banner

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ልሳን ተዋሕዶ፦ ሥርዓተ ትምህርቲ እዚ ኮሌጅ ከመይ ይመስል?

ኣባ ሲላስ፦ ሥርዓተ ትምህርቲ እዚ ኮሌጅ ምስ ዕላማን ራእይን ቤተ ክርስቲያን ተሳንዩ ዝኸይድ እዩ። እዚ ኮሌጅ’ዚ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፣ ንተሞክሮ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ብዙኅ ንዝሰጐሙ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ግምት ዘእተወ ይኹን እምበር ምስ ውሽጣዊ ዓቕሙን ቤተ ክርስቲያናዊ መንነቱን፣ ንዕላማን መደባትን ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብምግባር እዩ ተሃንጺጹ። ኣብቲ ዕላምኡ፣ ተልእኾኡ፣ ራእዩ፣ ኣተኵሮታቱን ሸቶታቱን ኣቐምጢዎም ንዘሎም መደባት ንምዕዋት ናቱ ዝኾነ ሥርዓተ ትምህርቲ እዩ ኣዳልዩ። ብሓፈሻ ናይ ቀረባን ነዊን መደባቱ ገጻት ብገጻት ኣብ ዝተኸፋፈለ ስልታዊ ውጥን (strategic plan) ዝቕየድ ኮይኑ ኣብዚ ቀዳማይ ገጹ 4ተ መርሓ ግብርታቱ ኣተኣታትዩ ክሰርሓሉ እዩ። ኣብዚ ቀዳማይ ዓመት ብዲግሪን (ሓሙሽተ ዓመት) ዲፕሎማን (ሠለስተ ዓመት) መርሓ ግብርታት መደባቱ እኳ እንተፈለመ፣ ካብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ናይ ሰርተፊኬትን (ሓደ ዓመት) ሓጸርቲ ሥልጠና ካህናትን (3 ወርሒ) ክጅምር እዩ። ነፍስ ወከፍ መርሓ ግብር ነናቱ ረብሓን ሸቶን ኣለዎ።


ኣብ ዓመት ክልተ ዕብረ ትምህርቲ (semster) ክህሉ ከሎ ተምሃሮ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዕብረ ትምህርቲ ዝተሓተ 17 ዝለዓለ ድማ 20 ሰዓታት ኣብ ሰሙን (credit hours) ክመሃሩ እዮም። ብዘይካ እቲ ስሩዕ ትምህርት’ውን ምስቲ ዝጸንሖም ድኅረ ባይታ ንምምዕርራይን ንምሕጋዝን ተወሳኺ ናይ ሓገዝ ትምህርቲ (tutorial) ኣብ ገለ ዓውድታት ትምህርቲ ከምዝወስዱ ይግበር ኣሎ። ብሓፈሻ ሓደ ናይ ዲግሪ ተምሃራይ 64 ዓይነት ትምህርቲ (courses) ብምውሳድ ንክምረቕ ጠቕላላ ናይ 181 ሰዓታት (credit hours) ትምህርቲ ክጠናቕቕ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ድማ ናይ ዲፕሎማ ኣብ 39 ዓይነታት ትምህርቲ ናይ 115 ሰዓታት (credit hours) ትምህርቲ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር። ከምኡ’ውን ናይ ሰርተፊኬት ኣብ 12 ዓይነታት ትምህርቲ ናይ 38 ሰዓታት (credit hours) ክመሃር ኣለዎ። ሥልጠና ካህናት ምስ ክፍልታት መንፈሳዊ ትምህርትን ስብከተ ወንጌልን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብምትሕብባር ዝወሃብ ኮይኑ፣ ኣካዳሚያዊ ቅድመ መምዘኒ ዘይብሉ ካህናት ኣብ ዕቅበተ ሃይማኖትን ስብከተ ወንጌልን ዕዮ ጓስነቶምን ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ መንፈሳዊ ስራሕ ዘድልዮም ዕጥቂ ትምህርቲ ንምዕጣቕ ዝዓለመ ናይ ሠለስተ ወርሒ ዕጹው ሥልጠና እዩ። በብእዋኑ ኣብ ኵሉ ሃገረ ስብከት ዝርከቡ ካህናትና እንተደኣ ዝግባእ ስልጠና ብቀጻሊ ክረኽቡ ክኢሎም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢትና ልዑል እዩ።

