banner

ኣብ ውጥንን ኣሠራርሓን ባጀት ዘተኮረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ!

ኣብ ውጥንን ኣሠራርሓን ባጀት ዘተኮረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ!

“እመቦ አሐዱ እምኔክሙ ዘይፈቅድ ይሕንፅ ማኅፈደ አኮኑ ይቀድም ወይነብር ወየሐስብ ፃዕፃዖ እመቦ ዘየአክሎ ከም ይሣርር መሠረቶ . . . / ካባኻትኩም ግምቢ ኺሠርሕ ዚደሊ እሞ ንምውድኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተ ኣለዎ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ እንታዋይ እዩ፧ . . . ” ሉቃ. 14፡28-29 ብዝብል መሪሕ ቃል ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።


እቲ ካብ ዕለት 14-16 ኅዳር 2010 ዓ.ም. ብኽፍሊ ፋይናንስ መንበረ ፓትርያርክ ንኵሎም ኃለፍትን ጸሓፍትን ሃገረ ስብከታትን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክን ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ባጀታዊ ውጥንን ቍጽጽርን ፋይናንሳዊ ዕዮታት ዝኅግዝ እዩ።
ተሳተፍቲ፡ በቲ ኣብ ሥርሖም ዝኅግዝ ዝተዋህቦም ኣስተምህሮ ብምምስጋን፡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓርትያርክ ክኅይልን ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ቀጻልነት ክህልዎን ተማኅፂኖም።
ኣብ መወዳእታ፡ ብተሓጋጋዚ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ፦ነቲ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ኣሠራርሓ መንበረ ፓትርያርክን ንመጻኢ ክተኣታተው ዘለዎ ኣሠራርሓን ሰፊሕ መግለጺ ምስ ተዋህበ፡ ንዅሎም ተሳተፍቲ ብብፁዓን ኣቦታት ምስክር ወረቐት ተዋሂቡ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195