banner

ቃኤልን ኣቤልን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቃኤልን ኣቤልን 

ቀዳሞት ሰባት ኣዳምን ሔዋንን “ፍረዩን ብዝኁን፡ ንዓለም ድማ ምልእዋ” ኢሉ እግዚአብሔር መሪቑዎም ኣብ ገነት ይነብሩ ነበሩ። ምስ በደሉ ግና እግዚአብሔር ካብ ገነት ኣውፂኡ ኣብ ማዕዶኣ ዝርከብ ደብረ ቅዱስ ዝተባህለ ቦታ ሰደዶም። ናብ ገነት ከይቀረቡ ብማዕዶ ኮይኖም ሚእቲ ዓመት ዝኣክል በኸዩን ተነስሑን። ብድኅር’ዚ ልዑል እግዚአብሔር ንስሓኦም ተቐቢሉ ተስፋ ድኅነት ሃቦም።

ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብምፍራሶም ካብ ገነት ተሰጕጎም ምስ ወፅኡ፥ “መከራኽን ጻዕሪ ፅንስኽን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ። ስለዚ’ውን ደቂ ብጻዕሪ ክትወልዲ ኢኺ።” ተባሂሉ ብዝተነግራ መሠረት፡ ሔዋን ፀነሰት እሞ ንቃኤልን ማንታኡ ሉድን ወለደት። ቀጺላ’ውን ንኣቤልን ማንቱኡ ኣቅሌማን ወለደት።

እዞም ክልተ ኣኅዋት እዚኣቶም ምስ ዓበዩ፡ ቃኤል ንመሬት ሓሪሱ እኽሊ ዘፍሪ ሓረስታይ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንእሽቶ ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ ኮነ። መነባብሮ ሕይወቶም ከምዚ ኢሉ ምስ ማሕረስን መጓሰን ተተኃኂዙ ቀጸለ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣዳም ንሰበይቱ ሔዋን ጸዊዑ፦ “ኃፍተይ ሔዋን! ደቅና ዓቢዮም እንተ ኣመርዓናዮም እንታይ ይመስለኺ፧” ክብል ሓተታ። ንሳ’ውን “ኃወይ ኣዳም ከምዝበልካዮ ይኹን። እቲ ሓሳብካ ጽቡቕ እዩ እሰማማዕ እየ” በለቶ።

ብድኅር እዚ ኣዳም ብሓደ ዝተወልዱ ኣኅዋት ከመራዓዓዉ ከምዘይግባእ ብሕገ ልቦና ተረዲኡ “እታ ማንታ ቃኤል ዝኾነት ሉድ ንኣቤል፡ እታ ማንታ ኣቤል ዝኾነት ኣቅሌማ ድማ ንቃኤል ትኹን” በለ። ቃኤል ቀናእ ስለዝነበረ በዚ ዝተገብረ ኣይተሓጐሰን፣ ምኽንያቱ ማንታኡ ሉድ ነዲኣ ትመስል ምልክዕቲ ነበረት። ብሰንኪ እዚ ቃኤል “እታ ማንታይ ዝኾነት ሉድ ጽብቕቲ ስለዝኾነት ነዓይ ትኩን። ናይ ኣቤል ማንታ ኣቅሌማ ድማ ጽብቕቲ ስለዘይኮነት ንኣቤል ትኩን” ብምባል ንኣቦኡን ኣደኡን ምእዛዝ ኣበየ።

ብድኅርዚ ኣዳም “በሉ መሥዋዕት ናብ እግዚአብሔር ኣቕርቡ። እግዚአብሔር መሥዋዕቱ ዝተቐበለሉ ንሉድ ክምርዖ እዩ” በሎም። ነናቶም መሥዋዕቲ ኂዞም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቀረቡ። ኣቤል ኣዝዩ ብሩኽ፡ መስተውዓሊ፡ ለዋህን ምእዙዝን ስለዝነበረ እግዚአብሔር ንጹሐ ባህርይ እዩ ብምባል ንጹሕ መሥዋዕቲ ካብቲ መጓሰኡ ዓመት ዝገበረ በጊዕ ኣቕረበ። ቃኤል ግና ካብቲ ዝዘርኦ ሥርናይ መሪጹ ዘይኮነስ “እግዚአብሔር ኣይበልዖን እዩ” ኢሉ ብንዕቀት ክርዳድ ዝበዝኆ ረስሓት ዝተሓወሶ መሥዋዕቲ ኣቕረበ። እግዚአብሔር ንጽሕና ልቢ ስለ ዝርኢ፡ ንመሥዋዕቲ ኣቤል ባህ ኢሉዎ ክቕበል ከሎ፡ ብቃኤል ስለ ዘይተሓጐሰ ግን መሥዋዕቱ ኣይተቐበለሉን። ቃኤል፡ ገጹ ጸሎሎ ክሳብ ዝኽደን ኣዝዩ ጐሃየ። ኣብ ልዕሊ ኃዉ ኣቤል’ውን ክቱር ጽልኢ ኣኅደረ። እግዚአብሔር ግና ክጠፍእ ስለ ዘይደለዮ ጸዊዑ “ንምንታይ ገጽካ ጸሊሙ ጽቡቕ እንተትገብር ከም ኃውኻ ኣቤል ገጽካ ምበርሀ ነይሩ፣ ኃጢኣት ትስዕበካ ኣላ’ሞ መንገዲ ኣይትሃባ” ኢሉ መዓዶ። ቃኤል ግና ተመኺሩ ዝምለስ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ክንዲ ብቅኑዕ ልቦና ኣምላኸይ እወ ጽቡቕ ኣይሠራሕኩን፡ ድኅሪ ሕጂ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ ዝብል እቲ ናቱ ቁጥዐ መመሊሱ ገደደ።

