banner

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም.ግ.

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም.ግ.

ናይ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም. (2018 ዓ.ም.ፈ.) ንቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘመኃላለፍዎ ቃለ ቡራኬ ብሓፂሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም፦
“ ኦ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከብ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ሆስፒታላት ዘለኹም፡ ኣብ ሓለዋ ሃገር ትርከቡ ኃይልታት ምክልኻል፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሥድራ እግዚኣብሔር እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና!


እነሆ ከምቲ ጽሑፍና ‘እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ ኣበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ። . . . ’ ዝበሎ፡ ናብዚ ቅዱሳን መላእኽትን ደቂ ሰብን ኃቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት ዘብጽሓና ንልዑል ኣምላኽና ኽብርን ምስጋናን ይኹኖ።

እዚ ዕለት እዚ ነቲ ብልደቱ ሰላምን ብርሃንን ሓጐስን ምሕረትን ዝሃበና ልዑል እግዚአብሔር ነመስግነሉ፡ ንሽጉራት ወገናትና ንረድኣሉ በዓል እዩ። ነዚ በዓለ ልደቱ ኣኽበርና ደቂ ኣምላኽ ክንበሃል እንተኾይና ትእዛዛቱ እንተፈጺምና ኢና። ንዘድልዮም ካብ ዘለና ኣማቒልና በዓልና እንተ ኣብዒልና ዓስቢ ኣሎና። . . .

‘’ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ/ እቲ ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ’’ (ኢሳ. 9፥2) ከምዝብል ልዑል እግዚአብሔር ንኣቦና ኣዳም ብዝሃቦ ተስፋ መሠረት ድኅሪ 5500 ዓመት ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደልና። ብልደቱ ድማ ሕይወት ረኸብና።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ጐደና ዳግመ ሥርርዕን ምዕባለን ከም ምህላዋ መሠረት፡ ናይ ሎሚ ዘመን በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም.ግ. (2018 ዓ.ም.ፈ.) ፍሉይ ዝገብሮ፡ ንነዊሕ ዓመት ክንምነዮ ዝጸናሕና ኣብ መሥርሕ ሕንፀት ዝጸንሐ ‘’መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ’’ ተወዲኡ ሥሩዕ ትምህርቱ ምጅማሩ፡ ከምኡ’ውን ‘ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና’’ ምምሥራቱ . . . ወዘይመስሎ ።

እምበኣር ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከብ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ደጊምና እዚ በዓለ ልደት’ዚ ናይ በረኸትን ረድኤትን ፍቕርን ሰላምን ይግበረልካ ንብል።”

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195