banner

‘ተሓድሶ’ ጉልባብ መናፍቕነት!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ተሓድሶ’ ጉልባብ መናፍቕነት!'

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣካል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ምዃና ቅዱሳት መጻሕፍት ኣምሊኦምን ኣስፊሖምን ይገልጹ። ኣብ 325 ዓ.ም. ኣብ ኒቅያ ተጋቢኦም ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ዝኾኑ ርቱዓነ ሃይማኖት 318 ሊቃውንት (ሠለስቱ ምእት) ኣብ ጉባኤኦም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ፣ ሓዋርያዊት፣ ቅድስት፣ ዓለም ለኻዊት ምዃና ኣረጋጊጾም። ‘ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን አበዊነ’ ኢሎም ቅዱሳን ከምዝገለጽዋ፡ ሓቀኛ መገዲ ሕይወትን ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን እያ። (ይሁ 1፡3፣ ውዳሴ ማርያም)

እግዚአብሔር ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ‘ቤተይ’ ኢሉ ይጽውዓን የፍቅራን። ካብ ሰማየ ሰማያት፡ ካብ ልዑል መንበሩ ፍቕሪ ሰብ ስሒብዎ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ተበጂዋ እዩ። እዛ ብኃላፊ ወርቅን ጠፋኢ ብሩርን ዘይኮነስ ብኽቡር ደሙ ዘጥረያ ቤት’ዚኣ ጕዕዞኣ ፍኖተ ቀራንዮ፣ ጕዕዞ መስቀል እዩ።

እቶም ዘፍቅርዎን ዝስዕብዎን ድማ መስቀሉ ፀይሮም በዚ ፍኖተ ሕይወት ይጓዓዙ። እዚ ጕዕዞ’ዚ ምስ ጊዜ ዘይልወጥ፣ ኵነታት ዘይስዕሮ፣ ካልእ ሓፂር ኣቋራጭ’ውን ዘይብሉ ፍኖተ መንግሥተ ሰማያት እዩ። በብዘመኑ ዝመጽኡ ወለዶታትን ሕዝብታትን ድማ ኣብዛ ጥንታዊት ፍኖት እናተጓዓዙ ኣብታ ኣማናዊት ሓመረ ኖኅ ይጽንበሩ። (ኤር. 6፣16፣ 1ይ ጴጥ. 1፡18-19)

እዛ ቤት’ዚኣ ኵሉ ሳዕ ነቶም ዝጸምኡ ማየ ሕይወት እተስቲ ሓዳስን ስልምትን መርዓት ክርስቶስ እያ። (ራእ. 2፡12፣ 21፡9፣ 22፡7) ብኃጢኣት ንዝበለየ ሕይወት እተሐድስ፣ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ንዝወደቐ ዓለም ተስፋ እትኸውን ወትሩ ሕያዊት እምበር ምስ ጊዜ እትዓርግን እትበልይን ኣይኮነትን። ንዝጠፈአን ዝበረሰን ናብ ሕይወት እትምልስ፣ ብኃጢኣት ንዝወደቐ እተተንሥእ፣ ንዝረኸሰ እትቕድስ፣ ብኃጢኣት ንዝኣረገ ብንስሓ እተሐድስ ፍልይቲ ኣደ እያ እምበር ንርእሳ ምሕዳስ ዘድልያ ኣይኮነትን።

ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ቤተ ክርስቲያን ካብ በዓል ቤታ እግዚአብሔር ተፈልያ ኣይትፈልጥን። እቲ ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ዘሎ ንዘለዓለም’ውን ዝነብር ሓደ ዘይልወጥ እግዚአብሔር ርእሳን መሠረታን ስለዝኾነ ዝልወጥ ወይ ዝሕደስ ነገር የብላን። (ሚል. 3፡6፣ ግብ. ሓዋ. 20፡28፣ ኤፌ. 5፡23፣ ቈላ. 1፡18-24)። ንምኅደራዊ ኣሠራርሓኣ ብምዕባለን ስፍሓትን ምዓባይ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ዝልወጥ ወይ ዝሕደስ ነገር የብላን።

ሎሚ ግና ፈተና ዓለም ዝኸበዶምን መገዶም ዝሰሓቱን ወገናት፥ ከም ጸልማትን ብርሃንን በበይኖም ንዝኾኑን ዘይራኸቡን ፍቓደ መንፈስን ፍቓደ ሥጋን ይሓዋውሱ፣ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ይጽንብሩ፣ ስብከትን ፖለቲካን፣ መገዲ የማንን ጸጋምን፣ ጸጋ እግዚአብሔርን ረብሓ ሥጋን የዛንቑ ኣለዉ።

ኣብ ክንዲ ምኽሪ ኣቦታቶም ሰሚዖም ተነሲሖም ናብ ሕይወት ዝምለሱ፡ መጋበርያ ጸላኤ ሠናያት ብምዃን ኣብ ባሕረ ኃጢኣትን ክሕደትን ይሕንብሱን፣ ንቤተ ክርስቲያንን ደቃን ከኣ ናብ መገዲ ጥፍኣት ክወስዱ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣሰር እቶም ንዓለም ስዒሮም ኣኽሊል ሕይወት ዝተቐበሉ ቅዱሳን ኣብ ክንዲ ዝስዕቡ፣ ተረፍ ዝቐደሙ መናፍቓን ኮይኖም ‘ተሓድሶ’ ብዝብል ስም ጉልባብ ገይሮም ክንቀሳቐሱ ንርእዮምን ንሰምዖምን ኣሎና።

