banner

ሓዲሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ባረክናሃ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ!

ሓዲሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ባረክናሃ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ!

ሰንበት 27 ጥሪ 2010 ዓ.ም. (4 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቀይሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰርሓ ሓዲሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ብስም መካነ ገነት ቅድስት ድንግል ማርያም ባረክናሃ ተመሪቑ። ነዚ ሥርዓተ ቡራኬ ንምሃብ ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ፡ ብፁዕ አቡነ አትናቴዎስን ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስን ክርከቡ ከለዉ አበምኔት ገዳማትን መነኮሳትን፡ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ናይቲ በረኸት ተሳተፍቲ ኮይኖም።


ኣብ ሥርዓተ ቡራኬ ቤተ ክርስቲያን መካነ ገነት ድንግል ማርያም ባረክናሃ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንት መምህራን ካብ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ ክሳዕ 5፡30 ድ.ቀ ሥርዓተ ዋዜማ ኣብጺሖም። ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ድማ ስቡሕ ኢሎም ሥርዓተ ማኅሌት ጀሚሮም፡ ሰዓት 4፡30 ቅ.ቀ ተአምረ ማርያም ድኅሪ ምንባብ ሥርዐተ ቅዳሴ ካብ ሰዓት 5፡00 ቅ.ቀ ክሳዕ 7፡00 ቅ.ቀ ድኅሪ ምፍጻም መደብ ናብ ዑደተ ታቦት ኣምሪሑ። ሊቃውንቲ መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ብሊቀ ካህናት መልአከ ፀሐይ ቀሲስ ተስፋዓለም ንዕለቱ ዝምልከት ትምህርቲ ተዋሂቡ። ኣብ ስብከቶም፡ ‘ስመ እግዚአብሔር ዝተጻሕፎ ጽላትን መኅደሪኡ ታቦትን ካብ ዘመነ ኦሪት ካብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጸ ኮይኑ፡ ከምቲ እግዚአብሔር ንሕልናን ቅንኣትን ቅዱስ ዳዊት ብወዱ ሰሎሞን ዝፈጸሞ እሞ ካብ ድንኳን ናብ ቤተ መቅደስ ዘሰጋገሮ፡ ከምኡ ድማ ነዚ ፍጻሜ ንምርኣይ ላዕልን ታሕትን ክትብሉ ዝጸናሕኹም ኵላትኩም ሕዝበ ክርስቲያንን ተወለድቲ ዓድን ገበርቲ ሠናይን ነዛ ቤተ ክርስቲያን ጀሚርኩም ኽትፍጽሙን ክውን ኮይኑ ክትርእዩን ዘኽኣለኩም ኵሉ ዝከኣሎን ኣብ ጊዜኡን ዝፍጽምን ልዑል እግዚአብሔር ናይ ባህርይ ምስጋና ይብጽሓዮ፣ ብጸሎታን ቃል ኪዳናን ዘይተፈለየትና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ናይ ጸጋ ምስጋና ይብጽሓያ” ብምባል ቃል ኣስሚዖም።

ቀጺሎም ንምሕናፅ እዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ልዑል ምዋሓድ ከካይዱ ዝጸንሑ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቂርሎስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝፍጸመላ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል እንረኽበላ ምስ ሰማያዊ ዓለም እተራኽብ ቤት ምሕናፅ ዓስቢ ከም ዘውህብ ድኅሪ ምግላጽ እዚ ዕዮ’ዚ ኣብ ፍጻሜ ዝበጽሐ ብሓገዝ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝቕመጡ ደቂ ዓድን ምትሕብባር ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቀይሕን ንኡስ ሃገረ ስብከታት ጾሮና፡ ማይ-ዓይኒ፡ ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ዓዲ-ቀይሕ፡ ሰንዓፈን ሰርሓን ምዃኑ፣ ኸምኡ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ናይተን ንኡሳን ሃገረ ስብከት ዓቕመን ዝፈቕዶ ሓገዛት ብምግባረን ምስጋናኦም ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሥርዐተ ቡራኬን ምረቓን ቤተ ክርስቲያን ‘ሰላመ አብ፡ ብምባል ብቡራኬን ጸሎትን ብፁዓን ጳጳሳት ተፈጺሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195