
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
" ናብ ሰማይ ዓረገ " ማር. 16.19
ዓመት መጸ ብዓቢይ መንፈሳዊ ኽብሪ ካብ እነኽብሮም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ በዓለ ዕርገት እዩ።
ዕርገት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጻሕፍተ ሓዲሳት ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ናይ ዕርገቱ ቦታ፡ ሰዓት፡ ኵነታት፡ መሰኻኽር . . . ብዝርዝር ተጻሒፉ ኣሎ።
“ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ንወፃኢ ኽሳብ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉ’ውን ባረኾም። ኪባርኾም ከሎ ኸኣ ኻብኣቶም ተፈልዩ፡ ናብ ሰማይ’ውን ዓረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙኅ ሓጐስ’ውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም የመስግኑ ነበሩ።” ሉቃ. 24፡50-53
“ . . . መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና ኃይሊ ኽትቕበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸኣ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም። እዚ ምስ በለ ድማ እናረኣይዎ ንሰማይ ዓረገ፡ ካብ ኣዕይንቶም ከኣ ደመና ሠወረቶ። ንሱ ኺዓርግ ከሎ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም “ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኺመጽእ እዩ” በልዎም። ግብ.ሓዋ. 1፡8-11
ቅዱሳን ደቀ መዛሙርት፡ ጐይታ ካብ ሙታን ተፈልዩ ምስ ተንሥአ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ብምባል የዘራርቦምን ዝበልዕዎ ኣብ ዝሰኣንሉ ጊዜ ዓሣ ብምብራክ ኣበርኪቱ የብልዖምን ስለዝነበረ ኣዝዮም ይሕጐሱ ነበሩ። መጠን እዚ ዝተሓጐስዎ፡ ክዓርግ ከሎ ግና ዝኽትምና ስለ ዝተሰምዖም ኃዘኑ። ማእምረ ኅቡኣት ጐይታ’ውን ባዕሉ ከምዚ በሎም፥ “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ፡ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ ‘ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧’ ኢሉ ዚሓተኒ የልቦን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና ልብኹም ኃዘን መልአ።” ዮሐ. 16፡5
እቲ ሓቂ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ መንገዲ ድኅነት ክንርእይ ከሎና ብልደቱን ትንሣኤኡን ዝተጀመረ ሓጐስ ብዕርገቱ ፍጹም ከም ዝኾነ ነስተውዕል። ምእንቲ ኃጢኣት ሰባት ንብዙኃት በጃ ኾይኑ ዝተወልደ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይትንሥእን፡ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ዘለዓለማዊ ክብሩ እንተ ዘይዓርግን ነይሩ ድኅነትና ፍጹም ኮይኑ ኣይምተረጋገጸን ነይሩ።
“መንፈስ ቅዱስ ክልእከልኹም እየ፣ ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ኃይሊ ክሳብ ትለብሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ” ክብል ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ተስፋ፡ ንሱ እንተ ዘይዓርግ ኣይምተፈጸመን ነይሩ እሞ ኵሉ ምእንቲ ክፍጸም ናብ ሰማይ ዓረገ።
ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብጠቕላላ ኣብዚ ምድሪ ሠላሳን ሠለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርኅን ዓሰርተው መዓልትን ጸኒሑ ካብ ደቂ ሰባት ብሥጋ ዝተፈለየሉ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ። ብድኅሪ እዚ ዳግማይ ናብ ዓለም ዝመጽእ ንፍርዲ እዩ።
ስለዚ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ሠናይ ግብሪ ኂዝና ክንጸንሖ እሞ ብየማኑ ክንቐውም ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!