banner

ብፁዓን ጳጳሳት፡ ሓድሽ ታቦት ቅድስት ሥላሴ ኣብ ከተማ በንገላ ሃገረ ኣንጎላ ኣእትዮም!

ብፁዓን ጳጳሳት፡ ሓድሽ ታቦት ቅድስት ሥላሴ ኣብ ከተማ በንገላ ሃገረ ኣንጎላ ኣእትዮም!

ልኡካነ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዓን ኣቦታት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከልን ኣብ ሃገረ ኣንጎላ ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ተልእኮ ብምቕጻል ሓድሽ ታቦት ቅድስት ሥላሴ ኣብ ከተማ በንገላ ሃገረ ኣንጎላ ኣእትዮም!

ብፁዓን ኣቦታት፡ ኣብታ ካብ ከተማ ልዋንዳ ኣስታት 500 ኪሎ ሜተር ርኂቓ እትርከብ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ምእመናንን ምእመናትን ዝቕመጥዋ ከተማ በንገላ ኣብ ዝኣተዉሉ ጊዜ፥ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ንዘለዎም መንፈሳዊ ጽምኣትን ኣባታዊ ናፍቆትን ብዝገልጽ ኣቀባብላ ብምዕሩግ ሰልፍን ዕምባታት እናነጸጉ ብዕልልታን ጣቒዕትን ብኣዝየን ብዙኃት መካይን እናዓጀቡን ብኽብሪ ተቐቢሎሞም።


ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 25 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (02/06/2018 ዓ.ም.ፈ.) ዝግባእ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐን ብብፁዓን ኣቦታት ሥርዓተ ተቀብኦ ምስ ተፈጸመን ሓድሽ ታቦት ቅድስት ሥላሴ ብኽብሪ ኣትዩ።

ሰንበት ዕለት 26 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (03/06/2018 ዓ.ም.ፈ.) ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጸሎተ ቅዳሴ ክሳዕ ሰዓት 8:00 ተሠሪዑ። ብምቕጻል ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርትን ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን፥ “ ድኅሪ ገድልን ጽንዓትን ትዕግሥትን ኣብዚ ደረጃ’ዚ ምብጻሕኩም ‘እንቋዕ ሓጐሰኩም” ድኅሪ ምባል፡ ብዛዕባ ትርጕም ታቦትን ኣገልግሎቱን ከምኡ’ውን ኣገልገልቱን ተገልገልቱን ክነብርዎ ዝግባእ መንፈሳዊ ሕይወትን ክገብርዎ ዝግባእ ሥነ ምግባርን ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ጸሎት ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ብኣቦታት ሥርየት ምስ ተዋህበ ሂቡ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ብፁዓን ኣቦታት ኣብ ሀገረ ኣንጎላ ብዝፍጽምዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ተልእኾ፡ ኣቐዲሞም ቅድሚ ሰሙን ብዕለት 19 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (27/05/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ከተማ ልዋንዳ ሓድሽ ሕንፃ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከምዝመረቑ ይዝከር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195