banner

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ ‘ኖኅ’ ኮይኑ፡ ስመ ኣደኡ ድማ ‘ታቦት’ እዩ። ሃገሩ ኣስሊጥ ኪኸውን ከሎ፡ ዚዓበየሉ ግና ሃገረ ሮሜ እዩ።

ቅድሚ ልደት መርቆሬዎስ፡ ኣቦኡን ኣበሓጉኡን ሃዳኖ ስለዝነበሩ ከም ልማዶም ንሃደን ምስ ወፅኡ ካብ ወገን ገጸ ከለባት ተራኸብዎም እሞ ንኣባ ሓጎ መርቆሬዎስ በልዕዎ። ቀጺሎም ንኣቦ መርቆሬዎስ ክበልዕዎ እናተዳለዉ ግና መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ካብኡ ዚወፅእ ምሩጽ ፍረ ስለዘሎ ኣይትተንክፍዎ” ብምባል ገሠፆም።

ድኅሪኡ ቅዱስ መርቆሬዎስ ተወልደ። ስሙ ከኣ ፒሉፓዴር በልዎ። በቲ ጊዜ’ቲ ዝነብረ ንጉሥ ንኖኅ ሓለቓ ሠራዊት ሸይሙ ናብ ኲናት ከም ዝኸትት ገበሮ።

እንተኾነ ‘ኣብ ኲናት ኖኅ ሞይቱ’ዩ’ ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፡ ንኣደ መርቆሬዎስ ወሲዱ ሰበይቱ ክገብራ ሓሰበ። ነዚ ነገር’ዚ ዝሰምዐ ሓደ ካብ ወተሃደራት ግና ተሓቢኡ ከይዱ ንኣደ መርቆርዮስ ብምንጋር ኃቢኡ ካብቲ ዓዲ ምስ ወዳ ኣውፅኣ። እቲ ወረ ሓሶት ኮይኑ ኣቦ መርቆሬዎስ ኖኅ ምስ ተመልሰ ሰበይቱን ወዱን ኣይረኸቦምን።

ኣይጸንሐን ደጊሙ ኲናት ኣብ ዝተላዕለሉ ኣቦ መርቆሬዎስ ከተተ እሞ ተማሪኹ ናብ ንጉሥ ሮም ተወስደ። ንጉሥ ሮም ክርስቲያን ብምንባሩ፡ እምነተ ክርስትና ኖኅ ርእዩ ኣይቀተሎን። እኳ ደኣ ኣዝዩ ስለዝፈተዎ ኣብ ሃገራት መርዶሳውያን ገዛኢ ጌሩ ሸሞ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ሰበይቱን ወዱ መርቆሬዎስን ኣብ ዘለውዎ ሃገር በጽሐ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ሰበይቱ ምስ ረኣየቶ ኣለለየቶ፣ ንሱ ግና ብሰንኪ ስደት ተበላሽያ ብምንባራ ኣየለለያን።

ሓደ መዓልቲ ንወዳ ጽቡቕ ክዳውንቲ ከዲና ኣብቲ ናይ ኣቦኡ ፈረስ ኣወጣሓቶ፡ እቶም ኣገልገልቲ መኰንን ከይፈለጡ ኂዞም ናብ መኰንን ኣቦኡ ኣቕረብዎ። ኣቦኡ በቲ ዝኾነ ኣዚዩ እናተቘጥዐ ከሎ ደድኅሪኦም ስዒባ ሰበይቱ “ኦ መኰንን ንሕና ስደተኛታት ኢና ንስኻ’ውን ከማና ካብ ካልእ ሃገር ዝመጻእኻ ምዃንካ ምስ ፈለጥኩ ወደይ ከም ወድኻ ምሳኻ ክኸውን ሓሰብኩ” በለቶ። ንሱ ኸኣ ኵሉ ነገር ምስ መርመረ ሰበይቱ ከምዝኾነት ኣረጋገጸ። በዚ ኸኣ ኣዝዮም ተሓጕሶም ብኃባር ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ።

ኣቦ መርቆሬዎስ ምስ ሞተ፡ ንጉሥ ንወዱ መርቆሬዎስ ኣብ ግዝኣት ኣቦኡ ሸሞ። ኣብቲ መምለኺ ጣዖት ዳኬዎስ ዝተባህለ ንጉሥ ኣብ ሮም ዝነገሠሉ እዋን፡ ናይ በርበር ሰባት ኪዋጋእዎ ተላዕሉ። ብዝኆም ከም ሑፃ ባሕሪ ስለዝነበሩ ኣዝዩ ፈርሀ።

