banner

ካብ ተኣምራት ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ!

ካብ ተኣምራት ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ!

ቅዱሳን ናይ እግዚአብሔር ግብርን ተኣምራትን መግለጺ እዮም። ምንጪ ቅድስናኦም ንሱ እዩ። ሓደ ካብዞም ዘሥመርዎ ቅዱሳን፡ በቲ ዝሃቦ ጸጋ’ውን ብቅድስናኡን ተኣምራቱን ፍሉጥ ዝኾነ ጻድቕ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ እዩ። ብእግዚአብሔር ዝተገብረሉ ተኣምራትን ባዕሉ ዝገበሮ ተኣምራትን ኣብ መጽሐፈ ገድሉ ተጠቂሱ ኣሎ። ካብ በረኸቱ ንምስታፍ ሓደ ካብ ተአምሩ ኣስዒብና ኽንጠቅስ ኢና።

ወአሐተ ዕለተ እንዘ የሐውር ፍኖተ ረከበ ብእሲተ ዘአዕረቅዋ ፈያት። ወሶበ ርእያ ደንገፀ ወይቤላ “ሰብእኑ አንቲ ወሚመ ሰይጣን” ወዓተበ ገጾ በትእምርተ መስቀል ወይእቲኒ ዓተበት ገጻ በትእምርተ መስቀል ወትቤሎ “ኦ አቡየ ኢትኅድገኒ በእንተ አምላክከ እስመ ክርስቲያናዊት አነ ወፈያት ነሥኡኑ ልብስየ።”


ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ እናኸደ ከሎ፡ ሸፋቱ ዕርቃና ዘውፅእዋ ሰበይቲ ረኸበ። ምስ ረኣያ ሰንቢዱ ገጹ ብትምእርተ መስቀል ኣማዕተበ፡ “ኣንቲ ሰብ ዲኺ ዋላስ ሰይጣን፧” በላ። ንሳ ድማ ንገጻ ብትምእርተ መስቀል ዓቲባ፡ “ኣቦየ፡ ኣነ ክርስቲያናዊት እየ’ሞ ስለ ኣምላኽካ ኢልካ ኣይትግደፈኒ፡ ክዳውንተይ ሸፋቱ እዮም ወሲዶምለይ” በለቶ።

ወይቤላ “ሚጢ ገጸኪ” ። ወሖረ ሶቤሃ በድኅሪት ወወገረ ላቲ ዓፅፎ። ወሖረ ወትቤሎ “እግዚአብሔር ይክድንከ ልብሰ ጸጋ ወይእተ ጊዜ ወሃቦ እግዚአብሔር ልብሰ ሠናየ፡ ወይቤሎ እግዚአብሔር “ኢትኅልቅ ዛቲ ልብስከ እስከ ዕለተ ሞትከ።”

ንሱ ድማ “ገጽኪ ምለሲ” ኢሉ ናይ ድኅሪት እናኸድ ነጻላኡ ደርብዩላ ከደ። እታ ሰበይቲ ከኣ “እግዚአብሔር ልብሰ ጸጋ ይኽደንካ” በለቶ። ብኡ ንብኡ ኸኣ እግዚአብሔር “እዛ ክዳን’ዚኣ ክሳዕ ዕለተ ሞትካ ኣይትብለ” ኢሉ ጽቡቕ ልብሲ ሃቦ።

ወነበረት እንዘ ኢትኃልቅ ወኢትረስሕ። ወሶበ አዕረፈ ተገንዘ ባቲ።

በዚ ኸኣ ከይበልየትን ከይረስሐትን ነይራ ምስ ኣዕረፈ ብእኣ ተገንዘ።

ጸሎቱ ወበረከቱ የሃሉ ምስለ ኵልነ ሕዝበ ክርስቲያን ለዓለመ ዓለም አሜን።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይኹን፡ ኣሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195