banner

ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዝተረኽበ ቅዱስ መስቀል፡ በዓሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዝተረኽበ ቅዱስ መስቀል፡ በዓሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ክቡር መስቀል፡ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዕለት 10 መጋቢት ተረኺቡ እዩ።

ብቅንእን ክፍኣትን ዝተላዕሉ ኣይሁድ ስመ ዝኽሩ ንኸይለዓል ኣብ ጎልጎታ ዓሚቝ ጕድጓድ ኵዒቶም ብምቕባር ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት 300 ዓመት ደፊኖሞ ነበሩ።

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ዘመን ግና ኣደ ንጉሥ ዝኾነት ንግሥት እሌኒ ብሓበሬታ ኣረጋዊ ኪራኮስን ምልክት ዕጣንን ካብቲ ተቐቢርሉ ዝነበረ ጎቦ 17 መስከረም ኵዕታ ተጀሚሩ 10 መጋቢት ከም ዝርከብ ገበረት። ኣብዚ ቦታ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕኒፃ ድማ ብኽብሪ ኣብኡ ኣቐመጠቶ። እዚ ቀዳማይ ተረክቦተ መስቀል እዩ።

እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ዝተፈጸመ እዩ።

ካብዚ ንግሥት እሌኒ ዝሓነፀቶ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓደ ካብ መኳንንቲ ፋርስ ናብ ሃገሩ ወሰዶ። ንጉሥ ሕርቃል ድማ ብጸሎት ምእመናን ተሓጊዙ ንፋርስ ወሪሩ ነዚ ክቡር መስቀል ደለዮ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዕለት 10 መጋቢት ብሓበሬታ ናይ ሓንቲ ጓል ካህን ኣብቲ መኰንን ዝሓብኦ ቦታ ረኸቦ እሞ ኂዝዎ ንቍስጥንጥንያ ከደ።
በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ዓመት መጽአ 10 መጋቢት ብልዑል ድምቀት ተኽብሮ።

ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ገዳም ቅዱስ መስቀል ጉና ጉና ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ገዳማውያንን ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ።

ንኽብሪ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡ ዝቘረሰሉን ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉን መስቀል፡ ዕለት 9 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ሥርዓተ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ብዕለት 10 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ድማ ገዳማውያንን ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ምሉእ ለይቲ ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን ከብጽሑ ከለዉ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኽምህለሉ ኃዲሮም።

ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ቅድስናን ተኣምራታውነትን ክብር መስቀል ምስ ተነበ፡ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ. ታቦት ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ ብሊቃውንት መዘምራን ተሰንዩ ዑደት ኣካይዱ። ነቲ ዕለት ዝገልጽ ያሬዳዊ ለዘብን ሽብሸቦን ብሊቃውንት ምስ ቀረበ፡ ብሰባኬ ወንጌል ናይቲ ደብሪ ትምህርቲ ተዋሂቡ። 

ብጸሎተ ምህላ ተሰንዩ ታቦት ብክብሪ ኣብ መንበሩ ምስ ተቐመጠ፡ መእሰርን መዕረጊ ጸሎትን ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ ኵሉ ተሳታፊ በዓል በረኸት ቅዱስ መስቀል ተኻፊሉ ነናብ ቦታ ተመልሰ። በዚ ኸኣ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።

ገዳም ቅዱስ መስቀል ጉናጉና ብጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ዝተገደመ ጥንታዊ ገዳም እዩ።

በረከተ ቅዱስ መስቀል ምስ ኵልና ይኹን ንዘለዓለም ፡ አሜን!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195