banner

ጸሎተ ፍትሓት ናይቶም ናብ ገዳም ደብረ ሲና እናተጓዓዙ ብሓደጋ መኪና ዝዓረፉ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተገይሩ!

ጸሎተ ፍትሓት ናይቶም ናብ ገዳም ደብረ ሲና እናተጓዓዙ ብሓደጋ መኪና ዝዓረፉ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተገይሩ!

ሰንበት ዕለት 03 ሰኔ 2010 ዓ.ም. (10/06/2018 ዓ.ም.ፈ) ጸሎተ ፍትሓት ናይቶም ናብ ገዳም ደብረ ሲና እናተጓዓዙ ብሓደጋ መኪና ዝዓረፉ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ሃገር ኣብ ዝርከባ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተገይሩ።

ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተገብረ ጸሎተ ፍትሓት፥ ብፁዓን ጳጳሳትን፣ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተወከሉ ለባስያን ውሉደ ክህነትን መምህራን ሊቃውንትን፣ ምእመናንን ምእመናትን ከምኡ’ውን ሥድራ ቤት ምዉታን ተሳቲፎም ነይሮም።

ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ክሳዕ ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ. ምስ በጽሐ፣ ብመሪሕነት ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀ/ስ/ ዱባርዋ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀ/ስ/ ዓንሰባን፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ሀ/ስ/ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ። 

ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። 

ብድኅር’ዚ ካብ ብፁዓን ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምጽንናዕ፥ “ሞት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ እዞም ምእመናንን ምእመናትን ብፍቕሪ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ቤቶም ተበጊሶም መባኦም ኂዞም ከም መብጽዓኦም ናብ ገዳም ደብረ ሲና እናኸዱ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሞት ዓስቢ ዘለዎ ናብ ሕይወት ዘሰጋግር እዩ እሞ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ከነመስግን ይግብኣና። ኵልኹም ቤተ ሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ነቶም ተጐዲኦም ኣብ ሆስፒታልን ቤቶምን ዘለዉ ድማ ፍጹም ጥዕና ይሃቦም” ኢሎም።

መምህር ዮሓንስ ጊላይ ብወገኖም እግዚአብሔር ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝሃባ ቃል ኪዳን መሠረት ብምግባር ኣብ ዝሰበኽዎ “ነቶም ብኣማላድነታ ተወኪሎም ዝዓረፉ ሕዝበ ክርስቲያን ‘ወደየ ቅዱስ ፍቓድካ እንተኾይኑ ገነት መንግሥተ ሰማያት ኣውርሶም’ ኢላ ከም እትልምነሎም እሙን እዩ። . . . ” ብምባል ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ብብራኬ ብፁዓን ኣቦታት፡ ኵሉ’ቲ ጸሎታትን ቃል ምጽንናዕን ተዛዚሙ።

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195