banner

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

 

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት

 

“ብመዓልቲ ክሕጐስ ፀሓይ ኣብራህካሉ፣ ጸልማት ለይቲ ንኸይደፍኖ ንወርኂ ኣብራህካሉ፣ ግብሪ ኣእዳውካ ምእንቲ ኽፈልጥ ከዋኽብቲ ኣድመቕካሉ፣ ምእንቲ ክግዘኣካ መዓልታትን ዓመታትን ዘመናትን ሃብካዮ” (ቅዳሴ አትና. ቍ. 24)

  

“ረቡዕ” ለት ንፍጥረት ራብዓይ መዓልቲ ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ ፀሓይ፡ ወርኂን ከዋኽብትን ፈጠረ። (ዘፍ. 1፡14-16) “ወገብረ እግዚአብሔር ብርሃናተ ዓበይተ ዘየዓቢ ብርሃን ከመ ይምልክ መዓልተ፣ ወዘይንእስ ብርሃን ከመ ይምልክ ሌሊተ ምስለ ከዋክብት/ እግዚአብሔር ዓበይቲ ብርሃናት ፈጠረ፡ እቲ ዓቢይ ብርሃን ብመዓልቲ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ምስ ከዋኽብቲ ብለይቲ ከምዘብርሁ ገበረ።” ከምዝብል ኣብዚ ዓለም ከኣ ንፀሓይ ብመዓልቲ፡ ንወርኅን ከዋኽብትን ድማ ብለይቲ ኣሠልጠነን።

(መዝ. 136፡8-9) ዕላማ መፍጠሪአን ከኣ ጸልሚትዎ ንኸብርሃሉ ወይ ክብሪ ጐዲልዎ ንኽውስኻሉ ዘይኮነስ ንደቂ ሰባት ከብርሃ ከምኡ’ውን ንለይትን መዓልትን ንምፍላይ፣  ንኣርባዕተ ኣዝማናት፣ ንሾብዓተ ዕለታት፡ ንወርኃትን ዓመታትን ንምቝጻር ተፈጥራ። (ዘፍ. 1፡14-16 ፣ ኩፋ 2፡14፡ ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት)

 

 

እግዚአብሔር ክፈጥረን ከሎ ኣበላሊጹ ፈጠረን። ፀሓይ ካብ ወርኅን ከዋኽብትን ትበልጽ፡ ወርኂ ድማ ካብ ከዋኽብቲ ትበልጽ። እግዚአብሔር፡ ካብቲ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ዘምጽኦ ብርሃን ክንዲ ሥርናይ ትኣክል ወሲዱ ኣብ ሾብዓተ ከፈሎ። እቲ ሽዱሽተ ኢድ ንፀሓይ ቀብአ። እቲ ዝተረፈ ሓደ ኢድ ድማ ኣብ ሾብዓተ ከፈሎ እሞ እቲ ሽዱሽተ ኢድ ንወርኂ ቀብአ። እቲ ዝተረፈ ሓደ ኢድ ድማ ንኸዋኽብቲ ቀብኦም። “ ወብርሃነ ዚአሁ ለፀሐይ ምስብዒተ እደ ያበርህ እምዘወርኅ/ (ሄኖ. 21፡54)” ከምዝብል ብርሃን ፀሓይ ሾብዓተ ዕጽፊ ካብ ናይ ወርኂ የብርህ፣ ወርኂ ድማ ብከምኡ መጠን ካብ ከዋኽብቲ የብርህ። (ሄኖ. 22፡4)

 

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ ካልእ ክብሩ ለፀሐይ ወካልእ ክብሩ ለወርኅ ወካልእ ክብሮሙ ለከዋክብት ወኮከብ እኮከብ ይኄይስ ክብሩ/ ክብሪ ፀሐይ ንበይኑ እዩ፣ ክብሪ ወርኂ’ውን ንበይኑ እዩ፣ ክብሪ ከዋክብት’ውን ንበይኑ እዩ፡ ብኽብርስ ኮኸብ’ውን ካብ ኮኸብ ይበልጽ እዩ” ይብል። (1ይ ቆሮ. 15፡41)

 

 

