banner

ብክፍሊ ዳታ ቤጽን ስታትስቲክስን ኣብ ሃገረ ስብከት ሰ/ቀ/ባሕሪ ባጽዕ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ብጸሓፊ ክፍሊ ዳታ ቤዝን ስታትስቲክስን ዲያቆን ዳዊት ንጉሠ ኣብ ሃገረ ስብከት ሰ/ቀ/ባሕሪ ባጽዕ ብዕለት 12 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ግ. (21/1/2018ዓ.ም.ፈ) ን8ተ (ሸሞንተ) ኣባላት ሰራሕተኛታት ሃገረ ስብከት ብዛዕባ ሥርዓተ ሓበሬታ (ዳታ ቤዝ) ኣገልገልቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ንምምሕዳራዊን ፋይናንሳውን መንፈሳውን መደባት ሥራሕ ሃገረ ስብከት ከገልግል ተባሂሉ ዝተዳለወ ሥርዓተ ሓበሬታ (ዳታ ቤዝ) ዝምልከት ሥልጠና ተዋሂቡ። ኣብዚ ኣብ ከተማ ባጽዕ ቤ/ጽ ሃገረ ስብከት ዝተገብረ ስልጠና ፡ ሰልጠንቲ


1ይ፦ ዘመናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብኮምፒተር ተሓጊዞም ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከቶም ዝርከባ አብያተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ መነኮሳት ካህናት መምህራንን ዲያቆናትን ፡ ከምኡ’ውን ፋይናንሳዊ ምንቅስቃስን ቁጽጽርን፡ ምሕደራ ሠራሕተኛታትን ንብረትን ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ጥምቀትን ቃል ኪዳንን ፡ ካልእን ኵሉ ንጥፈታት ምሉእ ሓበሬታ ከመይ ጌሮም ከምዝእክቡ፡
2ይ፦ ምምስራሕ ሓበሬታ
3ይ፦ ኣጠቃቅማ ሓበሬታ
ካልእን ዘጠቃለለ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ መዛዘሚ እቲ መደብ ሰልጠንቲ እዚ ዝተወሃበ ስልጠና ሃልኪ ጊዜን ገንዘብን ዘወግድን፡ ብዝቀልጠፈ ጊዜ ጽፉፍ ስሉጥን ኣገልግሎትን ትህብ ዘኽእል ብምኻኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ምሕደርኣ ተርእዮ ዘላ ምዕባለን ትንሣኤን ዝገልጽ ምኻኑን ኣብ ቀጻሊ መደብ ተታሒዝሉ ብሰፊሑ ክወሃቦም ተላብዮም። እዚ ክፍሊ’ዚ ንሠራሕተኛታት ሃገረ ስብከት ሰ/ቀ/ባሕሪ መቐጸልታ ስልጠና ክህብ መደቡ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195