banner

“ አቡነ ዘበሰማያት - ፍጹም ጸሎት! ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ አቡነ ዘበሰማያት - ፍጹም ጸሎት! ”

ጸሎት ማለት ምድራዊ ሰብ ሰማያዊ ምዃኑ ዝገልጸሉ፣ ምስ ልዑል እግዚአብሔር ዝራኸበሉ መንገድን ዝገብሮ ዝርርብን እዩ። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ 14 ቍጽሪ 528)

ስለዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻትኩም’ሲ ኽትጽልዩ ከለኹም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ በለና፥ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፡ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና፡ ንሕና ንዝበደለና ክንኃድግ በደልናን ጌጋናን ኅደገልና፣ ኦ ጐይታ ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና፣ ከመይ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ፡ አሜን”


ኣብዚ ጸሎት’ዚ ዝተገልጹ ቃላት ነፍስ ወከፎም ዓሚቕ ትርጕምን ረቂቅ ምሥጢርን ዝኃዙ እዮም። ጸሎት “አቡነ ዘበሰማያት”፡- ብንባብ ሓፂር እንተኾነ ብምሥጢር ግና ነዊሕ እዩ። ኣብ 81 መጻሕፍት (ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ) ዝርከቡ ኃሙሽተ ነገራት ኣብዚ ጸሎት’ዚ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ፦

1. ሃይማኖት
2. ተስፋ
3. ፍቕሪ
4. ትሕትና
5. ጸሎት

1. ሃይማኖት፦ ነቲ ብዓይነ ሥጋ ዘይረኣኻዮ ዘይትፈልጦ ኣቦ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና . . .” ኢልካ ምጽዋዕ እዩ። አቡነ (ኣቦና) ደኣ እምበር እግዚእነ (ጐይታና)፡ አምላክነ (ኣምላኽና)፡ መምህርነ (መምህርና) በሉኒ ኣይበለን። ቅድም ነቢያት ካብ ግብርናተ(ባርነት) ዲያብሎስ ናፃ ከምዘይወፁ ንኸረድኡ አምላክነ ይብልዎ ነይሮም። ንሕና ግና ካብ ግብርናተ ዲያብሎስ ናፃ ከምዝወፃእና ከረድእ አቡነ (ኣቦና) በሉኒ በለና። ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ከረድእ ከሎ፦ “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን።” ይብል። (ሮሜ 8፡15፣ ገላ. 4፡6) ከምኡ’ውን እግዚእነ (ጐይታና) በሉኒ ኣይበለን። ከመይ ጐይታ ንኣገልጋሊኡ እንተ ፈተዎ ይሾሞ ይሽልሞ እምበር ነቲ ኃላፊ ሃብቱን ንብረቱን ርስቱን ጉልቱን ኣውሪስዎ ዝመውትሲ ንውላዱ እዩ። እግዚአብሔር ግና ኣቦና እዩ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዘለዓለማዊት ርስት መንግሥተ ሰማያት የውርሰና። ብተወሳኺ ድማ (ኣቦና) ደኣ እምበር መምህርነ(መምህርና) በሉኒ ኣይበለን። ምኽንያቱ መምህር ንተመሃራዩ እንተ ፈተዎ ነቒሑን ተጊሁን ምሥጢር ገሊጹ የስተምህሮ እምበር ርስቱን ጉልቱን ኣውሪስዎ ዝመውትሲ ንውላዱ እዩ። እግዚአብሔር ግና ኣቦና እዩ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዘለዓለማዊት ርስት መንግሥተ ሰማያት የውርሰና። “ኣቦና” ማለት ናይ ምሕረት ናይ ርኅራኄ ናይ ፍቕሪ ስም እዩ። እግዚአብሔር፡ ከም ብዝኂ ኃጢኣትና ዘይኮነስ ከም ብዝኂ ርኅራኄኡን ዓቢይ ምሕረቱን ነዊሕ ትዕግሥቱን ስለዝርኅርኃልና ‘ኣቦና’ ንብሎ። “በከመ ይምሕር አብ ውሉዶ ከማሁ ይምሕሮሙ እግዚአብሔር ለእለ ይፈርሕዎ/ ኣቦ ንውላዱ ከምዝርኅርኃሉ፡ እግዚአብሔር ድማ ንዝፈርሕዎ ይርኅርኃሎም እዩ። ” ከምዝብል (መዝሙረ ዳዊት 103፡13)