ብሓፈሻ እዚ ኮሌጅ ዝወሃቡ ትምህርትታት ኣብ 7ተ ዓውድታት ትምህርቲ (Departments) ዝተኸፍለ ኮይኑ፣ ዝርዝሩ ድማ

1. ክፍለ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትርጓሜን (Bible Study & Exegesis Department)
2. ክፍለ ትምህርቲ ዶግማን ቀኖናን (Dogma & Canon Dept.)
3. ክፍለ ሥነ ምግባርን መንፈሳዊነትን (Ethics and Spirituality Dept.)
4. ክፍለ ትምህርቲ ጓስነትን ሓዋርያዊ ተልእኾን (Pastoral and Missionary)
5. ክፍለ ትምህርቲ ታሪኽን ቅርስን (History and Relics)
6. ክፍለ ትምህርቲ ቋንቋን ሥነ ጽሑፍን (Language & Literature)
7. ክፍለ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እዮም። (Science & Technology)

ነፍስ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ (courses) ኣብዘን ክፍለ ትምህርቲ (Departments) ይጠቓለል ማለት እዩ።

ልሳነ ተዋሕዶ፦ ክንደይ ተምሃሮ ኣለዉኹም፣ ኣብ ምንታይ መርሓ ግብሪ (ፕሮግራም) ይመሃሩ? መጻኢ መደባት’ከ?

ኣባ ሲላስ፦ ኣስታት 75 ተምሃሮ ኣለዉና፣ ኣብ ክልተ ፕሮግራም ማለት ኣብ ናይ ዲግሪን ዲፕሎማን ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ። ኮሌጅ ኣብ ኣርባዕተ ዓውድታት ትምህርቲ ብምሉእ ዓቕሙ ስሩዕ (ምዱብ) ትምህርቲ ዝህበሉ ደረጃ ምስ በጸሐ ኣስታት 350 ተምሃሮ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር። ምሸታዊን ካልእን መደባት ምስ ኣተኣታተወ ድማ ኣስታት 500 ተምሃሮ ዓመታዊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክህብ ዓቕሚ ኣለዎ ንብል። እዚ ማለት ግና ንኹሉ ዓውደ ትምህርቲ ብሙሉእ ኣቕሞም ዝምህሩ መማህራንን ተሪፍዎ ዘሎ ካልኣይ ገጽ ህንጻዊ ስርሓት ምስ ተዛዘመ ማለት እዩ።

ልሳነ ተዋሕዶ፦ እዞም ተማሃሮ ካበይ እዮም ብምንታይ መምዘኒ ክትመርጽዎም ክኢልኩም?

ኣባ ሲላስ፦ ካብ ኵለን ሃገረ ስብከታት ውሽጢ ሃገርን ገዳማትናን ዝተረኽቡ እዮም። እቶም መሠረታውያን ረቋሒታት ኣመልከትቲ ከኣ ካልኣይ ኣካዳሚያዊ ደረጃ ትምህርቶም ብዝሓሸ ነጥቢ ዘጠናቀቑ፣ ማዕረገ ክህነት ወይውን ዲቁና ዘለዎም፣ ንጡፍት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ፣ ብሃይማኖቶምን ሠናይ ምግባሮምን ዝምስከረሎም፣ ድሌት ትምህርትን ዕላማ ኣገልግሎትን ዘለዎም፣ መሠረታዊ ኣፍልጦ ቋንቋ ግእዝን ትምህርተ ሃይማኖትን ዘለዎም … ክኾኑ ኣለዎም ዝብል እዩ።

ዝተኸተልናዮ መስርሕ መምዘኒ ከኣ ቕጥዒ ኣመልከትቲ ብምድላው ናብ ኵሉ ገዳማትን ሃገረ ስብከትን ተላኢኹ። ነፍስ ወከፍ ተመሃራይ ከኣ ብዘይካ ባዕሉ ዝመልኦ ቅጥዒ ኣመልከትቲ ካብ መምህረ ንስሓኡ (ኣበ ነብሱ) ጀሚሩ፣ ናይ ደገፍ ወይውን ምስክርነት ደብዳበ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ሰበኻ ጉባኤ፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት፣ ሃገረ ስብከት ከምኡ’ውን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ከምዘምጽእ ተገይሩ። ብሓፈሻ እቲ መስርሕ ሰንሰለቱ ሃልዩ ብሃገረ ስብከት ከምዝምእከል ተገይሩ። እዚ ድማ ኣመልከትቲ ተምሃሮ ንዝጸንሖም ሃይማኖታዊን ስነ ምግባራዊን ድሕረ ባይታ ንምርግጋጽ ዝኣለመ እዩ።