ብድኅር’ዚ ቃኤል እናኃዘነ ክኸይድ ከሎ ሰይጣን ኣብ መንገዲ ረኸቦ እሞ ፈታዊ መሲሉ “ቃኤል ስለምንታይ ትኃዝን፧” በሎ። ቃኤል ድማ ኵሉ ዘጋጠሞ ነገሮ። ሰይጣን ድማ “ንኃውኻ ቅተሎ። ብዽኅር’ዚ ዋላ ንኽልቲአን ኣንስትኻ ትገብረን” ብምባል ክፉእ ምኽሪ መኸሮ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ሞት ይፍለጥ ስለዘይነበረ ብግብሪ ምቕታል ከምዝከኣል ኣርኣዮ። ቃኤል ድማ ከምዚ ኸኣ ይከኣል እምበኣር እዩ ኢሉ ምስ ሓሳብ ሰይጣን ተሰማምዐ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንኃው ኣቤል ጸዊዑ ናብ በረኻ ንኪድ ንዛወር በሎ። ድኅሪ ዙረት ጠምዮም ኮፍ ኢሎም በልዑ። ድኅሪ ምብልዖም ማይ ንኽሰትዩ ብሓንሳብ ናብ ሩባ ወረዱ። ንኸምስል ብመጀመርታ ቃየል ሰትዩ ብድኅሪኡ ንኣቤል ‘ስተይ’ በሎ። ኣቤል ድማ ንኽሰትይ ድንን ምስ በለ ቃኤል ዓቢይ እምኒ ኣልዒሉ ብምህራም ንኃዉ ኣቤል ቀተሎ። ሞት ናይ ደቂ ሰባት መጀመርያ ዝተራእየ ቃኤል ንኣቤል ድኅሪ ምቕታሉ እዩ።

በዚ ጊዜ’ዚ እግዚአብሔር “ቃኤል ቃኤል ኃውኻ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፧” በሎ። ቃኤል ግና ብትዕቢት “ኣነ እንታይ ይፈልጥ ናይ ኃወይ ኣቤል ሓላዊ ድየ፧” ክብል መለሰ። እግዚአብሔር ድማ ኣብ ምሉእ ዘመንካ ፈራሕ፡ ሰምባድን ድሁልን ኩን፣ በዚ ዝፈጸምካዮ ኃጢኣት “ርጉም ኩን” ኢሉ ረገሞ። ቃኤል፡ ስለ ዝተጨነቐ ካብ እግዚአብሔር ክሃድም ኢሉ ካብ ደብረ ቅዱስ ወፂኡ ናብ ምድረ ፋይድ ከደ። ‘ፋይድ’ ማለት ምድሪ ፍርሕን ስምባደን ቦታ ውርደትን መርገምን ማለት እዩ። ቃኤል ድማ ኣብዚ ቦታ’ዚ ሰምባድን ባህራርን ኮይኑ ተቐመጠ።

ስለዚ ከም ቃኤል ቀናኣትን ርጉማትን ዘይኮነስ፣ እግዚአብሔር ከም ኣቤል ለዋሃት ስለዝፈቱ ለዋሃት ኽንከውን ኣዴና ቕድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህረናን ትመኽረናን።

መወከሲ፥ ዘፍ. 3፡16፣ ዘፍ. 4፡17፣ ዘፍ. 5፡4፣ ኩፋሌ 5፣ ትርጓሜ ኦሪት ዘፍጥረት

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195