banner

ቅዳሴ ቤቱ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቢሩ!

ቅዳሴ ቤቱ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቢሩ!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ 7 ኅዳር 2010 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ኣልፎርማያ፣ ኣበምኔት ገዳማትን፣ ሊቃውንቲ መምህራንን ውሉደ ክህነትን፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መንእሰያትን ሕፃናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።

ካብ ዋዜማ 6 ኅዳር ጀሚሮም ሊቃውንት መዘመራን ነቲ በዓሉ ዝምልከት ስብሓታትን ቅኔታትን ብዝግባእ ሥነ ሥርዓት ቆይሞም።

ካብኡ’ውን ናብ ኃሙስ 7 ኅዳር ዘውግሕ ለይቲ ካብ ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም፡ ብርሃናተ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንትን መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ነቲ በዓል ዝምልከት ስብሐተ ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ክሳዕ ሰዓት 6፡30 ቅ.ቀ. ከብጽሑ ኃዲሮም።

ብኣበምኔት ገዳማት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ክሳዕ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ምስ ተሠርዐ፡ ብማኅሌት መዘምራን፡ ብመዝሙር መንእሰያት፡ ብምህለላ ኣቦታትን ኣደታትን እናተዓጀበ፡ ዑደተ ታቦት ምስ ተገብረ፡ ሠለስተ ካብ ሊቃውንት ነቲ በዓል ዝሰማማዕ ጣዕመ ዜማ ዘለዎ ወረብ ብምስማዕ እናኣስረገጹ ብሕብረት ኣሸብሺቦም። ቀጺሎም መንእሰያት ተማሃሮ ትምህርት ሰንበት ብወገኖም ‘መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም፡ ንግሥተ ሰማያት ወምድር፡ ከመ ደመና ክረምት ጥሉል ሃይማኖትከ ውስተ ኵሉ ምድር ተሰምዓ ዜናከ ወውስተ ፀሓይ ሤመ ጽላሎትከ።” እናበሉ ዘሚሮም።

ብድኅሪ’ዚ ትምህርተ ወንጌል ብመምህር ኪዳነ ማርያም ነጋሲ ነቲ በዓልን ህልው ኵነታትን ዝምልከት ተዋሂቡ።

ኣመኃዳሪ ደብረ ሰላም ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ኣልፎርማያ ‘ቃለ ምስጋናን’ ምስ ኣቕረቡ፡ እቲ በዓል ብጸሎትን ምህለላን ተፈጺሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195