banner

ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብጽቡቕ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብጽቡቕ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብንቑሕ ሕልናን ብሕጕስ መንፈስን ዑደቶም የቃንዑ ኣለዉ። ኣብዚ ሎሚ ዓመት ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳዕ 10 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም. ( 4-18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ ) ዝሳተፉ ዘለዉ ብፁዓን ጳጳሳትን መነኮሳትን ካህናትን ምእመናንን ምእመናትን ብሓፈሻ ልዕሊ 600 ዝኾኑ ነጋድያን ኣብ ጉጅለታት ተመዲቦም ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ምዉቅ ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣብ ዝተዳለወሎም መዕረፊ ቤት ተጠርኒፎም።

ብመራሕቲ ጉጅለታት እናተኣልዩን ብብፁዓን ጳጳሳት እናተመርሑን ካብ በረኸት ሰሙነ ሕማማት ተሳቲፎም። ዕለተ ኃሙስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ እቶም ዝተዳለዉ ቈራብያን ሥጋኡን ደሙን ተቐቢሎም። ቀጺሎም’ውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ኽብሪ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ኣኅሊፎም ኣብ በዓለ ትንሣኤ ብውዳሴን ቅዳሴን ናይቲ ዕለት ብርሃን ትንሣኤ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ብመሠረት መርሐ ግብር ኣብ በዓላት ብሕጕስ መንፈስ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ከምኡ’ውን ኣብ ቅዱሳት መካናት ብጽቡቕ ኵነታት ዑደቶም የቃንዑ ከምዝርክርቡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195