እምበኣር ነዚ ኣማሊኦም ዝተረኽቡ ልዕሊ 250 ኣመልከትቲ ስለዝተረኽቡ፣ ብመሠረት እቲ ውጥን ዝነበረና ቦታ ንኣስታት 60 ተምሃሮ ብምንባሩ፣ ንኣመልከትቲ ንምፍላይ ጽሑፋዊ ናይ መእተዊ መርመራ (entrance exam) ተገይሩሎም። እቲ መርመራ ድማ ኣብ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን፣ ኣፍልጦ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ቋንቋ ግእዝን እንግልጣርን (እንግሊዝ) ዘድሃበ እዩ ነይሩ። ውጽኢቱ ድማ ካብ 70% ከምዝተሓዝ ድኅሪ ምግባር እቲ ዝተረፈ 30% ድማ ንዝጸንሖም ደረጃ መንፈሳዊ ትምህርትን ማዕርግን ከምኡ’ውን ደረጃ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ከም ተወሳኺ መምዘኒ መፍለዪ ተጸብጺቡ። እዚ ከኣ ብሓደ ወገን ነቶም ካህናትን ተወሳኺ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሞያ (ቅኔ፣ መዝገብ ቅዳሴ፣ ኣቋቋም፣ መጻሕፍት ወዘተ) ንዘለዎም ኣገልገልቲ ዝያዳ ንምትብባዕን ንምሕጋዝን ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ድማ ልዕሊ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝተፈላለየ ኮሌጃት ሃገርና ዝተፈላለየ ሞያ ንዝቐሰሙ ኣገልገልቲ ንምትብብዕ እዩ። እዚ ከኣ ተወሳኺ መንፈሳዊ ኮነ ኣካዳሚያዊ ሞያታት ዘለዎም ተምሃሮ፣ ቴኦሎጂ ምስ ዝመሃሩ ንዘለዎም ብልጫታት ንምጉላሕን ኣገዳስነቶም ንምእዛዝን፣ ምስ ራእይ ናይቲ ኮሌጅ’ውን ዝሳነ ስለዝኾነ እዩ ብፍሉይነት ተራእዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ካብ ጠቕላላ ብዝኂ ክመሃሩ ዝፍቕደሎም ኣስታት 15% ሕዙእ ቦታ (ኮታ) ብተዛማዲ ዝተሓተ ነጥቢ ክህልዎም ንዝኽእል ርሑቕ ከባቢታትን ሃገረ ስብከታትን፣ ገዳማትን፣ ከምኡ’ውን ፍሉይ ክእለታት ንዘለዎም ኣመልከትቲ ከምዝሕዛእ ተገይሩ። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ከተማታትን ርሑቕ ከባቢታትን ንዝጸንሐ ባይታ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ዕድላትን ንምምዕርራይን ምዕሩይ ዝርገሐ ተምሃሮ ንምርግጋጽን ብመደብ ዝተገብረ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ሚኒስትሪታት ብሞያኦም ከገልግሉ ዝጸንሑ እሞ ኣብዚ ኮሌጅ ክመሃሩ ኣመልኪቶም ዝለዓለ ነጥቢ መእተዊ መርመራ ዘመጽኡ ውሉደ ክህነት’ውን ክሰሓቡ ቤተ ክርስቲያን ንዘቕረበቶ ሕቶ ሰናይ ፍቓድ መንግስቲ’ውን ኮይኑ ከምዝሰሓቡ ስለዝተገብሩ፣ እዚ ኮሌጅ ዝተፈላለየ መንፈሳዊን ኣካዳሚያዊን ሞያ ዝዓጠቑ ተምሃሮ ከምዝህልዉና ገይርዎ ይርከብ።

