banner

ክብረ በዓል ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ!

ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ክሳዕ 3ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝፍለጡ መስተጋድላን ብቀዳምነት ዝጥቀስ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ’ዩ። 23 ሚያዝያ ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቃል ኪዳን ዝተቐበለሉ፡ ብሰይፍ ተቈሪጹ ሰማዕትነት ዝፈጸመሉ፡ ዓስቢ ተጋድሎኡ ሾብዓተ ኣክሊላተ ክብር ዝወረደሉ ዕለት ብምዃኑ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ካብ በረኸቱ ንምስታፍ ኣብቶም ብስሙ ዝጽውዑ ኣብያተ ክርስቲያን ተረኺብና ጸሎትናን ምህላናን ምስጋናን ውዳሴናን ነብጽሕ። ንጻድቕ ብስም ጻድቅ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቅ ስለዝረክብ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ ዝክረ በዓሉ ተኽብር።


ሎሚ ዓመት 2010 ዓ.ም. ብፍላይ ኣብ ደብረ ጽጌ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን (ዓዲ ኣበይቶ) ኵሎም ብቃል ኪዳን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝሕበኑ ካብ ቀረባን ርሑቅን ዝመጹ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ካብ 12፡00 ድ.ቀ. ክሳዕ 5፡30 ድ.ቀ. ሥነ ሥርዓት ዋዜማ ምስ በጽሐ፡ ካብ 9፡00 ድ.ቀ. ምሸት ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ. ወጋሕታ ድማ ስብሐታተ ማኅሌት ቀሪቡ። ካብ 6፡00 ቅ.ቀ ንግሆ ክሳዕ 9፡00 ቅ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ፡ ታቦት ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ። ብድኅር’ዚ ሊቃውንት “ከመ ሐሊብ ዘዕጐልት ወከመ ወይን ዘገነት ይጥዕም ስምከ ጊዮርጊስ ሰማዕት” ዝብል ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ድማ “ኣምላከ ቅዱሳን መሓረና” እናበሉ ዘሚሮም።

  ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከተ ወንጌል፥ ““ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመሕያው፣ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት ወቀጥቀጠ መናሥግተ ሐፂን/ ንእግዚአብሔር ስለቲ ምሕረቱን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ኬመስግንዎ ይግባእ እዩ። ንሱ መዓጹ ኣስራዚ ዚሰብር መሸጐር ሓፂን ዚሰባብር እዩ።” (መዝ. 106፡15) ብዝብል ኣርእስቲ ብመሪጌታ ፍሥሐጽዮን ተዋሂቡ። ነቲ ኣብ ዘመነ ኦሪት ዝፍራሕ ዝነበረ መከራ ሥጋን ወሪደ መቃብር ሞትን፡ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ብሞቱ ሙስና መቃብር ኣጥፊኡ ሞይትና ክብሪ እንረኽበሉ ጸጋ ሃበና። ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ተስፋ ብምግባር ንሰማዕትነት ክንቀዳደም ገበረና። ሰማዕትነት ማለት ከኣ ከምቲ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ ‘አማን መነኑ ሰማዕት ጣዕመ ለዛ ዓለም ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር ወተዐገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ስለ እግዚአብሔር መንግሥተ ሰማያት ንኽወርሱ ሰማዕታት ትምኒት ናይዛ ዓለም ንዒቖም ደሞም ኣፍሰሱን መሪር ሞት ተዓገሡን’ ዝበሎ እዩ።፡ ንሕና’ውን ኣብ እምነትና ጸኒዕና ብፍቕሪ ሠሚርና ዓስቢ ሰማዕትነት ኽንቅበል ይግባእ።” ብምባል ኣስፊሖም ምሂሮም።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ኣብ ልምዓት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዘሎ ንጥፈታትን ወፈያታትን ድኅሪ ምጥቃስ ነቶም ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ፍሉይ ህያብ ካብ ሰባኻ ጉባኤ ቐሪብሎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ምህላ ምስ ተገብረ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ነቢሩ። በዚ ኸኣ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195