banner

ክብረ በዓል ደብረ ሲና ምስ ጸሎተ ፍትሓት ተኸቢሩ ውዒሉ!

ክብረ በዓል ደብረ ሲና ምስ ጸሎተ ፍትሓት ተኸቢሩ ውዒሉ!

ክብረ በዓል 21 ግንቦት በዓለ እግዝእትነ ማርያም ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዞባ ዓንሰባን ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ርዝነት ተኸቢሩ ውዒሉ።

20 ግንቦት ካብ ሰዓት 2፡00 – 6፡00 ድ.ቀ. ዋዜማ ምስ ተቖመ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ናይ ምሸት ኣትኂዞም ድማ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ስብሓተ ማኅሌት ኽቖሙ ኸለዉ ኣዴታትን መንእሰያትን ብወገኖም ድማ ኣብ ወለንሳ ክማህለሉ ኃዲሮም።

ወጋሕታ ሰዓት 6፡00 ብፍሉይ ጸሎተ ፍትሓት ናይቶም ነዚ ኽብረ በዓል እዚ ንኽሳተፉ ኣብ መንገዲ ሓደጋ ምግምጣል መኪና ኣጋጢምዎም ዝሞቱ ሕዝበ ክርስቲያን በጺሑ።

ሰዓት 9፡30 ቅ.ቀ. ታቦት ብመንፈሳዊ ኽብሪ ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዖይዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ብድኅር’ዚ መዘምራን ሊቃውንት ነቲ ዕለትን ክብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽን ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ሰባኪ ወንጌል መሪጌታ ይትባረክ ነቲ ዕለት ዝምልከት “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚአብሔር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ እስራኤል ንደይብ። ንሱ ፍቓዱ ኺምህረና እዩ፡ ንሕና ኸኣ ኸም ፍቓዱ ኽንነብር ኢና ።” (ኢሳ. 2፡3) ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ መንበር ክብሩ ኣተወ።

ብድኅር’ዚ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195