banner

ካልአ ነኪረ ትምህርተ - ካልእ ጋሻ ትምህርቲ (ዕብ 13፡9)

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ካልአ ነኪረ ትምህርተ - ካልእ ጋሻ ትምህርቲ (ዕብ 13፡9)

ንዋይ ኅሩይ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ዕብራውያን ኣብ ዝጻሓፎ መልእኽቱ፡ “ምስ ናይ ሃይማኖት፣ ብተፋቅሮ ክጸንዑ፣ ኣጋይሽ ምቕባል ዓቢይ በረኸት ከምዘለዎ ንጻድቅ ሎጥ ዝኣመሰሉ ኣበው ክዝክሩ፡ ኣብ ስቃይን መከራን ንዘለዉ ከኣ ካብ ልቢ ምዝካርን ኣብ ስቓዮም ተኻፋሊ ምዃንን ከምዘድሊ፣ ንነፍስን ሥጋን ካብ ዝጐድእ ኃጢኣት ርኂቕካ ብቅድስና ምንባር ከምዝግባእ፣ ናብራ ዓለም ኃላፍን ተራፍን ብምዃኑ ኣብ ዓለማዊ ናብራ ይኣኽለኒ ምባል፣ በቲ ዘለካ ምዕጋብን ንእግዚአብሔር ተመስገን ምባልን ሠናይ ምዃኑ፣ ኣጽኒዑ ድኅሪ ምምሃሩ፣ ካብዚ ርቱዕን ሓዋርያውን ትምህርቲ ዝወፅአ ካልእ ትምህርቲ ንከየምጽኡ “ኢታምጽኡ ካልአ ነኪረ ትምህርተ” (ፍሉይ ትምህርቲ ኣይተምጽኡ) ብምባል ኣጠንቀቖም። ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ዘሎ፣ ንዘለዓለም’ውን ዝነብርን ዘይልወጥን ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ሓደ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቃለ ወንጌል ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያት ክጸንዑ ምዓዶም።


ትንቢተ ነቢያት ከምዝተፈጸመ፣ ወንጌል ከምዝተበሠረ፣ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ወልድ ዋሕድ ንሱ ሥግው ቃል ምዃኑ ዝጠራጠሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ፍጹም እምነት ከይሓዙ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝኣመኑ ክርስቲያን ብምእታው፣ ወንጌል ብዘይ ኦሪት፣ ጥምቀት ብዘይ ግዝረት … ከንቱ ምዃኑ ንድኅሪት ዝመልስ ሓድሽ ትምህርቲ የምጽኡ ብምንባሮም፡ ኣብቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮን ሓዋርያት ዝሰበኽዎን ርቱዕ ትምህርቲ ምጽናዕ ከምዝግባእ መሃረ።

ብርግጽ ድማ ኣብ ሃይማኖት ኣሎኹ ዝብል ቅድም ቀዳድም ርእሱ ክምርምር፣ ቀጺሉ ድማ ነቲ ሓቅን ርቱዕን መገዲ ክፈልጥ ፍቕሪ ናብ ቅድስና ዘብጽሕ መጥመርን መፈጸምታን ኵሉ ሕግታት እግዚአብሔር ከም ምዃኑ፡ ሰብ ኣብዚ ዓለም ካብ ዘሎ ከንቱ ብልጭልጭን ብዙኅ መጋገዪ መገድን ርኂቑ ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ጸኒዑ ኣሰር ዝቐደሙ ኣቦታት ብቅድስና ክመላለስ ግድነት ምዃኑ ምሂሩ እዩ። ንሶም መገዶም ሓንትን ጸባብን ብምንባራ፣ ካልእ መገዲ ኵሉ ሰፊሕን ናብ ጥፍኣት ዝወስድ ብምዃኑ ነቲ ዝምህሮ ትምህርቲ ኣብነት ከይስእኑሉ ንዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው “ተዘከሩ መኳንንቲክሙ ዘነገሩክሙ ቃለ እግዚአብሔር” ብምባል ምሃሮም። ልዕሊ ኵሉ ድማ በቲ በብዘመኑ ክለዓል ዝኽእል ብዙኅ ዝዓይነቱ ጋሻ ትምህርቲ ንኸይታለሉ ነኪር ትምህርቲ ኣይተምጽኡ በሎም።

