banner

ኵሎም ኃቢሮም ኣብ ሓደ ቤት ነበሩ! (ግብ. ሓዋ. 2፡1)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኵሎም ኃቢሮም ኣብ ሓደ ቤት ነበሩ! (ግብ. ሓዋ. 2፡1)

ኣይሁድን ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝኣተዉ ኣሕዛብን ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ድኅሪ ፋሲካ ዘኽብርዎ በዓለ ሰዊት ንምብዓል ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣኪቦም ነበሩ። እቶም ሚእትን ዕሥራን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ዝበሃሉ፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት፡ ሰብዓን ክልተን ኣርድእትን ሠላሳን ሽድሽተን ቅዱሳት ኣንስትን ድማ ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም ኵሎም ኃቢሮም ኣብ ሓደ ቤት ነበሩ። እንሆ ድማ በዚ ዕለት’ዚ ረፋድ ሰዓት 3፡00 ቅ.ቀ. (9፡00 ቅ.ቀ.ፈ) ብሃንደበት ከም ድምፂ ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ካብ ሰማይ ድምፂ መጽአ።

ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤት’ውን መልኣ። ከም ሓዊ ዝተመቓቀለ ልሳናት ተራእዮም፣ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኃደረ። “ወተመልኡ ኵሎሙ መንፈሰ ኃይል ወአኃዙ ይንብቡ ዘዘዚአሆሙ በነገረ ኵሉ በሐውርት/ ንዅሎም ድማ መንፈስ ኃይሊ መሊእዎም ብዘይፈልጥዎ ቛንቋ ክዛረቡ ጀመሩ። ብሓደ ቛንቋ ዕብራይስጥ ዝዛረቡ ዝነበሩ ሰብዓን ሓደን ቋንቋታት ተወሰኾም። ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብመንፈሳዊ ኣእምሮ በርትዑ። ፍርሒ ተወጊድሎም፡ ምእንቲ ክርስቶስ ብሓቅን ትብዓትን ክምስክሩ በቕዑ።

ኣቐዲሙ ብነቢይ ኢዩኤል ዝተነግረ ትንቢት ተፈጸመ። “ብድኅርዚ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ክኽዑ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኺሓልሙ፡ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልትታት እቲአንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ እኳ መንፈስይ ክኽዑ እየ።” (ኢዩ. 2፡28-30) እዚ ማለት ንኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋ ምድኃን 5500 ዓመት ምስ ተፈጸመ ኣብ ልዕሊ ደማውን ሥጋውን ሰብ ናይ ባህርይ ሕይወተይ መንፈስ ቅዱስ ከኅድር እየ። ኣወዳትኩም ዝተባህሉ ሓዋርያት፣ ኣዋልድኩም ዝተባህላ 36 ቅዱሳት ኣንስት፣ ኣጕባዝኩም ዝተባህሉ 72 ኣርድእት . . . ናይ ባህርይ ሕይወተይ መንፈስ ቅዱስ ከኅድር እየ። ኵሎም ድማ ብ72 ቋንቋታት ክዛረቡ እዮም። በዚ ዕለት’ዚ እዚ ትንቢት’ዚ ብጋህዲ ተፈጸመ፡ ብግብሪ ተተርጕሙ’ውን ተራእየ።

እዞም ሚእትን ዕሥራን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር፡ ነዚ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ዝበቕዑ ነንሓድሕዶም እናተደጋገፉ፡ ሓደ ሓሳብን ሓደ ልብን ኾይኖም እናጸለዩን እናዘመሩን ኵሎም ብሕብረት ኣብ ሓደ ቤት ስለዝነበሩ እዩ። እዛ ቤት እዚኣ ሓዋርያት ዝኣከብዋ፡ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። በዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ እታ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ተመሥረተት።

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት መቕደስ ከየቋረጹ ብኅብረት ጸኒዖም እናተኣከቡ፣ ወንጌል እናሰበኹ፡ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን እናገበሩ፡ ሓደሽቲ ኣመንቲ እናወሰኹ . . . ኣብ ኢየሩሳሌም ንሓደ ዓመት ጸንሑ። ብድኅር’ዚ “ሑሩ ወመሃሩ” ብዝበሎም ቃል መሠረት ነዛ ዓለም ብዕጫ ተኻፊሎም ናብ ስብከተ ወንጌል ተዋፈሩ። ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሕዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣብኦም ኃዲሩ ዚድኅኑ ነፍሳት ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። ግብ. ሓዋ. 2፡1-47 ፣ ዘሌ. 23፡15

መንፈሳዊ ዕዮ ንምፍጻም፡ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንምስፋሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምዝርጋሕ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ንምጽናዕ፡ ሓደስቲ ኣመንቲ ንምውሳኽ . . . ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የድሊ። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ድማ ሓደ ልብን ሓሳብን ምዃን የድሊ።

ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኴንና ኣብ ቅድስት ቤቱ ብሓድነትን ስምምዕን እንተ ተጸበናዮ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ይምህረና፣ ኣፍን ጥበብን እናኾነ የሥርሓና፣ ምእንቲ ድኅነትናን ጽድቅናን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ኽንገብሮ ዝግብኣና ዅሉ የዘኻክረና፣ በቲ ሓቀኛ መንገዲ’ውን ይመርሓና።

እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ጸጋኡ የብዝኃልና!

ወስብሐብት ለእግዚብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195