banner

“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምለክ!

“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

ሓደ ካብ’ቶም ንበረኻታት ግብጺ ብመስቀሎም ዝባረኹ ብብርሃኖም ንብዙኃን ብርሃን ዝኾኑ፡ ቅዱስ ኣባ ሰራጵዮን ኣብ ዝነበርሉ ዘመን እዩ። ነቲ ሰሎሞን ኣብ መጽሐፈ መክብብ ዝበሎ ዘንጊዑ፡ የእዛኑ ፍልጠት ተመልኣ ብምባል “ገለ ቃል እባ ሃቡኒ” እናበለ ናብ ብዙኅ ቦታ ዝዘውር ዝነበረ እዚ መንእሰይ።

ጽቡቅ ልማድ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ኣብ ዝኣትወሉ ‘ውን መጽሓፍቲ ዓዲጉ ብምምጻእ ንከብሕታቱ መጽሐፍቲ ምስ መልኦ እዩ። የዒንቱ ግን ገበር መጽሐፍቲ ካብ ምርአይ ሓሊፈን ንውሽጢ ኣትየን እንታይ ይብል እቲ መጽሓፍ ክፈልጣ ባህጉ ኣይሓገዘንን።


ጌና ድሌቱ ብእዝኒ ዝኣቱ ፍልጠት ኣብ ምድላይ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ረስኒ ዝክዑ ፀሓይ ምድረ በዳ እናተጻወረ፡ ስጉምቱ ናብ ገዳማት ኣስቄጥስ ኣምርሐ። ጻዕሪ ጽቡቅ እዩ፡ ብፍላይ ቅዱስ ነገር ንምርካብ ዝጽዓር ጻዕሪ፡ ግና ብጻዕርካ መክሊት ምስ ተቀበልካ ብከመይ ትሕዞን ብከመይ ተሰስኖን ጥበብ እንተዘይረኪብካ፡ ጻዕሪ ወቐሳ ከይከውን የፍርሕ እዩ።


ብርዒ ቀዳሞት ኣበው ዝገደፎ ትምህርቲ እናንበቡ ትምሕርቶም ትውፊቶም ዝሓዙን፡ ጌና ብርዖም ዘየንጸፉ ኣበውን እማትን ዘመን ሓጊዝዎ ክረክብ ብዘይምሽጋሩ እቲ መንእሰይ ዕድለኛ‘ዩ ኔሩ። ድሕሪ ነዊሕ ክኣ ነቶም ብቀጻሊ ዝረክቦም ዝነበረን ንኩሉ ኩነታቱ ዝፈልጡ ኣባ ሰራጵዮን ረኸቦም።


እቲ ልማድ ሓደ እዩ፡ ጉባኤ ናይ ትምሕርቲ ትሕትና ኣበይ ምዃኑ ንገዳማት ዝፈልጥ እፈልጦ እዩ። ኮይኑ ከኣ ቅድሚ ነእዛኑ ዝውሃብ ትምሕርቲ ምርካቡ፡ ህያብ ጸጋ ትሕትንኦም ዝኾነ ምውቕ ሰላምታን፡ ትንፋስ ዝመልስ ካብ ምሕጻብ እግሪ ክሳብ መክፈልቲ ዝቀጸለ ዕንጋሎት ረኸበ።


ድሕሪ ‘ዚ ሸውሃት ባህጉ ክመልእ ስለ ዝነበሮ ናብ ኣባ ሰራጵዮን ኣምርሐ። ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ ድማ፡ ናይ ውልቆም መደብ ክህልዎም ይኽእል እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበን፡ ነዊኅ ጊዜ ከኣ ምስ መነኮሳት ከተዕልል ጽቡቅ ከም ዘይኮነ ስለ ዝርድኦን፡ ንኣባ ሰራጵዮን “ኣቦና በሉ ቃል እግዚአብሔር ኣስምዑኒ በሎም”።


