banner

'ሰአሊ ለነ ቅድስት'፦ ኅዳር ጽዮን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጽዮን ማርያም - 'ሰአሊ ለነ ቅድስት'

ዓመት መጽአ 21 ኅዳር፡ ‘ኅዳር ጽዮን’፡ ተባሂሉ ይኽበር። እዚ በዓል’ዚ ምስቲ ንጉሥ ሰሎሞን ንታቦተ ጽዮን ዓቢይ ቤተ መቅደስ ሓኒፁ ዘእተወሉ በዓል ከምኡ’ውን ኣብ ዘመን ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሐ ‘ታቦተ ጽዮን’ ብስም ‘ጽዮን ማርያም’ ተሰይሙ ሥርዓተ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ወርኂ ኅዳር ዝተኸብረሉ ዝተኣሳሰረ እዩ።

በዚ መሠረት ድማ ዓመት መጽአ፡ 21 ኅዳር ብኣምሳል ታቦተ ጽዮን፡ ናይታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም 'ኅዳር ጽዮን' ብዝብል ስም ብፍቕሪ ነብዕሎ። ምኽንያቱ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ወላዲት ኣምላኽ፡ ናይ ደቂ ሰባት አምኃ መስቀል ወምክንያተ ድኅነት፡ ተስፋ ኃጥኣን፡ ፍሥሓ ጻድቃን ብምዃና ናትና ናይ ኦርቶዶክሳውያን መመክሒት እያ። ወትሩ ድማ ብቓል ኪዳና ተማሕጺንና ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ ንብላ።

‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ ዝብል ቃል ብተደጋጋሚ እንጽልዮ እዩ። ‘ሰአሊ’ - ለምኒ ፣ ‘ለነ’ - ንኣና ፣ ‘ቅድስት’ - ንጽሕት፡ ጽንዕት፡ ክብርትን ፍልይትን ዝብል ትርጕም ኣለዎ።

‘ሰአሊ’ - ለምኒ፡ ኣማልዲ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብመሠረት ቅዱሳት መጻሕፍት ንኣማላድነት ቅዱሳን ትምህረሉን ትቕበሎን ትጥቀመሉን እያ። ብፍላይ ከኣ ኣማላድነት ናይታ መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵሉ ጸሎታት ብፍሉይ ትጥቀመሉ። እዚ ኸኣ እግዚአብሔር ዝሕጐሰሉን ንሱ ዝፈቐዶን ዝቕበሎን እዩ። እንተኾነ መስሓትያን መናፍቓንን ሓሰውቲ መምህራንን ግና ገሊኦም “ወላዲት ነቢይ እያ”፣ “ወላዲተ ሰብ እያ” ይብሉ፡ ገለ’ውን “ንሳ ከማና እያ፡ ከምኣ ኽንከውን ንኽእል ኢና” እናበሉ ካብ በረኸታን ኣማላድነታን ኪርሕቑ ይርኣዩ። ካብዚ ኃሊፎም ከኣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ምዕራፍ 2፡1-11 ተጻሒፉ ዘሎ፡ ብጌጋ ተርጒሞም ንሰባት ከጋግዩ ይስምዑ እዮም። እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓል ግና ብዛዕባ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ብንጹር ዝነግር ጥቕሲ እዩ።

“ወአመ ሣልስት ዕለት ከብካብ ኮነ በቃና ዘገሊላ ወሀለወት ህየ እሙ ለእግዚእ ኢየሱስ ወጸውዕዎ ለእግዚእ ኢየሱስ . . . ወሶበ ኀልቀ ወይኖሙ ትቤሎ እሙ ለእግዚእ ኢየሱስ ወይንኬ አልቦሙ ፡ ወይቤላ እግዚእ ኢየሱስ “ምንት ብየ ምስሌኪ ኦ ብእሲቶ ዓዲ ኢበጽሐ ጊዜየ” ወትቤሎሙ እሙ ለእለ ይትለአኩ ኵሎ ዘይቤለክሙ ግበሩ፡ / ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ኮነ። ኣደ ጐይታ ከኣ ኣብኡ ነበረት። ቤት ዘመድ ስለ ዝኾነት፡ ለዋህ ዕድመ ደቂ ሰባት ስለ እተኽብር፡ ጸሎት ኃጥኣን ስለ እትሰምዕ ኣብኡ ነበረት። ኣደ ጸዊዕካ ወዳ ክትጽውዕ፡ መምህር ጸዊዕካ ደቀ መዛሙርቱ ክትጽውዕ ግቡእ ስለ ዝኾነ ድማ ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ነበሩ። ወይኖም ምስ ተወድኦም ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ንወዳ ወይኒ እምበር የብሎምን በለቶ። ንሱ ወይኒ ከም ዝተወድኦም ዝፈልጥ፡ ናይ ደቂ ሰባት ልብን ኵላሊትን ዚምርምር እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ምዝራባ ንምንታይ ኣድለየ፧ ብዓቢኡ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ክጽሕፍ ከሎ ‘መርዓ ኮነ ኢሉ ብዛዕባ መርዓውን መርዓት ከይተዛረበ’ ብቐጥታ ናብቲ ናይ ወይኒ ምውዳእን እቲ ሽግር ብጸሎት ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዚተፈትሐን እዩ ገሊጹ። እዚ ኸኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ብወዳ ዝተፈልጠ ሽግርና ከም እተመልክተልናን እተዘክረልናን ዘረድእ እዩ።

