banner

ናይ ሎሚ ዓመት 2010 ዓ.ም.ግ. (2018 ዓ.ም.ፈ.) ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም!

ዓመታዊ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቶያን ኤርትራ ተማእኪሉን ተወዲቡን ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሎሚ ዓመት’ውን ነጋድያን በብሃገረ ስብከቶም ምዝገባን ዕጫን ከምኡ’ውን ቕጥዕታት ምምላእን ገንዘብ ምኽፋልን ምስ ገበሩ ብዕለተ ቀዳም 01 መጋቢት 2010 ዓ.ም. (10/03/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ኣኼባ ተገይርሎም።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነጋድያን መንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ኪረኽቡ ብምትሕግጋዝን ብፍቕርን ክጓዓዙ፣ ኣብ ኣካይድኦም ክጥንቀቑን ኣተሓሳሲቦም።

ንነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ናይ መወዳእታ መምርሒን ሓበሬታን ንምሃብ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ንዕለተ ሰኑይ 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም. (02/04/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክካየድ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ሓቢሩ።

ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቶያን ኤርትራ ተማእኪሉን ተወዲቡን ሎሚ ዓመት ንመበል ታሽዓይ ጊዜኡ ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳዕ 10 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ግ. (4-18/04/2018 ዓ.ም.ፈ.) ንኽልተ ቅነ ዝካየድ ንግደት ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ልዕሊ 600 ነጋድያን ይሳተፉ ኣለዉ።

+   +   +

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195