ብሓፈሻ እዞም ተምሃሮ ብግቡእ ተምሂሮም ጽባሕ ናብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገርን ወጻእን ተዘርጊሖም ነዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዘገልግሉ ብምዃኖም ድጋፍን ሞራልን የድልዮም እዩ። ደቆምን ሓዳሮምን ከምኡውን ስርሖምን ናብርኦምን ገዲፎምን ተማሂርና ቤተ ክርስቲያንና ከነገልግል ኢሎም ተወፊዮም ዝመጹ ብምዃኖምን ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዘይካ ንትምህርቲ ዝኸውን ካልእ ክትገብረሎም ኣብዚ ጊዜ ዘይትኽእል ብምዃኑ “ድራር ዘይብሉ ቀሺሲ …” ከምዝብሃል ብሰንኪ ናብራ ዓለም፣ ልቦም ከይክፈልን ንድኅሪት ከይጥምቱን ንኵሉ ኣማኒ ዝምልከት ስለዝኾነ ክድጐሙ ይግባእ በሃሊ እየ።

ልሳነ ተዋሕዶ፦ መነባብሮኦም’ከ እንታይ ይመስል?

ኣባ ሲላስ፦ ኵሎም ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ ኮሌጅ ኣብ ዝተዋህቦም መደቀሲ ክፍሊ (ዶርሚተሪ) ይቕመጡ። ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተኸሸነ መግቢ’ውን ይምገቡ። ኵሉ ዝረኽብዎ ኣገልግሎትን ትምህርትን ብናጻ ኮይኑ፣ ምሉእ ንምሉእ ብባጀት ቤተ ክርስቲያን እናተሸፈነ ይካየድ ኣሎ። መሠረታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት’ውን ብናጻ ዝረኽቡሉ ክሊኒክ ኣብ ምዝዛም ይርከብ ኣሎ። ንተወሳኺ ሕክምና (refer) ከኣ ምስ ዓበይቲ ሆስፒታላት ውዕል ናይ ምግባር መደብ ኣሎ። 

ልሳነ ተዋሕዶ፦ መጻኢ መደባት ትምህርቲ እንታይ ይመስል?

ኣባ ሲላስ፦ ገጽ ብገጽ ዝተኸፋፈለ መደባት እዩ ዘሎና፣ ልዕል ኢሉ ከምዝገለጽክዎ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ኣብ ኣርባዕተ መርሓ ግብሪ ትምህርቲ ማለት ዲግሪ፣ ዲፕሎማ፣ ሰርተፊኬት፣ ስልጠና ካህናት ክንምህር ኢና። ሎምዘበን ብዲግሪን ዲፕሎማን መርሓ ግብርታት ጀሚርና ኣሎና። ዝመጽእ ዓመት መርሓ ግብሪ ትምህርቲ ብደረጃ ሰርተፊኬት፣ ጉዳይ ማሕንቖ ባጀት እንተደኣ ተፈቲሑ ድኅሪ ቍሩብ ኣዋርሕ ስልጠና ካህናት ክንጅምር መዲብና ኣሎና። ብሓፈሻ ቀዳማይ ገጽ ኵሉ ዓይነት ዓውድታት ትምህርቲ ብምጅማርን ኣሰራርሓን ውዳበ ምሕደራ ብምጽፋፍን ንዓበይቲ መደባት መበገስን መንጠሪ ባይታን ኮይኑ ዘገልግል እዩ።

ኣብ ካልኣይ ገጽ ዘሎ ዝርዝራዊ መደባት ኣብዚ ምጥቃሱ ብዙኅ ኣገዳሲ እኳ እንተዘይኮነ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ኵሉ ብስሩዕ እንተደኣ ከይዱልና ከም መቀጸልታ ቀዳማይ ገጽ ንኵሉ ክመሃሩ ንዝደልዩ ኣገልገልቲ ኮነ ምእመናንን ምእመናትን ምሸታዊ (extension) መርሓ ግብሪ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ናይ ርሑቕ (ምልእኣኽ) ትምህርቲ (correspondence) ምጅማር ከም መደብ ኣሎና። እዚ ድማ ብፍላይ ብስራሕን ካልእን ምኽንያት ዕድል ትምህርቲ ንዘይረኸቡ ውሉደ ክህነትን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዘለዉ ኣገልገልትን መንእሰያትን ጽቡቕ ዕድል ክኸፈተሎም ኢልና ንኣምን። ብተወሳኺ’ውን ብቀዳማይ ዲግሪ ጥራይ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ናብ ካልኣይ ዲግሪ ንምዕባዩን ምርምራዊ ስርሓት ንምስፋሕን ዝኣለመ፣ ኣብ ዓይነት፣ ጽፈት፣ ዕምቈት ትምህርቲ ዝያዳ ንምስራሕ ውጥን ዝተገብረሉ እዩ። ኣብ ሣልሳይ ገጽ ድማ ካልእ ዓበይቲ መደባት ተሰሪዑሉ ይርከብ።