“ወይቤላ እግዚእ ምንት ብየ ምስሌኪ ኦ ብእሲቶ/ ኣንቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ’ በላ። ብልሙድ ኣዘራርባ ‘ኣንቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ’ ዝብል ምሉእ ሓሳብ ናይ ንዕቀት ወይ እምቢትነት ኣሉታዊ መልሲ ዘይኮነስ፡ ‘ኣደይ ወላዲተይ ክብርቲ ንኣኺ ዘይገብረልኪ እንታይ ኣሎኒ’ ዝብል መግለጺ ፍቕርን ክብርን እዩ። ነዚ ዘረድኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። (1ይ ነገ. 17፡18፡ ማቴ. 8፡29) ከምኡ’ውን በቲ ድኅሪኡ ዝስዕብ ጥቕሲ ንርዳእ። ኣብ መንጎ ኣደን ውላድን ምርድዳእ ስለዘሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ነቲ ዝሓተተቶ ከም ዝገብረላ ፈሊጣ ነቶም ተዓጠቕቲ ዝብለኩም ኵሉ ግበሩ በለቶም።

ጐይታ ከኣ ‘ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን’ በላ። እዚ ዝበለ ድማ እቲ ወይኒ ፈጺሙ ስለዘይተወድአ ከምኡ’ውን እቲ ዘትኅዞ ይሁዳ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ወፂኡ ስለ ዚነበረ ‘ተኣምር ኪገብር ከሎ ስለዝፈለየኒ እየ ኣትኂዘዮ’ ኢሉ ምኽንያት ምእንቲ ኸይህብ ‘ጊዜይ ኣይኣኸለን’ በለ። እቲ ቐንዲ ምሥጢሩ ግና ብወይኒ ዝምሰል ደመይ ዘፍስሰሉ ጊዜ ገና ኣይበጽሐን ንምባል እዩ። ድኅር’ዚ ዅሉ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ለወጠሎም።

ስለዚ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ነዚ ዝጠቐሶ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣማላድነት ኣዲኡ ፍሉይ ተኣምር ከም ዚገብር ንምርዳእ እዩ።

ለነ - ንኣና

ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን፡ ጸሎትና ምእንቲ ዅሉ ስለዝኾነ ብናይ ኃባር ልመና ብፍቕሪ ንጽሊ እምበር ናይ ውልቅና ጥራሕ ኣይንልምንን ኢና። ጐይታ’ውን ንስኻትኩም’ሲ ክትጽልዩ ከለኹም ‘ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና፡ ሃበና፡ ኅደገልና፡ ኣድኅነና፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና’ በሉ እዩ ዝበለና። ማቴ. 6፡9-15

ቅድስት

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ቅዱሳን ክትዛረብ እንከላ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኵሎም ቅዱሳን ዝለዓለት ቅድስት ምዃና ብምዝኽኻር እዩ።

ቅድስት፡ ማለት ንጽሕት፡ ጽንዕት፡ ክብርትን ፍልይትን እዩ።

1. ንጽሕቲ ፦ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ንጽሕቲ እያ። ኻልኦት ፍጡራት ደቂ ሰባት እንተነጽሑ ካብ ገቢርን ነቢብን እዮም እምበር ካብ ሓልዮ ኣይነጽሑን እዮም። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ካብ ሓልዮ፡ነቢብን ገቢርን ንጽሕቲ እያ። ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ድንግል በሕሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ ከምዝብል።
2. ጽንዕቲ ፡- ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ጽንዕቲ እያ። ካልኦት ደቀ ኣንስትዮ እንተጸንዓ ንጊዜኡ እየን ደኃር ተፈትሖ ኣለወን። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅድመ ጸኒስ ጊዜ ጸኒስ፡ ቅድመ ወሊድ ጊዜ ወሊድ ድኅረ ወሊድ ጽንዕቲ እያ።
3. ክብርቲ ፡- ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ክብርቲ እያ። ካልኦት ኣዴታት ነኽብረን ንቅዱሳን ወሊደን ኢልና ኢና፡ ንኣኣ ግና ወላዲት ኣምላኽ ኢልና ኢና ነኽብራ

4. ፍልይቲ ፦ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍልይቲ እያ። ምኽንያቱ ብዘይካ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደነት ምስ ድንግልና ኣተሓባቢራ ዝኃዘት ካልእ የላን። በዚ ከኣ ፍልይቲ እያ።

ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ እናበለ ዝጽውዓ በቲ ዝተዋህባ ቓል ኪዳን ከተማልድን ከተተዓርቕን እትነብር፡ ብሓቂ ድማ ንጽሙእ ከልቢ ብሣእና ማይ ዘስተየት፡ ንታውፋንያ ኣእዳዉ ዝመለሰት ርኅርኅተ ሕሊና ብንጽሕናን ብዘይ ጥርጥርን ኣብ ጸሎታ ንዝምዕቘብ ኣይተኅፍርን እያ እሞ ኣብ ጽላል ረድኤታ ከነጽልል ብሃይማኖት ጽኑዓት ብሥነ ምግባርና እሩማት ኮይንና ክንርከብ ቤተ ክርስቲያና ትጽውዓና ኣላ። ማኅደር ጐይታ ታቦት ብርሃን እግዝእትነ ማርያም ኣብ ዘላቶ መንግሥተ ሰማያት ክንኣቱ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና! ተራዳእነት መላእክት ፡ ጸሎት ቅዱሳነ እግዚአብሔር ምስ ኵላትና ይኩን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195