ኣባ ሰራጵዮን ቀልጢፎም ኣይመለስሉን፡ ሱቅ ስለ ዝበሉ ኣብ’ተን ሒደት ካልኢት ብዙኅ ሓሰበ። ስቅታን ጽሞናን ረኪቡ ሕልፉ ዝምርምር ክትከውን ጽቡቅ እዩ። እዚ መንእሰይ’ውን ነዚ ዕድል ብምርካቡ ብሓሳብ ነዊኅ ከደ። ጥራዝ ሒዘ ክጽሕፍ ዘይርእዩኒ ብምዃኖም ‘ዶ ይሕርቆም ይህልው፧ ወይስ ዝተነግረኒ ቃል ከተግብር ዘይምብጋሰይ፧ እንታይ ድኣ ኮይኖም ክብል እየ፧ ሰማዒ ጥራይ ብምዃነይ እዮም ዝኾኑ፧ እሞ መጽሓፍቲ ከም ዝዕድግ ንሰባት’ውን መጽሓፍቲ ከምዝህብ እፈልጡኒ እዮም፧ ግን መዓስ ‘ሞ የንብቦ ኮይነ፧ እዝን ካልእን ኣብ ሓሳቡ ከሎ ሃንደበት ድምጺ ሰምዐ።


ምስኡ ካልእ ሰብ ከምዘይነበረ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ፡ እቲ ድምጺ ናይ ኣባ ሰራጵዮን ምንባሩ ኣይተጠራጠረን። ክሓስብ ብምጽንሑ ግን ንዘረባኦም ክሰምዖ ብዘይምክኣሉ፡ “ኣቦና ዝበልክሙኒ ኣይሰማዕክዎን በሎም”፡ ሕጂ ‘ውን ንኂደት ካልኢት ስቕታ ሰፈነ። እቲ ስቕታ ግን ከም ዝቀደመ ነዊኅ ኣይነበረን።


ኣባ ሰራጵዮን መእተዊ ዘረባ ዝመስል፡ ሕጂ ከኣ ኣስተውዕል ዝመልእክቱ “እሕ . .” በሉ። መንእሰይ ኣይዘንግዐን መን እፈልጥ በዘን ሎሚ ዝሰምዐን የእዛነይ ይመልእ ይኸውን ኢሉ ተጸብዩ ኔሩ ይኸውን፡ ግን ብዙኅ ዝሰምዐ ብምንባሩ ካብ ኣባ ሰራጵዮን ዝወጸት ሓንቲ ቃል እያ ኔራ፡ ኣባ ሰራጵዮን ከም’ቲ ጐይታ ነቲ ሃብታም መንእሰይ ዝበሎ “ሓንቲ ተሪፋትካ” ማር.10፡21 እዮም ኢሎሞ።


ዝተረፎ ወሲዱ ንዘለዎ ክመልእ ባህግን ድሌት ሰብ እኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ካልእ መዓልቲ ነተን ዝተረፍኦ ክወስድ ባህጊ እዚ መንእሰይ ጥርዚ በጽሐ፡ “እሞ ዝተረፈትኒ . . . . እንታይ እያ” ክብል ድማ ሓተቶም።

ኣባ ሰራጵዮን ንዅሉ ኩነታት ሕይወቱ ይኸታተልዎ ብምንባሮም፡ ዝተረፎ ክነግሩ ብዙኅ ኣይተሸገሩን። ብዙኅ መጽሓፍቲ እናዓደገ ኣብ ከብሑ የቀምጦ ብምንባሩ፡ ከም’ዚ ክብሉ መዓድዎ “ወደይ ሕጂ ዝትርፈካ ሕይወት ናይ መበለታትን ዘኽታማትን ወሲድካ ኣብ ከብሕታትካ ምቕማጥ ምግዳፍ ጥራይ እዩ” በልዎ። ነቲ ብብርዒ ሐዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።” ያዕ. 1፡27 ዝበሎን ዘማራይ ዳዊት "ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ እዚአብሔር ከኣ ብመዓልቲ መከራ ኼናግፎ እዩ።" መዝ. 41፡1 ዝበሎን፡ ብምዝካር ድማ ሲሳይ ዕለት ረኺቡ ስጉምቱ ናብ ቤቱ ኣቅንዐ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195