ጀሚሩን ዘሎ ሕንፅ ብምዝውዋር ድኅሪ ምርኣይ፣ ኣብቲ ካልኣይ ገጽ ኮሌጅ ክሕነፀሉ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕን ጥርሑን ቦታ ብምርኣይ ተዓዚቦም።

እዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ’ዚ፡ ጕስነታን ሓዋርያዊ ተልእኾኣን ኣብ ምፍጻም፣ ኣብ ኵሉ ጽፍሒ ምምኅዳራዊን ልምዓታዊን ሥራሓት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምትግባር ብዅሉ መዳይ ዝተማህሩ ውሉደ ክህነት ኣብ ምፍራይ ዓቢይ ኣበርክቶ ክግበረሉ ትጽቢት ይግበር። እዞም ብግቡእ ምጽራይን መእተዊ መርመራን ኃሊፎም ኣብዚ ኮሌጅ ተጸንቢሮም ዘለዉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘጠናቀቑ መነኮሳት፣ ካህናትን ዲያቆናትን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195