እግዚአብሔር ፍጹም ኣቦና እዩ እሞ ኣብዚ ጸሎት’ዚ ካብ ምድራዊ ኣቦ ንኽፈሊ ‘ዘበሰማያት/ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና’ በለ። እዚ ማለት ከኣ ምድራዊ ኣቦ ብዘርኢ ብሩካቤ ብግዘፍ ይወልደና፣ ብጸባ ብፍትፍት ኣዕብዩ ምስ ሞት ዝኃልፍ ጠፋኢ ርስት የውርሰና። እግዚአብሔር ግና ብርቀት ይወልደና፡ ብሥጋኡን ደሙን ኣዕብዩ ዘይትኃልፍ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት የውርሰና፡ ‘ሐይው ከመ መላእክት’ ከም መላእኽቲ ድማ ብሕይወት የንብረና። ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ካብ ሥጋ እተወልደ ሥጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።” ከም ዝበለ። (ዮሓ. 3፡6)። ከምኡ’ውን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ እምበኣር ውሉድ ካብ ኮንና ወረስቲ ድማ ኢና” ይብል። (ሮሜ 8፡17)
ኣብዚ ጸሎት’ዚ ‘ዘበሰማያት/ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና’ ዝበለ ጐይታ ኣብ ኵሉ ምሉእ ክኸውን ከሎ ስለ ልዕልናኡ ኣብ ሰማያት ኣሎ ስለ ዝበሃል’ዩ። “ዘበእንተ ዕበይከ ትትሜሰል በደመናት/ ስለቲ ልዕልናኻ ብደመናት ትምሰል” ከምዝብል። ከምኡ’ውን እግዚአብሔር ኣብ ምድሪ ዘይነብር መንበሪኡ ኣብ ሰማይ ጥራይ ዝተወሰነ ኮይኑ ኣይኮነን፡ ኣብ ሰማይን ምድርን ብምልኣት ዘሎ ኣምላኽ እዩ። “ካባኻ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ዓረግኩ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ።” (መዝ. 139፡7-8) ከምዝበለ ቅዱስ ዳዊት፡ እግዚአብሔር ዘይብሉ ቦታ የለን።

‘ኣብ ሰማይ እትነብር’ በሉኒ ዝበለ ብዙኅ ጊዜ ዝግለጸሉ፡ ንቅዱሳን ዝረኣዮምን ዝግለጸሎምን ኣብ ሰማይ ስለዝኾነ እዩ። (ኢሳ. 6፡1፣ ማቴ. 5፡34፣ ግብ. 7፡55።)

2. ተስፋ፦ “ትምጻእ መንግሥትከ/ መንግሥትኻ መንግሥተ ሰማያት ትምጽኣልና” ኢልካ ምጽላይ እዩ። “መንግሥተ ሰማያት ትምጽኣልና” ክብል ከሎ መንግሥተ ሰማያት እግሪ ነይርዋ ብእግራ ጐያ፡ ክንፍ ነይርዋ ብክንፋ በሪራ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሳ ትመጽእ ኮይና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ትወሃበና ትገለጸልና በሉ ክብል እዩ።

እዛ ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ንኽወሃቦም ሰማዕታት ኣብ ዝነድድ ሓዊ ኣተዉ፡ ስሕለት ሰይፊ ተዓገሡ፡ ብግርማ ዓላውያን ነገሥታት ሰንቢዶም ሃይማኖቶም ኣይቀየሩን፡ ሹመት ሥልጣንን ሽልማት ወርቅን ብሩርን ንዒቖም መኸራ ጸገቡ . . . ። ጻድቃን’ውን ብምናኔን ብሕትውናን ካብ ዘመዶምን ሃገሮምን ተፈልዮም ኣብ ዱር በረኻታትን ምድረ በዳታትን ንድምፀ ኣራዊት ግርማ ሌሊትን ፀብአ አጋንንትን ተዓጊሦም ዝጸንዑ ነዛ ተስፋ እዚኣ እዮም። ንመንግሥተ ሰማያት ተስፋ እንገብር ስለ ዝረኣናያ ኣይኮነን። “ነቲ ዚርአ ተስፋ ምግባር እዚ ተስፋ ኣይኮነን። ነቲ ዝርእዮ ተስፋ ዝገብር መን ኣሎ፧ ነቲ ዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና ብትዕግሥቲ ንጽበዮ።” (ሮሜ 8፡24-25) ስለዚ ተስፋና ነታ ዘይንርእያ መንግሥተ ሰማያት እዩ። ነዛ ተስፋ’ዚኣ ንኽንወርሳ ኣብ ጸሎትና ‘መንግሥትኻ ትምጻእ’ ኢልና ክንልምን ጐይታ መሃረና።

