
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ቅዱሳን መላእክት
ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ብሓድነቱን ሠለስትነቱን ወትሩ ምስጉን ዝኾነ፡ ንመንግሥቱ’ውን ፍጻመ ዘይብሉ እግዚአብሔር ህልውናኡን ረቂቕነቱ ከሃሊነቱን ክፍለጥ፡ ብፍሉይ ድማ ዘለዓለማዊ ንዝኾነ መንግሥቱን ክብሩን ወረስቲ ዝኾኑ ሰብን መላእኽትን ፈጠረ። (ግብ. ሓዋ. 14፡17፤ሮሜ 1፡20)
መላእኽት ማለት ድማ ልኡኻት፡ ተለኣኣኽቲ፡ ኣገልገልቲ ማለት እዩ።
ካልኦት ፍጥረታት ንአንክሮ ንተዘክሮ ንመግበ ነፍስን ሥጋን ክፍጠሩ ከለው ቅዱሳን መላእክት ግና ምስጋና መግቦኦምን መስተኦምን ኮይኑ ብዘይ ምቍራጽ ንእኡ ከመስግኑ ፈጠሮም።(ኢሳ 6፡8) እዚ ዓቢ ናይ ምስጋና ጸጋ’ዚ ንደቂ ሰባት’ውን ዝተዋህበ እዩ። ቍጽሪ ቅዱሳን መላእክት እልፍ አእላፋት ወትእልፊተ አእላፋት (ናይ ብዙኅ ብዙኅ) እዮም።
ቅዱሳን መላእክት ብሓደ መዓልቲ ዕለተ እሑድ ዝተፈጥሩ እዮም። በብእዋን ዝፈርዩን ዝበዝኁን ኣይኮኑን። ብተፈጥሮኦም ረቀቕቲ፡ ነባብያን(ዝዛረቡ)፡ ለባውያን (ፈላጣት፡መስተውዓልቲ)፡ ሕያዋን፡ ኃያላን፡ ንተልእኮ ቅልጡፋት፡ ድካም ዘይብሎም፡ ሕማም ኮነ ሞት ዘይሰማምዖም እዮም። ከም ሥጋ ለበስ ፍጡራት ኣይበልዑ ኣይሰትዩ፡ ዘየእትው ዘይተኣታተው ፆታ ዘይብሎም እዮም። በዚ ድማ ካብቶም ለበስቲ ሥጋ ዝኾኑ ካልኦት ፍጡራን ብዝተፈልየ ንጹሓንን ቅዱሳንን እዮም። (ማቴ 22፡30፣ ሉቃ 24፡ 39)
ቅዱሳን መላእኽት ንኣገልግሎት ቅልጡፋት፡ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት በረኸት ይቕሬታ ናብ ሰባት ዘውርዱ፡ ናይ ደቂ ሰባት ድማ ምስጋና ጸሎት ልማኖ ምጽዋት ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ኣገልገልቲ እግዚአብሔር እዮም። ከም ብዝኆም ኣገልግሎቶም ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።
ንምሳሌ፦
• ንደቂ ሰባት ዝሕልው እዮም። (መዝ 34፡7፣ መዝ 91፡11፣ ማቴ 18፡10)
• ንቅዱሳን ካብ መከራ ዘድኅኑ እዮም። (ዘፍ. 48፡16፣ ዳን. 3፡25)
• ንቅዱሳን ዘጸናንዑ እዮም። (ግብ. ሓዋ. 1፡10 )
• ጸሎት ቅዱሳን ናብ ልዑል እግዚአብሔር ዘዕርጉ እዮም።(ጦቢት 12፡15፣ ራእ. ዮሓ. 8፡3)
• ካብ ኵሉ ክፉእ ዘድኅኑ እዮም። (ዘፍ. 48፡16)
• ናብ እግዚአብሔር ዘማልዱ እዮም። (ዘካ. 1፡12)
ሕዝበ ክርስቲያን ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ክንህብ ቃለ እግዚአብሔር ብዝእዝዘና መሠረት በቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ናይ ኣማላድነትን ተራዳእነትን ጸጋ፣ ንቅዱሳን መላእክት ናይ ጸጋ ናይ ክብሪ ስግደት ክንሰግደሎም ከምዝግብኣና ቅዱሳት መጻሕፍቲ የረዱኡና።
ንኣብነት፦
• ዘፍ. 19፡1 - ጻድቕ ኣቦና ሎጥ ነቶም ክልተ ቅዱሳን መላእክት ከም ዝሰገደ
• ዘኁ. 22፡31 - በለዓም ንመልኣከ እግዚአብሔር ከምዝሰገደ
• ኢያ. 5፡14 - ኣቦና ኢያሱ ነቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ከምዝሰገደ
• 1ይ ዜና 21፡16 - ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ከምዝሰገደ
• ራእ. ዮሐ. 19፡10 - ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ መልኣኽ ከምዝሰገደ
ተራዳእነትን ሓለዋን ቅዱሳን መላእኽት ኣይፈለየና!
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን።