banner

እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ!

ጊዜኡ ምስ በጽሐ መፍቀሬ ሰብ ጐይታ፡ ንደቂ ሰባት ሰላምን ሓጐስን ንኽህብ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። “ኪወርድ እዩ ኪውለድ እዩ ኬድኅነና እዩ” እናተባህለ ዝንገር ዝነበረ ትንቢተ ነቢያት ተፈጸመ። ኣብ ምድሪ ሰላም ተኣወጀ። ግብርናተ ዲያብሎስ ተደምሰሰ፣ ዘመነ ኵነኔ ዓመተ ፍዳ ኣብቂዑ ዓመተ ምሕረት ተኣወጀ። መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዜጥፍእ፡ በረኸት ሥጋን ነፍስን ዝዕድል ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ፡ ብቅዱሳን መላእኽት ንደቂ ሰብ ብሥራት ሰላም ተነግረ።ብመጀመርታ ነቲ ብሥራት ክሰምዑ ዝበቕዑ’ውን ጓሶት ነበሩ። እቲ ዓቢይ ብሥራት ከኣ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብኸምዚ ተገሊጹ ንረኽቦ፥ “ኣብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ተራእዮም። ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ። ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ ‘እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ። . . . ’ በሎም።

ብዙኃት ሠራዊት መላእኽቲ መጺኦም ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ኣምላኽ ዚሕጐሰሎም ሰባት’ እናበሉ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ። . . . ”(ሉቃ. 2፡8- 2018)

እቶም ጓሶት ንብሥራት መልኣኽ ሰሚዖምን ኣሚኖምን ነቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ከይዶም ረኣዩ። እንሆ እቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስኖ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ተሓቝፉ ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተደነቑ። እቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ከኣ ንዅሉ ሰበኹ። ናይ መጀመርታ ሰበኽቲ፡ ናይ እዝንን ዓይንን መሰኻኽር ኮኑ።

ሰብ ጥበብ’ውን ንዘመናት በቲ ፍልስፍናኦም ዝረኸብዎ ተስፋ ድኅሪ ምጽባይ ካብ ሃገር ምሥራቅ ብኮከብ ተመሪሖም “እቲ እተወልደ ንጉሥ ሰላም ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧’’ እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም መጽኡ። ደልዮም ምስ ረኸብዎ፡ በቲ ዝኾነ ነገር ኵሉ እናተደነቑ፡ ኣምላኾም ፈሊጦም ሰጊዶም ገጸ በረኸት ኣቕረቡ።

እምበኣርከስ እቲ ሰማያውያን መላእኽቲ ዘመስገንዎ ጓሶት ዝዘመሩሉ ሰብኣ ሰገል ዝሰገዱሉን ገጸ በረኸት ዝወፈዩሉን ንሱ እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ መድኃኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ ሰላም ኪዕድል፡ ንሓቂ ኺምስክርን ጽድቂ ኺሰብኽን ከምዝኾነ “ ወአንሰ በእንተ ዝንቱ ተወለድኩ ወእንበይነ ዝንቱ መጻእኩ ውስተ ዓለም ከመ እኩን ሰማዕተ በጽድቅ፡ ወኵሉ ዘእምጽድቅ ውእቱ ይሰምዓኒ ቃልየ/ ኣነ ንሓቂ ኺምስክር እየ ዝተወለድኩ፡ ምእንቲዚ’ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፡ ካብ ወገን ሓቂ ዘበለ ዅሉ ከኣ ቃለይ ይሰምዕ እዩ” ይብል። (ዮሓ. 18፡37) እንተኾነ ንቓሉ ዝሰምዕ ኣሎ’ዶ፧

ኣብዚ ዘሎናሉ እዋን መንገዲ ሓቅን ሰላምን ኣዝዩ ጸቢቡ ኣሎ። ብኣንጻሩ መንገዲ ጽልእን ህውከትን ኣዝዩ ገፊሑ ይርከብ ኣሎ። እዚ ግና ገፊሕን ምቹእን መሲሉ ዝረአ፡ መወዳእታኡ ግና ዕንወትን ሞትን ዘስዕብ እዩ። ዝበዝኀ ሰብ ሎሚ ኣብቲ ምግባረ ጽድቅን ሰላምን ዘይርከቦ፡ ህልኽን ሓሶትን ህውከትን ክሕደትን . . . ኣብ ዘለዎ መንገዲ ይጐዓዝ ኣሎ።

ስለዚ ብልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰላምን ብርሃንን ምእንቲ ኽንሳተፍ፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና፡ ብንስሓ ተሓጺብና፡ ነሓድሕድና ይቕረ ተበሃሊልና፡ . . . ብመንገዲ ጽድቂ ናብኡ ንመለስ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195