2. ፍቅር፦ ፍቅር ማለት ሓደ ንብዙኃት ምጽላይ እዩ። እዚ’ውን “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ኢልካ ምጽላይ እዩ። ነዚ ኽንጽልይ ከሎና ‘ናይ ዕለት እንጌራ ንዓይ ጥራሕ ሃበኒ ወይ ድማ ንኽስቶ ጥራሕ ሃቦ’ እናበልና ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ንፈተውትና ኮነ ጸላእትና፡ ንዘመድ ኮነ ንባዕድ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ዕለት እንጌራና ሃበና ንብል። ምኽንያቱ በዚ ጸሎት’ዚ ‘ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር’ (ዘሌ. 19፡18 )ዝብል ትእዛዝ ከምኡ’ውን “ንጸላእትኹም ፍተዉ ነቶም ዘሳድድኹም ጸልዩ” ዝበለና ይፍጸም።

“ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ኢልካ ምጽላይ ሎሚ ናይ ዕለት መግብናን ናይ ዓመት ልብስናን ሃበና ማለት እዩ። ኣቦና ያዕቆብ ኣብ ኦሪት፡ “እምከመ ረከብኩ እክለ ዘእበልዕ፡ ወልብሰ ዘይትዔረዝ ይከውነኒ እግዚአብሔር አምላኪየ/ ዝበልዖ እንጌራን፡ ዝኽደኖ ክዳንን እንተ ሃብካኒ ሽዑ ንስኻ ኣምላኸይ ትኸውን” በለ። (ዘፍ. 28፡20-21) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ “እም ከመ ረከብነ ሲሳየነ ወዓራዘነ የአክለነ/ ቀለብን ክዳንን እንተረኸብና ይኣኽለና እዩ” በለ። (1ይ ጢሞ. 6፡8፣ ምሳ. 30፡8) ። ሠለስቱ ምእት ኣብ ሕንፃ መነኮሳት “ኢትኩን መፍቀሬ ንዋይ ወብሩር ወኢትፍቱ ከመ ታጥሪ ወርቀ ወብሩረ ዘእንበለ በአምጣነ ዘየአክል ለሕይወትከ ወለሲሳይከ ወለዓራዝከ በዓቅም/ ንሕይወትካ ንምግባኻን ንኽዳንካን ብመጠን ዝኣኽለካ ድኣ እምበር፡ ፈታው ገንዘብን ብሩርን ኣይትኹን። ወርቅን ብሩርን ከተጥሪ ከኣ ኣይትፍቶ” ይብሉ። (ሃይ. አበው 21፡1)።

እዚ ጸሎት’ዚ ካብ መግበ ሥጋ ዝኃልፍ ጸሎት እዩ። ዕለታዊ ንትምህርትኻ ኽንመሃር ሓግዘና ማለት’ውን እዩ። ከምቲ ዝብላዕን ዝስተን ዝሰኣነ ሰብ ክሳዕ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ምፍላይ ዝበጽሕ ከምኡ ድማ ቃለ እግዚአብሔር ዝምህሮ ዝሰኣነ ሰብ ፈጣሪኡ ክሳዕ ምኽሓድ በጺሑ ሞተ ነፍስ ይረኽቦ እዩ። ምኽንያቱ ቃል እግዚአብሔር መንፈሳዊ መግቢ እዩ። “አእምርኬ ከመ ቃለ እግዚአብሔር ሲሳይ ዘበአማን፣ ሲሰተ ልብ ቃላቲሁ ለእግዚአብሔር፣ አመጽእ ረኀበ እክል ወጽምአ ማይ ላዕለ ውእቱ ብሔር አኮ ረኀበ እከል ወጽምአ ማይ ረኀበ እክልሰ ወጽምአ ማይ እምኢሰሚዐ / ቃለ እግዚአብሔር ሓቀኛ መግቢ ምዃኑ ፍለጥ። ቃላት እግዚአብሔር መግቢ ልቢ እዩ። እንሆ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። እዚ ጥሜት እዚ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚአብሔር እምበር፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኮነን።” ከምዝብል። (ኣሞ. 8፡11-12፣ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ መጽ. ሊቃውንት)