ኣፈጣጥራ ፀሓይ ካብ እሳትን ነፋስን እዩ። ከም ክቢ ሰማይ ኮይና ኵለንትንኣ ዘብርህን ዘንድድን ሓዊ እያ። (ሄኖ. 21፡10) ፀሓይ ብምዕራብ ኣትያ፡ ብሰሜን ዘይራ፡ ብምብራቅ ትበርቕ። ብመዓልቲ ድማ ሠልጢና ትውዕል።

ኣፈጣጥራ ወርኅን ከዋኽብትን ድማ ካብ ማይን ነፋስን እዩ። ወርኂ ብምብራቕ ወፂኣ ከተብርህ ትኃድር። ከዋኽብቲ ኸኣ ሰዓብቲ ወርኂ ስለዝኾኑ ምስ ወርኂ ከብርሁ ይኃድሩ።

 

“እቲ ንፀሓይ መዓልቲ ዘግዝኦ፡ ንወርኅን ከዋኽብቲን ለይቲ ዘግዝኦም” (መዝ. 136፡8-10) ከም ዝበለ ቅዱስ ዳዊት፡ እግዚአብሔር ብኣምላካዊ ጥበቡ ፀሓይ እተብርሃሉ ጊዜያትን፡ ወርኅን ከዋኽብትን ዘብርሃሉ ጊዜያትን በበይኑ ገበሮ።

ፀሓይ፥ ብመዓልትን ለይትን እንተ ተብርህ ነይራ ብሰንኪ ዋዒ (ሙቀት) ፍጡር ዘበለ ምነደደ ነይሩ፣ ወርኅን ከዋኽብትን ከኣ ብለይትን መዓልትን እንተዘብርሃ ነይረን ብሰንኪ ዛሕልን ቁርን ፍጡር ዘበለ ምበረደን ምተኾምተረን ነይሩ።

ንዅሎም ከዋኽብቲ በብወርኃቱ መገብቲ ኣሕሉቕ ገበረሎም። ካብዚኣቶም ድማ መገብተ ዕለታት ማለት ኣብ ሰሙን ዘለዉ ሾብዓተ ዕለታት ዝምግቡ ሾብዓተ ከዋኽብት ኣለዉ፣ መገብተ ኣውራኅ ማለት ኣብ ዓመት ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ኣዋርኅ ዝምግቡ ዓሰርተው ክልተ ከዋኽብት ኣለዉ። ከምኡ’ውን መገብተ ኣዝማን ማለት ኣብ ዓመት ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት ዝበሃሉ ክረምቲ፡ መፀው፡ ሓጋይ፡ ፀደይ ዝምግቡ ኣርባዕተ ከዋኽብቲ ኣለዉ።

 

ምሳሌን ትርጕምን

 

ሀ. ፀሐይ

 

  • ፀሓይ ኣብ መዓልቲ ልጢና ንሰባት ናይ ዕለት ሥራሖም ንኽሠርሑ ከም እተብርህ፡ ከምኡ ድማ ብፀሓይ ዝተመሰለ ፀሓየ ጽድቅ (ሚል. 4፡2) ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዘይካኡ ኣብ ሕይወትና ካልእ ክሥልጥን ኣይግብኦን እዩ እሞ ንሱ ብርሃን ነፍስና እዩ። ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ብርሃና እዩ። ከምቲ ወርኂ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ስለ ዘይብላ ካብ ፀሓይ ወሲዳ እተብርህ፡ ብወርኂ እትምሰል ቤተ ክርስቲያን (ራእ. 12፡1) ድማ ካብ ብርሃና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ተቐቢላ ኣብ ጸልማት ዓለም ተበርህ። ከምቲ ከዋኽብቲ ሰዓብቲ ወርኂ ዝኾኑ፡ ብከዋኽብቲ ዝምሰሉ ምእመናን(ዳን. 12፡3) ድማ ንቤተ ክርስቲያን ስዒቦም ኣብ ዓለም የብርሁ።
  • ፀሓይ ናይ ሰብ ኣብነት እያ። ፀሓይ ምብራቓ ናይ ሰብ ምውላዱ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምብርሃ፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምንባሩ፣ ምእታዋ ናይ ሰብ ሙማቱ፣ ተመሊሳ ምውፅኣ ድማ ናይ ሰብ ትንሣኤ ኣብነት ይኸውን።
  • ብሓደ ወገን ፀሓይ ናይ ጻድቃን ምሳሌ ኮይና ከምቲ ንሳ ብብርሃና ጸኒዓ እትነብር፡ ጻድቃን ድማ ብሃይማኖትን ሠናይ ተግባርን ጸኒዖም ይነብሩ። (ማቴ. 13፡43) ከምኡ’ውን ብኻልእ ወገን ፀሓይ ናይ ኃጥኣን ምሳሌ ኮይና ከምቲ ንሳ ብብርሃና ጸኒዓ እትነብር፡ ኃጥኣን ድማ በቲ እከይ ተግባሮም ከይተነስሑ ጸኒዖም ናይ ምንባሮም ምሳሌ እዩ። (ማቴ. 24፡48-51)
  • ፀሓይ ናይ ጻድቃን ምሳሌ ኮይና፡ መዓልቲ ድማ ናይ መንግሥተ ሰማያት ምሳሌ’ዩ። ብጊዜ መዓልቲ ምሉእ ብርሃንን ሓጐስን ከምዝርከብ፡ ጻድቃን ድማ ኣብታ ፍጹም ሓጐስ ዘለዋ መንግሥተ ሰማያት ከም ፀሓይ በሪሆም ይነብሩ። (ራእ. 21፡1)
  • . . . ወዘይመስሎ።

ለ. ወርኂ

 

ወርኂ፡ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 15 ዘሎ ጊዜ ተብርህ እሞ ካብ ዕለት 16 ክሳዕ ዕለት 30 ዘሎ ጊዜ ድማ ብርሃና እናነከየ ይኸይድ። ክሳብ ምጥፋእ በጺሓ ፈጺማ ምስ ጠፍአት ምስ ፀሐይ ርክብ ገይራ ብርሃን ትረክብ። (ሄኖ. 26፡17-20)

በዚ መሠረት፦

* ጻድቃን ብሰንኪ ኃጢኣት እኳ ጸጋኦም ተቐንጢጡ እንተወደቑ ብንስሓ ናብ ፈጣሪኦም ይምለሱ። ተወካፌ ንስሐ እግዚአብሔር ድማ ብለውሃቱ ይቅረ ኢሉ ናብ ዝቐደመ ክብሮም ይመልሶም።

* ከምቲ ወርኂ ካብ ዕለት 16 ክሳዕ ዕለት 30 ዘሎ ጊዜ ብርሃና እናነከየ ከይዱ ፈጺማ እትጠፍእ፡ ኃጥኣን ድማ ብቅድስናን ንጽሕናን ተፈጢሮም ክንሶም ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ሕገ እግዚአብሔር በብሓደ እናፍረሱ ይጠፍኡ።

* ወርኂ ናይ ኃጥኣን ምሳሌ ኮይኑ ለይቲ ድማ ናይ ገሃነም ምሳሌ እዩ። ብጊዜ ለይቲ መከራ ከምዝጸንዕ፡ ኃጥኣን ድማ ኣብ ገሃነመ እሳት ድቕድቕ ጸልማት ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ስቅያትን መከራን ይረኽቦም። (ማቴ. 25፡41)

* . . . ወዘይመስሎ።

ሐ. ከዋኽብቲ

 

* ከዋኽብቲ ናይ ጻድቃን ምሳሌ ኮይኖም ኣብዚ ዓለም ብሃይማኖቶምን ምግባሮምን ትሩፋቶምን እናብርሁ ጸኒሖም፣ ኣብቲ ሰማያዊ ዓለም ድማ እናብርሁ ይነብሩ። ነዚ ኽገልጽ ከሎ ነቢይ ዳንኤል “እቶም ንብዙኃት ናብ ጽድቂ ዝምርሑ ከም ከዋኽብቲ ንዘለዓለም እናብርሁ ክነብሩ እዮም” (ዳን. 12፡3)

 

* ብኽብርስ ኮኸብ ካብ ኮኸብ ከምዝበላለጹ ቅዱሳን ድማ ብኽብሪ የበላለጹ እዮም። (1ይ ቆሮ. 15፡40-41)

 

* . . . ወዘይመስሎ።

 

ፈጣሬ ብርሃናት እግዚአብሔር ብብርሃን ትእዛዙ ተመላሊስና ናብ ፍጹም ብርሃን ዘለዋ መንግሥቱ ከእትወና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

***

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195