banner

ቅዱሳን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ቅዱሳን ኣስፊሑ ነጊሩና እዩ። ንቕዱሳን ምቕባል ከምዝግባእ “ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ንእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወዲ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ. 10፡41-42) ይብል። ከምኡ’ውን ቅዱሳን ተኣምራት ከምዝገብሩ “እቲ ብኣይ ዝኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓቢ’ውን ከም ዚገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣቦ ብወልድ ምእንቲ ኪኸብርሲ ብስመይ ዝለመንክምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ዝኾነ ነገር እንተለመንኩም’ውን ክገብረልኩም እየ” (ዮሐ. 14፡14) ይብለና።

ኣቦታትና ነቢያት እግዚአብሔር ወልድ “ክውለድ እዩ” እናበሉ ትንቢታቶም ነገሩና። ኣቦታትና ወንጌላውያን ሓዋርያት ድማ “ተወሊዱ፡ ተጠሚቑ፡ ሞይቱ፡ ተንሢኡ፡ ዓሪጉ፡ ዳግማይ ድማ ንፍርዲ ኪመጽእ እዩ” እናበሉ ብሥራቱ ነገሩና። ነቢያት ትንቢት እንተ ተዛረቡ ብመጠን እግዚአብሔር ዝነገሮም እዩ። ወንጌላውያንን ሓዋርያትን ካብ ልደቱ ክሳዕ ዕርገቱ ዘሎ እንተ ነገሩና ብኣዒንቶም ዝረኣይዎ ብኣእዳዎም ዝዳኅሠሥዎን ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ዝመሃሮምን እዩ። ምግላጽ እግዚአብሔር ብጊዜ ኪደት ደው ዝብል ስለዘይኮነ ንቅዱሳን ሊቃውንትን ሰማዕታትን ጻድቃንን ኣብ ኵሉ ዘመን ሕይወቶም ይግለጸሎም ነይሩ። ሕጂ’ውን ንቅዱሳኑ ይግለጸሎም ኣሎ፣ ክሳዕ ምጽኣት’ውን እናተገልጸሎም ኪነብር እዩ።

ኣብ መወዳእታ ዘመን ሕይወቶም ኣብ ዕለተ ዕረፍቶም ነዛ ዓለም ክሰናበቱ ከለው ቃል ኪዳን ይህቦም እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዝነበሩ ቅዱሳን ከምዚ እናበለ ቃል ኪዳን ሂብዎም እዩ፥
• “እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም ብድኅሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቐውም ኣለኹ። ምስቲ ምሳኻትኩም ዝነበረ ዅሉ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ኣዕዋፍ ኵሉ ኣራዊት መሮር ምስቲ ምሳኻትኩም ካብ መርከብ ዝወፀ ዅሉ፡ ምስ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡር ኪዳነይ አቐውም ኣለኹ። . . . እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኺኸውን እዩ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዚነብር ሕይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለዓለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኺዝክር ክርእዮ እየ” በሎም (ዘፍ. 9፡8-16)
• “ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰማይ ዓቢይን እትፍራህን ኣምላኽ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዛትካን ንዚሕልውን ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ . . .” (ነህ. 1፡5)
• “ኦ እግዚኣብሔር! ንስኻ ንዝፈትውኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ኪዳንካ እተጽንዕ ምሕረትካ’ውን እትገልጽ ዓቢይን ክቡርን ኣምላኽ ኢኻ” (ዳን. 9፡4)
• “እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፡ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልውን ክሳብ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር ኪዳን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ። . . . ክፈትወኩምን ኪባርኸኩም ኬብዝኃኩምን ከኣ እዩ፡ ኣብታ ንኣኻትኩም ክህበኩም ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ ፍረ ኸርሥኹምን ፍረ ምድርኹምን ሥርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ኣባትይ ኣሓኹምን ዕያውቲ ኣባዕጊዕኹምን ክባርኸልኩም እዩ።” (ዘዳ. 7፡9-13)
• “ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፦ ‘ኦ እግዚኣብሔር ስለምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓቢይ ኃይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውፃእካዮ ሕዝብኻ ዚነድድ፧ . . . ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኆ እየ። ነታ ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከኣ ንዘለዓለም ኪርስተይዋ እዮም ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያዕቆብን ባሮትካ ዘክር።’ እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ንሕዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰሉ።” (ዘፀ. 32፡11-14)
• . . .

