banner

ሥሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ሥሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ድኅሪ ዓቢይ ጾም ኣብዚ ዘመነ ትንሣኤ ብዕለት 10 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ግ. (18/05/2018 ዓ.ም.ፈ.) ሥሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ምምኅዳራውን ልምዓታውን ኣጀንዳታት ክቐርቡ ከለዉ ድኅሪ ዝተገብረ ዓሚቝ ዘተ ውሳኔታት ኃሊፍሎም።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዝቐረበ ጸብጻብ እቲ ሓደ ብዛዕባ ጉዳይን ንግደትን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም እዩ። ዓመት መጸ ኣብ እዋን ትንሣኤ ዝካየድ ንግደት እናዓበየን እናሰፈሐን ይመጽእ ብምህላዉ፣ ዓቕሚ ቤተ ክርስቲያን ክብ ብምባል ጠለብ ነጋድያን ንምምላእ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዝኸውን ክሳብ ሠለስተ እዋን ንግደት ንምክያድ ዘፍቕድ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ሃገረ እስራኤል ምዝርራብ ከምዝተገብረ እሞ ትስፉው ምዃኑ ተገሊጹ። ከምኡ’ውን ምውናን መሬትን ቤተ ክርስቲያንን ብዝምልከት ክግበር ዝጸንሐ ከቢድ ጻዕሪ ኣብ ትስፍዉ መድረኽ በጺሑ ምህላዉ ተጠቒሱ።

ብዘይካ’ዚውን ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ምስ ዝርከቡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናትናን ማኅበራትናን ኣገልገልትን ምእመናንን ምእመናትን ሰፊሕ ዘተ ዝተኻየደሉ ዕዉት ዑደት ከምዝተገብረ ተገምጊሙ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ እስራኤል ብፍላይ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከቡ ኣባላት ውሉደ ክህነት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ ትእዛዝን መምርሕን ቅዱስ ሲኖዶስ ወፂኦምን ተፈልዮምን ዝጸንሑ 16 ካህናትን 4 ዲያቆናትን ንዘቕረብዎ ሕቶ ጣዕሳን ይቕሬታን ድኅሪ ምምልካት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣስፊሑ ተዛትዩሉ። ብመንጽር ሓዋርያዊ ተልእኾ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ላዕለዋይ መሪሕነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጠን፡ ንሥዩማን ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖትን ምጽናዕ ዝለዓለ ኃላፍነቱ ብምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ነቶም ካብ ሕቍፊ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ሲኖዶስን ተፈልዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ ወገናት ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኢሎም ብኃይልን ጸጋን እግዚአብሔር ንዝተረኽበ መንበር ኣኽቢሮም ንኽኸዱ ጽቡቕ ኣብነት ስለዝኾነ ናይዞም ውሉደ ክህነት ጣዕሳን ይቕሬታን ብሓጐስ ተቐቢሉ ምሕረት ኣዊጁሎም።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ጸብጻብን ምልክታን ገዳም ደብረ ሣህል ኣቡነ ዮናስ ቀሪቡ። ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ማይ ድማ ናይ ዝርከብ ገዳምነቱ ጠፊኡ ዝነበረ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ሣህል ኣቡነ ዮናስ ዳግማይ ንምግዳም ብነበርቲ ዓድን ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስን ብመሠረት ዝቐረበ ምልክታ፣ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብቲ ቦታ በጺሑ ናይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ጸብጻብ ምስ ቀረበ ኣብ ዝቕጽል ጉባኤ ውሳኔ ክወሃበሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

ጉዳይ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብዝምልከት ኣብ ዝተዘተየሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ደብረ ሲና መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝርከብ ብዓይነቱ ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ክሊኒክ ዘድልዮ ትሕተ ቅርጺ፣ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ፣ ፍቓድ (ሊቸንሳ)፣ መድኃኒትን መሣርሒታትን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ተቐሪብሉ ንኣገልግሎት ቅሩብ ምህላዉ ሰፊሕ ጸብጻብ ምስ ቀረበ ሥራሑ ብወግዒ ዚጅምረሉ መዓልቲ ቡራኬን ምረቓን ተወሲኑ።

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዛዕባ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮም ዘለዉ ኣብያተ ክርስቲያናት ወፃኢ ብዝምልከት ድኅሪ ምዝታይ ንገሊኦም ጽሑፋዊ መልሲ ክወሃበሎም፣ ኣብ ገሊኦም ድማ ዑደት ክካየድ ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ ሓበሬታን ትምህርትን ኣገዳስነቱ ብዝምልከት ኣብ ዝተዘተየሉ ድማ መርበብ ሓበሬታ ልሳነ ተዋሕዶ ንምስፋሕ ‘ዌብ ቲቪ’ ክጅምረሉ ዝኽእል ኣገባብን ክግበር ዝጸንሐ ምድላዋትን፣ ክማልኣሉ ዝግባእ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ብዝምልከት ብክኢላታት ናይቲ ሞያን ዝምልከቶ ክፍልን ሰፊሕ መብርሂ ምስ ተዋህበ፡ መሠረታዊ ጠለባት ተማሊኦም ፈነወኡ ክጅምር ተወሲኑ።

ብሓፈሻ ቅዱስ ሲኖዶስ ብርክት ዝበሉ ጉዳያትን ኣጀንዳታትን ብምርኣይ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195