banner

ቀዳሞት ሰባት - ኣዳምን ሔዋንን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቀዳሞት ሰባት - ኣዳምን ሔዋንን

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንዅሉ ኣብ ሰማያትን ምድርን ዘሎ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ምስ ፈጠረ ኣብ መወዳእታ፡ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ከም ምስልናንን ሰብ ንግበር” ኢሉ ንሰብ ፈጠሮ።

ሰብ ብዘይ ሥራሕ ክቕመጥ ፍቓድ እግዚአብሔር ስለ ዘይነበረ’ውን ክሕልዋን ኽዓያን ኢሉ ኣብ ገነት ኣቐመጦ። “እንሆ ኣብ ገነት ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሣዕርን ኣብ ውሽጡ ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣሎኹ እሞ መግቢ ይኹንኩም። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ከይትበልዕ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ግና ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ንሰብ ትእዛዝ ሃቦ። ሰብ ኸኣ ንሕይወት ዘለዎ ኵሉ ፍጡር እንስሳን ኣዕዋፍን ኣታክልቲን ዕፀዋትን ስም ኣውፅኣሎም። ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ግና ኣይተረኽበትን። እዚ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ይበሃል።


እግዚአብሔር፡ ኣዳም በይኑ ክኸውን ፍቓዱ ኣይነበረን፡ ስለዚ ሓጋዚት ትኾኖ ካልኣይቲ ኽገብረሉ ፍቓዱ ኮነ። በዚ መሠረት ድማ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣደቂሱ፡ ሓንቲ ዓጽሚ ካብ ጐድኑ ወሲዱ ናይ ጓል ኣካል ዘለዋ ገይሩ ንሔዋን ፈጠራ። ኣዳም ኸኣ ንሔዋን ምስ ረኣያ “እዚኣ ዓጺሚ ኻብ ዓጽመይ፡ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ እሞ ሰበይተይ ትኹነኒ” በለ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ “ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” እናበለ ባረኾም። ኣዳምን ሔዋንን ብርሃን ስለዝተኸድኑ ኣይሓንኩን ኅፍረት’ውን ኣይነበሮምን።

ጸላኤ ሠናያት ሰይጣን ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከጻልኦም መደበ። ኣብ ተመን ተሠዊሩ ንከስሕቶም ኢሉ ናብ ሔዋን ኸይዱ “ንግሥተ ሰማይን ምድርን ሔዋን ከመይ ኣለኺ” በላ። ሔዋን’ውን በዚ ውዳሴ ከንቱ ዝመልኦ ሰላምታኡ ተሓጕሳ ምስ ተቐበለቶ፡ “ኣምላኽ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ ኢሉዶ ኣዚዙኩም’ዩ፧” ብምባል ሓተታ። ሔዋን ኸኣ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና፡ ካብታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ከይንበልዕ ኣዚዙና እዩ” ኢላ መለሰትሉ። ተመን ድማ ንሔዋን “ኣምላክ ካብኣ ኣይትብልዑ ዝበለኹም፡ ካብኣ ምስ ትበልዑ ዅሉ ትፈልጡ ከም ኣምላኽ ድማ ስለ እትኾኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከአ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።

ሔዋን ኸኣ በቲ ዘረባኡ ተማሪኻ ነታ ኦም ምስ ረኣየታ፡ እታ ኦም ንምርኣያ ጽብቕቲ እቲ ፍሬኣ’ውን ንምብልዑ ጥዑም ጥበብ ዝህብ ዘብህግ ምዃኑ ርእያ ካብ ፍረ እታ ኦም ወሲዳ በልዐት። ንኣዳም ድማ ወሲዳ ሃበቶ’ሞ ብሓንሳእ በልዑ። ብኡ ንብኡ ድማ ጸጋኦም ተገፊፉ፡ ዓይነ ልቦናኦም ተኸፊቱ ጥራዮም ምዃኖም ፈሊጦም ቈጽሊ በለስ ሰፍዮም ተከድኑ።

በዚ ምኽንያት ድማ ድምፂ እግዚአብሔር ምስ ሰምዑ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና “ ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ፧” ኢሉ ጸውዖ። ኣዳም ኸኣ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኩ ጥራየይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሀ ተኃባእኩ” ኢሉ መለሰሉ። እግዚአብሔር ድማ “ዕራቕኻ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብቲ ኣይትብላዕ ዝበልኹኻ ኦም በሊዕካ ዲኻ፧” በሎ። ኣዳም ድማ ‘እታ ሓጋዚት ኽትኮነኒ ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኣስሒታትኒ በሊዐ’ በለ። ሔዋን ምስ ተሓተተት ድማ ‘ተመን ኣሲሒታትኒ’ በለት።

ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምፍራሶም ድማ ኵሎም ተቐጽዑ። ካብታ ብሰላምን ሓጐስን ዝነብሩላ ገነት ተሰጕጎም ወፅኡ። ብሰንኪ እዚ ድማ እታ ዝነብሩላ ምድሪ “እሾዅን ተዀርባን ተቡቍል” ተባሂላ ተረግመት። በዚ ኸኣ 5500 ዘመን ናይ መከራን ፍዳን ኵነኔን ኮነ። እንተኾነ ግና ኣዳምን ሔዋንን በደሎም ኣሚኖም ምስ ተነስሑ፡ ተወካፌ ንስሓ እግዚአብሔር ተስፋ ድኅነት ሃቦም እሞ ድኅሪ 5500 ዓመት ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ ተጠሚቑ ተሰቒሉ ሞይቱ ተንሢኡ ናብ ዝቐደመ ክብሮም ቦታኦም መለሶም።

እምበኣር ካብ ታሪኽ ኣዳምን ሔዋንን እንታይ ኢና ንመሃር፧

1. እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሰብ ካብ ፍጥረታት ኣኽቢሩ ብመልክዑን ብኣምሳሉን ከም ዝፈጠሮ።
2. ኣዳምን ሔዋንን ንሕይወቶም ሰላምን ቅሳነትን ዝህቦም ምስ እግዚአብሔር ዘንብሮም ሕጊ ከም ዝተዋህቡ።
3. ኣዳምን ሔዋንን ብምኽሪ ሰይጣን ተጋጊዮም ሕጊ እግዚአብሔር ጥሒሶም ምስ እግዚአብሔር ከም ዝተጻልኡ።
4. ሕጊ እግዚአብሔር ምጥሓስ መቕጻዕቲ ስለዘስዕብ፡ ፍዳን ኵነኔን ተፈርዶም።
5. በደሎም ኣሚኖም ምስ ተነስሑ ግና እግዚአብሔር ብዓይነ ምሕረት ጠሚቱ ብዝሃቦም ተስፋ ድኅነት ድኅሪ 5500 ዓመት ናብ ዝቐደመ ክብሮም ቦታኦም መለሶም።
6. . . . ዘይመስሎ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195