እዞም ዝተጠቕሱ እግዚኣብሔር ትማሊ ምስ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ከም ዝነበረን ብቓል ኪዳኑ ድማ ንትውልዶም ከምዝሓለወ የረድኡና። ናይ ኣብርሃም ይስሓቅ ያዕቆብ ኣምላኽ ክሳዕ ዘለዓለም ኣብ ቃል ኪዳኑ ጸኒዑ ከምዝነብር ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከረጋግጸልና ከሎ፥ “... ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሓቅ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ’ ዝተባህለልኩም’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን” (ማቴ. 22፡30-32) ይብል።

እግዚኣብሔር ምስቶም ኣብ ኵሉ ዘመኖም ብሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ንዝጸንዑ ንበዓል ኣብርሃም ዝመሰሉ ኣቦታትን ኣደታትን ቃል ኪዳኑ ከም ዘጽንዕ እሙን እዩ። “ምስ ኅሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፡ . . . ነቲ ምስኡ ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣየፍርሶን ነቲ ዝተዛረብክዎ ድማ ኣይልውጦን እየ።” (መዝ. 89፡3,34) ከም ዝብል ቅዱስ ቃሉ ኣብ ዳኅራይ ዘመን ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ. 28፡20) “ንኣኻትኩም ዝቕበል ንኣይ ይቕበል” (ማቴ. 10፡40) ዝብል ጽኑዕ ቃል ኪዳን ዝሃቦም ነቶም ዝኃረዮም ቅዱሳን እዩ።

በዚ መሠረት ከምቲ ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዝመሃረና ወትሩ ንቕዱሳን ንዝክሮምን ነኽብሮምን።
• “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵሉ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ. 26፡13)
• “ንነቢይ ብስም ነቢይ ዚቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፡ እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ንእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወዲ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ።” (ማቴ. 10፡41-42)
• “ሰናብተይ እንተ ደኣ ሓሊኻ ንኣይ ዜሐጕስ እንተ ደኣ ኃሪኻ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደንበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ስም ክህቦም እየ፡ እወ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካ እየ።” (ኢሳ. 56፡4-5)
• . . . ወዘይመስሎ

ንቅዱሳን ምኽባር በረኸት ስለዘውህብ ነኽብሮም ኢና። እግዚኣብሔር ንኣብርሃም “ንዚባረኹኻ ኽባርኾም ንዚረግመካ ድማ ኽረግሞ እየ” (ዘፍ. 12፡2) ከምዝብል። ብኣንጻሩ ንቅዱሳን ምንቃፍ ዘርግም ምዃኑ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ “ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ እዩ ዚሰምዕ፡ እቲ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ እዩ ይንዕቕ።” (ሉቃ. 10፡16) ብምባል ይምህረና።

ስለዚ ኵሉ እዚ ብዛዕባ ቅዱሳን ዝተጠቕሰ ቃል እግዚአብሔር እዩ። እቲ ንእግዚአብሔር ዘፍቅሮ ቃሉ የኽብሮ፡ ትእዛዙ’ውን ይፍጽሞ። ምኽንያቱ፥ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም።” (ዮሐ. 14፡15)፣ “እቲ ዜፍቅረኒ ቃለይ ኪሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ከኣ ኬፍቅሮ እዩ፡ ናብኡ መጺእና ድማ ኣብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ።” (ዮሐ. 14፡23-24)፣ “እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና እታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ምልኣት ትረክብ። ኣብ ኣምላኽ ከምዘሎና በዚ ኢና ንፈልጥ” (1ይ ዮሐ. 2፡5) ከምዝብል።

ብመሠረት ቃሉ ንቕዱሳን ኣኽቢርና ኣብ ሰማያዊት መንግሥቱ ብየማኑ ክንኸብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195