
ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ!
ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ናይ ቀዳማይ ዓመት ካልኣይ ዕብረ (ካልኣይ ሰሚስተር) ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።
እዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ’ዚ ብናይ ዲግርን ዲፕሎምን መደባት ትምህርቲ ፡ ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳዕ 23 ጥር 2010 ዓ.ም. (02 ነሐሴ 2017 ዓ.ም.ፈ. ክሳዕ 31 ጥር 2018 ዓ.ም.ፈ.) ሥሩዕ ናይ ቀዳማይ ዓመት ቀዳማይ ክፍለ ጊዜ ትምህርቲ ከም ዘቃንዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዕለት 19 የካቲት 2010 ዓ.ም. ሥሩዕ ምዝገባ ድኅሪ ምክያድ ብዕለት 26 የካቲት ናይ ካልኣይ እብረ ትምህርቲ ከም ዝጀመረ ዲን ናይ’ቲ ኮሌጅ ኣባ ሲላስ ሓቢሮም።
እዞም ካብ ገዳማትን ኣህጉረ ስብከታትን መጺኦም ዝመሃሩ ዘለዉ መነኮሳትን ቀሳውስትን ዲያቆናትን ናይ ቀዳማይ ዓመት ቀዳማይ ክፍለ ጊዜ ትምህርቶም ብልዑል መንፈሳዊ ባህጊ ኣብ ርእሲ ምዝዛሞም፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ሐዋርያዊ ጕስነትን ርድኢቶም እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ከተማ ኣሥመራ ዝተደኮነ መንፈሳዊ ኮሌጅ’ዚ ኣብ ሃገርና ናይ መጀመርያ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንፈሳዊ ኮሌጅ እዩ።