banner

“ኅዳር ጽዮን” ብዓቢይ መንፈሳዊ ሓበንን ድምቀትን ተባዒሉ!

“ኅዳር ጽዮን” ብዓቢይ መንፈሳዊ ሓበንን ድምቀትን ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል (ኅዳር ጽዮን) ቅድስተ ቅዱሳን ቅድስት ድንግል ማርያም ጽዮን ወላዲተ አምላክ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተኸቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ኣበምኔት ገዳማት፡ ካብ ርሕቁን ቀረባን ዝመጹ መምህራን ሊቃውንትን መዘምራን ውሉደ ክህነትን ብዓስርተታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ምእመናትን በረኸት ናይቲ በዓል ተሳተፍቲ ኾይኖም።


ሥርዓተ ዋዜማ ዕለት 20 ኅዳር ካብ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ. ጀሚሩ ምስ መንፈሳዊ ትምህርትን ምህልላን በጺሑ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ንዕለቱ ዝበጽሕ ስብሐተ ማኅሌት ምሸት ካብ ሰዓት 7፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም ሊቃውንት ስብሓተ እግዚአብሔር ከብጽሑ ከለዉ፡ እተን “ማርያም ጽዮን መሥመሪት ጸሎት ሕያወይቲ” እናበላ ዝምኅፀንኣ ኣዴታት ብወገነን ድማ ምሉእ ለይቲ ከመስግናን ክማህለላን ኃዲረን። ረፋድ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ታቦት ብብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ሊቃውንትን መዘምራንን፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያንን ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ተዓጂቡ ኣብ ጐዳና ኣቡነ ጴጥሮስ ዑደት ድኅሪ ምግባሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ኵሉ ተሳታፊ በዓል ድማ ኣብ ዘዘለዎ ድው በለ።

ድኅሪ እዚ መምህራን ሊቃውንትን መዘምራንን ናይ ዕለቱ ለዘብ በብእብረ ምስ ገበሩ፡ “ሙሴኒ ርእያ ሃገር ቅድስት . . .” ብምባል ኣሸብሺቦም።

ልቢ ብዝምስጥ ነቲ ዕለት ዝምልከት መዛሙር ተማሃሮ ሙዓለ ሕፃናት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ምስ ኣቕረቡ፡ መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ንረኣይኡ ብዘሐጕስ ግሩም ብዝኾነ ሥርዓት ያሬዳዊ ጣዕመ ዜማ ወረብ ምስ ናይ ሸብሸብኡ “ኣብርሂ ጽዮን ዘኃረየኪ ሰሎሞን ንጉሥ” ብምባል ዘሚሮም።

ብድኅር’ዚ መምህር ትርጓሜ መጻሕፍት ሊቀ መተርጉማን መምህር ዮሓንስ ጊላይ፡ ንክብሪ ታቦትን ቅድስና እግዝእትነ ማርያምን ዝገልጽ ዓሚቑን ሰፊሕን ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ብብፁዓን ኣቦታት ቃለ ቡራኬ ተዋሂቡ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ምስ ተመልሰ፡ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ጽዮን ማለት መጸግዒ እምባ ማለት እዩ። እዚ መጸውዒ’ዚ ነታ ፀዋሪተ መለኮት ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ንህቦ መጸውዒ እዩ። ስለዚ ነዛ ናይ ኵሎም ኣመንቲ መጸግዒ እምባን መጸናንዒት ተስፋን ዝዀነት ቅድስት ኣደ፡ ካብቲ ፍቁር ወዳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ክትልምነልና ወትሩ ስማ ንጽውዕ፡ በዓላ’ውን ነኽብር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195