ብተወሳኺ’ውን እዚ ጸሎት’ዚ ዕለታዊ ኽንጽሊ፡ ዕለታዊ ኽንሳሕ፡ ዕለታዊ ቅዱስ ሥጋኻን ክቡር ደምካን ክንቅበል ሓግዘና ማለት’ዩ።

ብሓፈሻ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ዝብል፡ ንዅሉ ዝኸውን ናይ ፍቕሪ ጸሎት እዩ።

3. ትሕትና፦ “ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ/ በደልናን ጌጋናን ኅደገልና” ኢልካ ምጽላይ እዩ። ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ኵሉ በደልና ኅደገልና ኢሉ ይጽሊ። “. . . ወትዕቢተሰ ኢተሐልዩ ወከመ ዘያቴሕት ርእሶ ተመሰሉ/ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ፡ ከምቲ ርእሱ ዘትሕት ሰብ ምሰሉ” (ሮሜ 12፡16) ከምዝብል ትሕትና ማለት ርእስኻ ምውራድ፡ ካብ ትዕቢትን ትዝኅርትን ምርሓቕ ብምኻኑ እቶም ብቑዓትን ንጹሓትን ትሕት ኢሎም ከምቶም ኃጥኣን “ኣበሳና ይቕረ በለልና” ኢሎም ይጽልዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደጋጊሙ ብዛዕባ ትሕትና ምሂሩ እዩ፥ “እቲ ከምዚ ቘልዓ’ዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዚበልጽ።” (ማቴ. 18፡4)፣ “ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኮነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓቢይ ምዃን ዝደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ኣቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኹም ይኹን።” (ማቴ. 20፡26-28) ይብል። መምህረ ትሕትና እዩ እሞ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ሓጸበ። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ካብ ጐይታኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብቃልን ብተግባርን ዝተማህሮ ናይ ትሕትና ጥቅሚ ጽሒፉ እዩ፥ “ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” (1ይ ጴጥ. 5፡6) ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ’ውን “ እምበኣር ሞት እተልብስን ሲኦል እተውርድን ስለዝኾነት ብትዕቢትን ብጃህራን ኣይነጊጽ።” ይብል ። (ቅዳሴ ማር. ቍ. 160)

በተአምኖ ኃጣውእ፡ እግዚአብሔር በደለይ ክኃድገለይ እዩ ብዝብል ሓሳብ በደል ብጻይና ብምኅዳግ፡ “ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ/ በደልናን ጌጋናን ኅደገልና” ኢልና ኽንጽልይ መሃረና።

5. ጸሎት፦ “ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት አላ አድኅነነ ወባልሓነ እምኵሉ እኩይ/ ኦ ጐይታ ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢልካ ምጽላይ እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና . . . ክሳብ መወዳእታ ዘሎ ጸሎት እኳ እንተኾነ ‘ኦ ጐይታ ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣየእትወና” ማለት ካብ መከራ ሥጋ፡ ካብ መከራ ነፍስ፡ ካብ ክሕደት፡ ካብ ገሃነም ኣድኅነና እምበር ናብኡ ኣይተእትወና” ኢልኩም ጸልዩ በለና።

ስለዚ እዚ ፍጹም ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሠርዖን ዝመሃሮን ጸሎት’ዚ ዓሚቝ ምሥጢር ዝኃዘ፣ መንፈሳውን ሥጋውን ድሌታት ዘማልእ፡ ንዅሉ ዝገልጽ ፍጹም ጸሎት እዩ።

በዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ጊዜያትን ኣብ ዝኾነ ቦታን ኵነታትን ኴንና ኽንጅምርን ኽንፍጽምን፣ ኽንኣቱን ኽንወፅእን፣ ኽንድቅስን ኽንትንሥእን ነዚ ጸሎት’ዚ ንጽልዮ።

መብዛኅትና ነዚ ጸሎት እዚ ካብ ዕድመ ሕፃንነትና ጀሚርና ዘጽናዕናዮ ስለዝኾነ ልብና ምስ ኣፍና፡ ኣፍና ምስ ልብና በበይኖም ኮይኖም ብልምዲ ብቕልጡፍ ኢና ንጽልዮ። እንተኾነ ግና ምሥጢሩ ተረዲእና ብፍጹም ኣእምሮ ብሰቂለ ሕልና ብነቂሐ ልቦና ኽንጽልዮ ይግባእ።

ተወካፌ ጸሎት ልዑል እግዚአብሔር ጸሎትና ይቀበለልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195