ብመሠረቱ ነቲ ጥንታዊ መገዲ (ሃይማኖት) ከነሕድስ ኢና ምባል፡ ነታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰማያዊ መንነታን ምሥጢራዊ ትርጕማን ምኽሓድ እዩ። በየን መገዲ ይምጻእ እንታይ ምኽንያት ይወሃቦ ብዘየገድስ፣ ‘ተሓድሶ’ ምባል ጉልባብ መናፍቕነት ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ በዓል ቤታ ዝኾነ መድኅን ክርስቶስ ምኽሓድ እዩ።

ተዅላ’ሲ ቈርበት በጊዕ ተኸዲኑ እንተመጸሲ፣ ተዅላ ካብ ምዃን ዝልውጦ ነገር የልቦን። እኳ ደኣ ነቲ ተዅላ ምዃኑ ከይፍለጥ’ሲ ካልእ ተመሳሳሊ ቈርበት ተኸዲኑ ዝመጸሉ ዘሎ ዕላማ ዝያዳ እቶም ጓሶትን ኣባጊዕን ክነቕሑሉ ይግባእ። “ወእምፍሬሆሙ ተአምርዎሙ/ ብፍሬኦም ኽትፈልጥዎም ኢኹም” ከምዝተባህለ እዚኣቶም ብፍሬኦም ይልለዩ ኣለዉ። (ማቴ. 7፡15-20)

“ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ” ከምዝበሃል እዞም ጉልባብ መናፍቕነት ዝኾኑ ወገናት፥ ቦታን ዓድን እኳ ቀይሮም ተጐላቢቦም እንተ ተዛረቡ፣ ምልስ ኢልና ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰባኻ ቤተ ክርስቲያኖም ዝነበረ ድኅረ ባይታኦምን ታሪኾምን እንተ ተመልከትና እቲ ግሁድ መናፍቕነቶም ከም ፀሓይ ቀትሪ ደሚቑ ዝረአ እዩ።

ኦ ሕዝበ ክርስቲያን!

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ምልክትታት ፍጻመ ዓለም ክምህር ከሎ፡ ብዙኃት ብስሙ ከምዝመጹ እሞ ‘ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ ደኣ’ እናበሉ ብስሙ ካብ ዘደናግሩ መምህራን ሓሶት ክንጥንቀቕ ከምዝግብኣና ኣቐዲሙ ብዘይ ሕሰው ቃሉ ኣለቢሙና እዩ። (ማቴ. 24፡23-25) ብዛዕባ’ዞም ንቤተ ክርስቲያን ዝህውኽዋን ንምእመናን’ውን ካብታ ጥንታዊትን ዘይትኽለስን ሃይማኖት ዘናውጹ ዘለዉ ናይ ዘመንና ተዃሉ’ውን ነቲ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝበሉና ደጋጊምና ነንብቦን ነስተውዕሎን።

• መልእክተ ይሁዳ ቍ. 3 - ፍጻሜ፦ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ኅብረት ምድኃንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቅዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም፡ ነቲ ጻጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉዅ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ። ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንሕዝቡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣድኂኑ፡ ደኃር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። ነቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለዓለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዓቚርዎም ኣሎ። ከምኡ’ውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘሩ ደድኅሪ ሥጋ ጓና’ውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለዓለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን ኣለዋ።

ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንሥጋኦም የርክስዎ፡ ንጒይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪ’ውን ይጸርፉ ኣለዉ። ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ ግና ብዛዕባ ሥጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ ‘እግዚአብሔር ይግናሕካ’፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን። እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነቲ ርእሶም የጥፍእዎ ኣለዉ።

ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በለዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደመና፡ ዘይፈርያ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሡረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለዓለም ተዐቚሩሎም ኣሎ።

ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም ‘እንሆ ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዜብሎም ኲላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ኃጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ’ ኢሉ ተነበየሎም። እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ።

ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሓዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንሥኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ። መንፈስ ዜብሎም ሥጋውያን እዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኲሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሐነፅኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናይ ሕይወት ዘለዓለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ። ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብሥጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።

ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስ’ውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቚመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና በይኑ መድኃኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለዓለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ኃይሊ፡ ሥልጣን ይኹኖ። ኣሜን።”

• መልእክተ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 16:17-18፦ “ግናኸ ኣኅዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ ካባታቶም ኣግልሱ።” ይብል።

እምበኣር፡ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብታ ጐይታ እምኒ መዓዝና ዝኾነ፡ ኣብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነድቀት ንቅዱሳን ደቂ ዓዶም እትገብረና ርትዕት ሃይማኖት ከይተናወጽና ኽንጸንዕ ይግባእ። (ኤፌ 2፡19-20)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195