ልሳነ ተዋሕዶ፦ ኣብ ምጅማር መንፈሳዊ ኮሌጅ እቲ ወሳኒ ብቍዕ መምህርን ኣመሃህራን ከምኡ’ውን መወከሲ መጻሕፍቲ ኮይኑ ይረኣየና እሞ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኮሌጅ እንታይ ኣተሓሕዛን ብቕዓትን ኣለዎ ትብሉ?

ኣባ ሲላስ፦ ሓቂ እዩ። ብቍዕ መምህር ዘይብሉ ቤት ትምህርቲ ብቍዕ ተምሃራይ ክህልዎ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ዘለዎ እዩ። እኹል መወከሲ መጻሕፍትን ቤተ መጻሕፍትን ዘይብሉ’ውን ከምኡ እቲ ዝድለ ብቕዓት ክርከቦ ዝኽእል ተምሃራይ ክፈሪ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ እዚ ኮሌጅ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ። ርግጽ እዩ ብቴኦሎጂ ትምህርቲ ዝተመረቑ ብዙኃን ምሁራን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣለዉ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። እዚ ማለት ግና ብቍዓንን ብሱላትን መምህራንን ሊቃውንትን የለዉን ማለት ከምዘይኮነ ፍሉጥ ነገር እዩ። ነዚ ከኣ ዕላማ መንፈሳዊ ኮሌጅን (ቴኦሌጂ) ትርጉም መምዘኒ ብቕዓትን ብዝግባእ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ብመሠረቱ ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊን ርቱዕን ሃይማኖታን ሥርዓታን ዓቂባ ክትጐዓዝን ኣሽሓት ዘመናት ኣቍጺራ ኣብ ዘመንና ክትበጽሕ ዝኸኣለት ዘመናዊ መንፈሳዊ ኮሌጅ (ቴኦሎጂ) ስለዝነበራ ኣይኮነን። ብሕጂ’ውን መንፈሳዊ ኮሌጅ ስለዘለዋ ጥራይ በዚ ኣገባብ ክዕቀብ ዝኽእል ማለት የዋህነትን ጊጉይ ኣተሓሳስባን እዩ።