ሕዝበ ክርስቲያን፦
እዚ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ዕብራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ሎሚ’ውን ንዓና ሕያው ኮይኑ ይዛረበና ኣሎ። ደጊሙ ደጋጊሙ ከኣ ነኪር ትምህርቲ ኣይተምጽኡ፣ ብጋሻ ትምህርቲ ኣይትወሰዱ ይብለና ኣሎ። ብተመሳሳሊ’ውን ነዚ ከብርህ ከሎ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ድኅሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑት ኣይንኹን” ይብል (ኤፌ. 4፡14)። ቢፀ ሓሳውያን (ሓሰውቲ መምህራን) ብዝምህርዎ ዝነበሩ ናይ ተንኰልን ስሕተትን ትምህርቲ ከይታለሉን ምዓዶም።

መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ከምዝብለናን ከምዘጥንቅቐናን ከምቲ ቀዲሙ ዝነበረ ኣብዚ መፈጸምታ ዘመን ድማ ነቲ ሓቂ ዝኽሕዱን ክሰምዕዎ’ውን ዘይደልዩ፣ ንርእሶምን ነቶም ሓሰውቲ መምህራንን ጥራይ ክሰምዑ ዝብህጉ፣ ኣብ ክንዲ ንጽድቅን ትሩፋትን ንሓሶትን ክፉእ ወረን ዝምእዘዙ፣ ኣብ ክንዲ ንሓድነት ንምፍልላይ ዝሰብኩ፣ ልኡኻት ሓቅን ጽድቅን ዘይኮነስ ልኡኻት ጥፍኣት ዝገነኑሉ፣ ክብረቶም ኣብ ነውሮም ሓሳቦም’ውን ምድራዊ ጥራይ ዝኾኑ ዝረኣዩሉ፣ ፈተወቲ ርእሶም ኣሕሰርቲ ኣቦታቶም ዝተንሥኡሉ እዩ። (2ይ ጴጥ. 2፡1-3 ፊል. 3፡18-19፣ ኤፌ. 5፡6) ንስሙ ስብሓት ይኹኖ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ዚ ፍጻመ ዘመን ክነግር ከሎ ብዙኃት ስሙ እናልዓሉን ንሕና ኢና ሓቀኛ እናበሉን ከምዝመጹ ከጠንቅቕ ከሎ “ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ” ብምባል ምሂሩና እዩ። (ማቴ. 24፡4) መሓሪ ኣምላኽ ይምሓረና።

እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ብዝሃቦ ጥበብ ንዝተማህዙ ዘመን ዘፍረዮም ቅልጡፍ መራኸቢታት ተጠቒሞም፣ ኣብ ክንዲ ሓድነት ወግሐ ጸብሐ ፍልልይ ዝሰብኩ፣ መገዲ ሓቂ ገዲፎም ሓሶት ዝነዝሑ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ሕይወት ዝህብ ቃለ እግዚአብሔር ጥፍኣት ዝምህሩ፣ ኣብ ክንዲ ኦርቶዶክሳዊን ሓዋርያዊን ትምህርቲ ኑፍቄኦም ዝዘርኡ፣ ንግሆ ዝተዛረብዎ ምሸት፡ ሎሚ ዝተዛረብዎ ጽባሕ ዘይደግሙ፣ መካነ ጽድቅን ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን ንዝኾነት ቤተ ክርስቲያን መጋበርያ ዕላማኦምን ዓለማዊ ኣጀንዳታቶምን ክገብርዋ ድቃስ ዝስእኑ፣ ኣብ ክንዲ ቅድስና ዝህብ ሕግን ትእዛዛትን እግዚአብሔር ምኽሪ በልዓም ተቐኒቶም ተንኰልን ክፍኣትን ዝምህሩ፣ ኣብ ክንዲ ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታት ኣሰሮም ክሰዓብ ዝጕስጕሱ፣ ልዕልና እግዚአብሔርን ተጋድሎ ቅዱሳንን ገዲፎም ልዕልናኦምን ታሪኾምን ዘዘንትዉ፣ ጕንዲ ዓይኖም ገዲፎም ‘በሰር’ ካልኦት ክርእዩ ዘይኃፍሩ፣ ኣብ ክንዲ ብኃጢኣቶምን እኩይ ሓሶቦምን ዝስተሩ ዘየለ በደላት ሰባት እናጸብጸቡ ንዓለም ኣፍ ልቦም ነፊሖም ክዛረቡ ዘይሃንኩ፣ …. ናይ ዘመንና ሓሰውቲ ነቢያትን ግቡዛትን ንርኢ ኣሎና። እግዚአብሔር ዕድመ ንንስሓ ይሃቦም።

ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፦
እታ ሓቀኛ ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተሠረተት፣ ብኣዕጽምቲ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ዝተነድቀት ኣሐቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ወትሩ መስቀል ክርስቶስ ጸይራ ስለእትነብር ካብ መከራ እዚ ዓለምን ተጻብኦ ሰይጣንን ኣዕሪፋ ኣይተፈልጥን። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ነዚ ኣዕሚቑ ይምስክሮ። ብዝተፈላለየ መልክዕን ዓይነትን ምስ ዘዘመኑ ዝትንሥእ ሓድሽን ብዙኅን መገዲ ክትፍተን መዋዕል እኳ እንተቈጽረት ተሳዒራ ግና ኣይትፈልጥን። ከሀሌ ኵሉ ኣምላኽ ምስኣ ስለዘሎ ከኣ እቲ ኣንበሳ ዝጓዘመ እንተጓዘመ ኣይትስዓርን እያ። ባዕሉ ጐይታኣ ኣብቲ ነቕ ዘይብል ከውሒ ዝሠረታን፣ “ወአናቅጸ ሲኦልኒ ኢይኄይልዋ” (ደጌታት ሲኦል ዝተባህሉ ኣጋንንት ኣይኅይልዋን) ዝብል ዘይበርስን ዘይጥለምን ቃል ኪዳን ዝሃባን ብምዃኑ ከኣ ትምህርተ ሃይማኖታን ሥርዓታን ትውፊታን ወትሩ ጽኑዕ እዩ። (ማቴ. 16፡8)

ምፍታንን ምውዳቕን በበይኑ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ይበዝኅ ይጐድል እምበር ካብ ፈተና ዘዕረፈትሉ ዘመን እኳ እንተዘይተራእየ፣ ዝተሳዕረትሉ ዘመን ከምዘየልቦ ግና ጥዑመ ልሳን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መስኪርዎ እዩ። ሎሚ’ውን መልክዕ ይቐይር እምበር ካብ ፈተና ኣየዕረፈትን። ዝናማት፣ ዋሓይዝ፣ ነፋሳት ከውድቕዋ ወትሩ እኳ እንተሃቀኑ፣ ኣብ ከውሒ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግና ኣይትወድቕን። ሰይጣን ግና ኣብ ሰባትን ዓለምን ኃዲሩ ክሳዕ ፍጻመ ዓለም ንምእመናን ወትሩ ምፍታኑ ኣይኪተርፍን እዩ። ኣብ ፈተና ጸኒዑ ዝተረኽበ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብፁዕ ከምዝበሃል፣ ኣብ ከውሒ እምነትን ሠናይ ግብርን ጸኒዕካ ክትርከብ እምበር በቲ ዘየዕርፍ ዝናማትን ነፋሳትን ተገፊዕካ ምውዳቕ ወይ’ውን ነየው ነጀው ምባል ከይህሉ ምጥንቃቕ ይግባእ።

ፈተና፡ ሕዝበ ክርስቲያን ጸጋ ዝረኽቡሉ እምነቶምን ጽንዓቶምን ዘመስክሩሉ ዓውዲ መስቀል እዩ እምበር ዝወድቑሉን ተስፋ ዝቖርጹሉን ሓለንጊ መከራ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘጋጥም ዝኾነ ፈተና ሕዝበ ክርስቲያን ነዛ ዘይትናወጽ ቤተ ክርስቲያን ብጾም ብጸሎት ብስግደት ጸኒዖም፣ ትሩፋት እናፈጸሙ ብሱባኤ ንእግዚአብሔር ክልምኑ ይግባእ።

ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንዝመሃረና ቃለ እግዚአብሔር ኣጽኒዕና ክንስዕቦ ይግባእ። ኻልእ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጋሻ ትምህርቲ ኣይነምጽእ ዝብል መልእኽቱ’ውን ነስተውዕሎ። ንቃለ እግዚአብሔርን ዝቐደመት ትምህርትን ግብርን ቅዱሳን ኣቦታትና ጥራይ ምስዓብ ሕይወት ከምዝህበና’ውን በቲ እሙን ቃሉ ነጊሩና እዩ። ንዝተጋገዩ ናብ ልቦም ይምለሶም፣ መገዲ የማን ይምርሓዮም። ንሕና’ውን ካብ ጋሻ ትምህርትን መጻወድያ ሰይጣንን ንርሓቕ።

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መምህራንኩም ዘክርዎም፡ ሠናይ ግብሮም እናረኣኹም ኣሰኣሰር ሃይማኖቶም ስዓቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ እዩ። ፍሉይን ጋሻን ትምህርቲ ኣይተምጽኡ፣ ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ ጽቡቕ እዩ።”

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195