banner

ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ተኸቢሩ!

ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ተኸቢሩ!

ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ሃገርና ዝኾኑ ኣቡነ ዮናስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ገዳማት መሥሪቱ፡ ካብ ኣምላኹ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ17 መጋቢት 1499 ዓ.ም ብሰላም ዓረፈ። ዓመት መጽአ 17 መጋቢት ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ብፍሉይ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ትምዛእ ኣብ ዝርከብ ገዳም ደብረ ጽጌ ይኽበር።


ሎሚ ዓመት’ውን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ኣበምኔት ገዳማት፡ ገዳማውያን፡ ሊቃውንት መምህራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ናይ በረኸቶም ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ንኽብሪ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን በጺሑ። ኣብ ወጋሕታ ድማ መጽሓፈ ገድሊ ኣቡነ ዮናስ ተነቢቡ።

ድኅሪ ቀትሪ ክሳዕ ሰዓት 2፡30 ድ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ዑደተ ታቦት ተቓንዐ። ታቦት ካብ ላዕላይ ቤተ ክርስቲያን ብለባስያን ውሉደ ክህነትን ሊቃውንትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ። ብድኅር’ዚ ናብ ታሕቲ እንዳ ኣዴታት ወሪዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ብሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ዜማ ቀሪቡ። ስብከተ ወንጌል ምስ ገድለ ኣቡነ ዮናስ ብምትእስሳር ምስ ተዋህበ፡ ብጸሎተ ምህላን ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195