banner

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ሥልጠና ተዋሂቡ!

ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ናተን ኣብዚ ሃገረ ስብከት’ዚ ዝጥርነፋ ሾብዓተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ብምኻድ ኣብ ነፍስ ወከፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘለዉ ልዕሊ 60 ውሉደ ክህነትን ኣገልገልትን ካብ ዕለት 19 የካቲት 2018 ዝጀመረ ወርኅን ሠለስተ ሰሙንን ዝወሰደ ሥልጠና ተዋሂቡ።


ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌል ንዅሎም ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከትን ውሉደ ክህነትን ኣብ ዝተዋህበ ሥልጠና ብዛዕባ ምስፋሕን ምጽናዕን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጕስነት ካህናትን ከምኡ’ውን ኣብ ሥርዓተ ጥምቀትን ኣባልገን፡ ሥርዓተ ቃል ኪዳን፡ ዝክር፡ . . . ካልእን ብሓፈሻ ሾሞንተ ነጥብታት ዝኃዘ ትምህርቲ ዘጠቓልል ነይሩ።

ንዅሎም ኣቦ መንበራትን ተኃዝቲ መዛግብትን ገንዘብን ተቈጻጸርትን ድማ ብኽፍሊ ፋይናንስ ብዛዕባ ኣተኃኅዛ ገንዘብን ንብረትን ውሕሉል ኣጠቓቕማን ኣተኃኅዛን ናይ ሞዴላትን መዛግብትን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።
ብንቕሓት ዝተሳተፉ ሠልጠንቲ፡ በዚ ዝተዋህበ ሥልጠና ድኅሪ ምምስጋን ከምዚ ዓይነት ሥልጠና ክቕጽል ተማኅጺኖም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195