banner

ባጀታዊን ውጥናዊን ኣሠራርሓ ክተኣታቶ ተወሲኑ!

ባጀታዊን ውጥናዊን ኣሠራርሓ ክተኣታቶ ተወሲኑ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 28/02/2010 ዓ.ም (07/11/2017) ኣብ ዝገበሮ ጉባኤኡ ድኅሪ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ባጀታዊን ውጥናዊን ኣሠራርሓ ንምትእትታው ወሲኑ። ንረብሓታት ባጀታዊ ኣሠራርሓ ብኃላፊ ክፍሊ ፋይናንስ ዲያቆን ዕርዶም ዑቕባሚካኤል ሰፊሕ መረዳእታ ብዕለት 4/02/2010 ዓ.ም. (13/11/2017) ንቅዱስ ሲኖዶስ ቀሪቡን ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱሉን።


እዚ ተሓንጺጹ ዘሎ ባጀታዊ ኣሠራርሓ ንዅለን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፣ ሃገረ ስብከታት ውሽጢ ሃገርን፣ ትካላት ትምህርትን ልምዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ብኮምፒተር ዝተሰነየ ኣኃዛዊን ቀመራዊን ኣሠራርሓ፡ ከምኡ’ውን ፋይናንሳዊ መምርሒታት ኣብ ምትእትታው ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ንኵሎም ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክን ኣብ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ዝምልከቶም ናይ ሃገረ ስብከት መራሕቲ ሥራሕን ኣባላት ፋይናንስን ዝሳተፍዎ ሥልጠና ክወሃብ እዩ።

እምበኣር እዚ ኣሠራርሓ’ዚ ብውጥን ዝተሰነየ ጽፉፍ ቍጽጽር ዝግበረሉ፣ ዝያዳ ተሓታትነት ዘለዎ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ንምቕራብ ዘኽእል፣ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ንነዊኅ ዝጠመተ ፕሮጀክታዊ ኣሠራርሓ ዘጽንዕ፣ ማእከላዊነት ዝዓንዱ ኣሠራርሓ ንምትእትታው ድማ ባብ ዘርኁ እዩ።

ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ ድኅሪ ምክያዱን ዝተፈላለየ እማመታት ድኅሪ ምጽዳቑን ኣብ ዝኃለፈ ሠለስተ ዓመታት፣ ብደረጃ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ሃገረ ስብከታትን ዝተፈላለየን ኣብ ዓቕሚ ሰብን ኣሠራርሓን ዳግመ ሥርርዕን ምምኅያሽን ብምግባር ንመጻኢ ዕብየት መሠረት ዝኾኑ ዓበይቲ መደባት ይሰላሰሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195