ቅዱስ መርቆሬዎስ “ኣጆኻ እግዚአብሔር ከጥፍኦም፡ ኣብ ኢድና’ውን ከውድቆም እዩ” በሎ። ከምቲ ዝበሎ ኣብቲ ኲናት መልኣከ እግዚአብሔር ብኣምሳል ሰብኣይ ተገሊጹ ንቅዱስ መርቆሬዎስ ኣብ ርእሲ ናቱ ወተሃደራዊ ሰይፉ ኣምላካዊ ኃይሊ ዘለዋ ሰይፊ ሃቦ እሞ “ንጸላእትኻ ምስ ሰዓርካ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ዘክሮ” በሎ። ብድኅር እዚ ንጸላእቶም ስዒሮም ኣዝዮም ተሓጐሱ። መልኣከ እግዚአብሔር ዳግም ተገሊጹ ስመ ፈጣሪኡ ከይርስዕ ነገሮ።

ንጉሥ ዳኬዎስ ንጣዖት ዕጣን ብምዕራግ በዓል ኪገብር ደለየ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ግና ናብኡ ኣይከደን። እዚ ነገር’ዚ ከኣ ንዳኬዎስ ነገርዎ። ዳኬዎስ ንመርቆሬዎስ ኣጸዊዑ “ንኣማልኽቲ ጣዖታት፡ ዕጣን ከተዕርግ ምሳይ ዘይመጽእካ እንታይ ዄንካ ኢኻ፧” ብምባል ሓተቶ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቅዱስ መርቆሬዎስ ዕጥቁን ወተሃደራዊ ክዳኑን ደርብዩ “ አንሰ ኢይክሕዶ ለእግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት/ ምስጋና ይብጽሓዮ እሞ ንጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነ ኣይኽሕዶን እየ። ነዞም ርኹሳት ጣዖታትካ ኣይሰግድን እየ” በሎ።

ንጉሥ ዳኬዎስ ተቘጢዑ፡ ብኣባትር ሓፂንን ብቘርበት ኩርማጅን ክኽትክትዎ ኣዘዘ። ብምኽንያት ቅዱስ መርቆሬዎስ ሕዝቢ ከይለዓልዎ ስለዝፈርሐ ድማ ናብ ቂሳርያ ብሰንሰለት ኣሲሩ ለኣኾ። ኣብዚ ዓዲ’ዚ ኸኣ ብትእዛዝ ንጉሥ ዳሴዎስ ክሳዱ ተሰይፉ፡ ዕለት 25 ኅዳር ብሰማዕትነት ገድሉ ፈጸመ።

ሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስ ድኅሪ ዕረፍቱ ብዙኅ ተኣምራት ገይሩን ይገብርን ኣሎ። ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ዝተጻሕፈን ብቃል ዝንገርን ዝምስከርን ብዙኅ እኳ እንተኾነ ንሓደ ካብ ተኣምራቱ ኽንጠቅስ፦

ዑልያኖስ ምስ ነገሠ ንእግዚአብሔር ክሒዱ ንጣዖት ኣምለኸ። ኣብ ልዕሊ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ መከራ ኣውረደ። ኣብ ዘመኑ ናይ ቂሳርያ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበረ ቅዱስ ባስልዮስ፡ ንዑልያኖስ ካብ ክሕደቱ ኪመልሶ ናብኡ ከደ።

ዑልያኖስ ንቅዱስ ባስልዮስ ምስ ረኣዮ፡ ስም ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸረፈ። ንቅዱስ ባስልዮስ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። እቶም ምእመናንን ምእመናትን ብጸሎት ሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስ ተወኪሎም ናብ እግዚአብሔር ኣመልከቱ። ፈቃደ እግዚአብሔር ኮይኑ ቅዱስ መርቆሬዎስ ኣብ ፈረሱ ተወጢሑ ብዅናት ወጊኡ ንከሓዲ ዑልያኖስ ቀተሎ። ነዚ ኵሉ ዝተፈጸመ ቅዱስ ባስልዮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ኣብ ሥእሊ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ረኣዮ። በዚ ነገር’ዚ ቅዱስ ባስልዮስ እናተደነቐ ከሎ፡ እቶም ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰይፍን ኲናትን ደም እናኣጠብጠቡ ናብ ቦታኦም ተመልሱ። ካብቲ ሥእሊ’ውን ደም የንጠብጥብ ነበረ። ብድኅር’ዚ ቅዱስ ባስልዮስ፦ “ኦ ናይ ክርስቶስ መስካሪ ዝኾንካ ቅዱስ መርቆሬዎስ ነቲ ክፉእ ጸላኢ ዝኾነ ዑልያኖስ ቀቲልካዮ’ዶ መጺእካ፧” በሎ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ድማ ‘እወ’ ንኽብል ካብቲ ሥእሉ ርእሱ ኣድነነ። በዚ ኸኣ ቅዱስ ባስልዮስ እምብዛ ተሓጐሰ፡ ኵሎም ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ንእግዚአብሔር ኣመስገንዎ።

ናይ ሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስ በረከተ ጸሎት ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195