banner

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2010 ዓ.ም. ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬ ሂቡ!

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2010 ዓ.ም. ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬ ሂቡ! 

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2010 ዓ.ም. ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬኡ ሂቡ። ኣብ መልእኽቱ፥ ንዅልኹም ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዘለኹም፡ ኣብ ሆስፒታልን ማየ ጸሎትን ቤተ ማእሰርትን ዘለኹም ብሓፈሻ ንኵልኹም ሕዝበ እግዚአብሔር እንቛዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ 2010 ዓ.ም. (2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ብምባል በዓል ሓጐስን ፍስሓን ክገብረልና ሠናይ ትምኒቱ ገሊጹ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ስቓይን መከራን ተቐቢሉ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብደም መስቀሉ ሰላም ገበረ። ‘’ወገብረ ሰላመ በመስቀሉ ለዘበሰማይ ወለዘበምድር’ ቈላ. 1፡20 ከምዝብል ብደም መስቀሉ ሰላም ምስ ገበረ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ምስ ገዛእ ርእሱ ኣተዓረቖ። 

ዽኅሪ ስቕለቱ ድማ ኣብ ከርሠ መቓብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኃዲሩ ብገዛእ ሥልጣኑ ብዓቢይ ኃይል ተንሥአ። ንኣና ትንሣኤ ሕይወት ሃበና። እምበኣር እዚ ዕለት’ዚ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ውርደት ናብ ክብሪ፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ ክቡር ዕለት እዩ። . . . ” ብምባል መንፈሳዊ ክብሪ ናይ በዓለ ትንሣኤ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ንሕዝቢ ኣብ ዘመኃላለፎ መልእኽቲ፥ “ከምቲ ሕዝቢ እስራኤል ገንሸል ሓሪዶም ፋሲካ ኣኽቢሮም፡ ካብ መግዛእቲ ፈርዖን ናፃ ወፂኦም ሃገሮም ዝረኸቡ፣ ንሕና ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ብኃይሊ ኣምላኽን ብናይ ሓድነት ደም ስውኣትን ናፅነት ተጐናጺፍና ኢና። ዳግማይ ብርሃን ትንሣኤ ናጽነት ሃገርና ረኺብና ኢና። እንሆ ድማ መበል 28 ናጽነትና ሃገርና ከነኽብር ኢና እሞ ነዛ ብደም ስውኣት ዝተረኽበት ሃገርና ኵልና ኤርትራውያን ብሓድነት ከነጽንዓን ናብ መንእሰይ ወለዶ ደቅና ከነመኃላልፋን፣ ሃይማኖታዊ በዓልና ድማ ከይተፈላለና ብፍቕርን ሓድነትን ምትሕግጋዝን እናብዓልና ብኽብሪ ክንሕልዋ ይግባእ። 

ነዚ በዓለ ትንሣኤ ከነብዕል ከሎና’ውን ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍና ዝብሎን ኣቦታትና ክገብርዎ ዝጸንሑን ተሓባቢርካ ብዘይ ምፍልላይ ምብዓል፣ ከምኡ’ውን ንጽጉማት፡ ዘኽታማት ደቂ ስውኣት፡ ረዳኢ ዘይብሎም ኣረጋውያን ድዉያንን ብምርዳእ ከነብዕሎ ይግብኣና። . . . ” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ “ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” እናበለት ቤተ ክርስቲያንና እትጽልዮ፡ ኣምላከ ሰላም መድኃኔ ዓለም ብርሃኑን ሰላሙን ይሃበና። እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ፡ ርሑስ በዓል ይግበረልና።” ብምባል ቃለ ቡራኬኡ ሂቡ።                                                                    

                                                      

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195