banner

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ FECCLAHA ኣባል ፈዳሚት ኮሚቴን ምኽትል ኣበ መንበርን ኮይና ተመሪጻ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ FECCLAHA ኣባል ፈዳሚት ኮሚቴን ምኽትል ኣበ መንበርን ኮይና ተመሪጻ!

ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብቲ ካብ 25-27 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኡጋንዳ ዝተካየደ መበል 14 ሥሩዕ ኣኼባ ማኅበር ፈክልሃ ከም ዝተሳተፈ ዝዝከር እዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጉባኤ፦ ጸሓፊን ምኽትልን ምምራጽ፡ ብኽኢላታት ኣባላት ናይቲ ማኅበር ዝተጸንዐ ሓዲሽ ንድፈ ቕዋም ምዝታይን ምጽዳቕን፡ ምእንቲ ሰላምን ምዕባለን ብሓባር ንምሥራሕ ዝሕግዙ ብክኢላታት ኣስተምህሮ ምሃብን ነበረ። ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ’ቲ ማኅበር ምኽትል ጸሓፊ ኮይና ክትምረጽ ከላ፡ ናይ ኮንጐ ቤተ ክርስቲያን ድማ ጸሓፊት ኮይና ተመሪጻ።

ፈክልሃ (FECCLAHA)፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምሥራቕን ዓበይቲ ቀላያት ዝርከባ ሃገራት ዘጠቓልል ማኅበር እዩ።

ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ድኅሪ ጉባኤ ፈክልሃ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካዪዱ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195