ልዕሊ ኵሉ ንቤተ ክርስቲያንን ርቱዕ ሃይማኖታን ዝሕሉ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። መንፈሰ እግዚአብሔር ንሊቃውንት ልቦናን ምሥጢርን፣ ንጻድቃን ጽንዓትን ተጋድሎን፣ ንሰማዕታት ድማ ትብዓትን ቅንዓትን፣ ንኣገልገልቲ ትግሃትን ሞገስን፣ ንምእመናን ድማ ምኽርን ፍቕሪ እናሃበ ሃይማኖት ዘጽንዕ ንሱ እዩ። ኵሉ ኣገልጋሊን ምእመንን ከኣ ከከም ኣገልግሎቱን ጽንዓቱን ጸጋ ይርከብ። ወሪዶም ደይቦም እቶም መኽሊቶም ዘትረፉ ገብር ኄር ክበሃሉ ከሎ እቶም ዝሓብኡ ድማ ገብረ ሃካይ ይበሃሉ። እምበኣር ቤተ ክርስቲያን መናኸሪ ትጉሃትን ጽኑዓትን ብምዃንና ብሊቃውንትን መምህራንን ደቃ እናተጓሰዩ ሃይማኖት ጸኒዑ ይቕጽል ኣሎ። ኮሌጅ ክበሃል ከሎ’ውን በብዓውደ ትምህርቱ ብምክፍፋል፣ ትምህርተ ሃይማኖትና ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና፣ ክርስቲያናዊ ሥርዓተ ኣምልኾትና፣ ትምህርቲ ሠናይ ተግባራትን ሕገ እግዚአብሔርን፣ ታሪኽናን ትውፊትናን፣ ቅዱሳት መጻሕፍትን፣ ጸጋታትናን መንፈሳዊ ሃብትናን ….. ወዘተ ብዝግባእ እነምሃረሉ ብምዃኑ ኣብ ዓዓውዱ ድማ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንትን መምህራንን ስለዘለዋ ናይ መምህራን ጸገም ኣሎና ኣይንብል ኢና። እቲ ዘገድስ ብኸመይ ኣብዚ ዕዮ’ዚ ሊቃውንትን መምህራንን ዝሳተፉሉ ኣገባብ ንሰርዕን ምስቲ ዘመናዊ ኣገባብ ኣመሃህራ ነወሃህድን እዩ። ብሓቂ ውሽጣዊ ዓቕምና እንተደኣ ፈቲሽናን ኣሳቲፍናን ናይ ፍልጠት ጸገም የብልናን። ገለ ውሑዳት ዓውድታት ትምህርቲ ዝያዳ ብካልኦት ሊቃውንትን መምህራንን ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ምሃብ ኣብ ዘገድሰሉ እዋን ድማ ብዝምልከቶም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝተታሓዘ መደብ ኣሎ። ሕጂ’ውን እቲ ቀዳምነት ግና ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ዓቕምና ምብርባር ምዃኑ ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ውን ብዙኃን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ዝተፈላለየ ጥንታዊ ሞያ (መንበር) ዘመስከሩ ከምኡ’ውን ቴኦሎጂ ዝተምሃሩን ክምህሩ ዝኽእሉን ኤርትራውያን ከምዘለዉ ፍሉጥ ኮይኑ ኣትዮም ብጊዜዊነት ድዩ ብቀዋምነት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ከበርክቱ ይግባእ። ከምቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ብሞያኻ ድዩ ብፍልጠትካን ገንዘብካን … ሕዝብኻን ቤተ ክርስቲያንካን ምሕጋዝ ዓቢይ ሰማያዊ በረኸት ከምዘለዎ ክሰሓት የብሉን። ደኺሞም ዘተመሃርዎ ትምህርቲ (መኽሊት) ዘየፍርዩሉ ወይውን ዘይብዝኅዎ እንተኾይኑ ጽባሕ ወቐሳ ዘይተርፍ ብምዃኑ ብስም እግዚአብሔር ጻውዒተይ የቕርብ።

ናብቲ ሕቶ ክምለስ እዚ ኮሌጅ’ዚ ኣብቲ ዝምህሩሉ ዘለዉ ዓውዲ ትምህርቲ ብዝግባእ ዝተማህሩን ንነዊሕ ዓመታት ክምህሩሉን ብዝጸንሑ መምህራን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ንገለ ሊቃውንትና ከኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገልጽክዎ ምስቲ ዘመናዊ ኣገባብ ንምልላይ ስነ ምምህርና (pedagogy) ብምምሃር ከምዝዳለዉ ክግበር ጸኒሑ እዩ። እቶም ጻውዒት ዝተገብረሎም ሊቃውንትን መምህራንን ድማ ብምሉኦም ኣብ ጽሙድ ዕዮ ትምህርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነገር፣ ቴኦሎጂ ብመንጽር ፍሉይ ፍልጠት ክንርእዮ ኣይግባእን። እንታይ ደኣ እስትግቡእ ወይውን መድብል ኵሉ ዓይነት መሠረታዊ ፍልጠት ትምህርትን ሃብትን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ነስተውዕል። ኣብ ዕላማ ናይቲ ኮሌጅ’ውን ተነጺሩ ከምዘሎ ንሕና ብቀዳምነት ዘገድሰና ፍልስፍናን ርቀትን ዘይኮነስ፣ ንኵሉ ዓውድታት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ፈሊጦምን ዓጢቖምን፣ ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ትምህርቲ ኣቦታቶም ኣክቢሮም፣ ኣብ ኵሉ ዓውድታትን ተልእኾታትን ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ክሰርሑን ኣብ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን እጃሞም ብዕላማ ዘበርክቱን ኣርኣያ ዝኾኑን ብትሕትና ዝመላለሱን ተምሃሮ እዮም። ነዚ ዕላማ ድማ ዘሎና ትሕዝቶ ነቲ ኮሌጅ ኣብቲ ዝድለ ዕላማ ንምብጻሕ ዘእግሞ ኣይኮነን። ዛጊት ከም ጀማሪ ኮሌጅ’ውን ዘሎ ግብረ መልሲ ተምሃሮ’ውን ብብቕዓት መምህራና ዕጉባት ምዃኖም እዩ።

ይቕጽል . . .

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195