banner

ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ልዑል ነጥቢ ንዘምጽኡ መተባብዒ ሽልማት፡ ንዅሎም ተማሃሮ ድማ ናውቲ ትምህርቲ ተዋሂቡ!

ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ልዑል ነጥቢ ንዘምጽኡ መተባብዒ ሽልማት፡ ንዅሎም ተማሃሮ ድማ ናውቲ ትምህርቲ ተዋሂቡ!

ብዕለት 29 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ሲና መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ቀዳማይ እብረ ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ፡ ሸሞንተ ተማሃሮ ዲግሪን ኣርባዕተ ተመሃሮ ዲፕሎምን ካብ ኢድ ብፁዓን ጳጳሳት መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቦም።


ኣብዚ ሥነ ሥርዓት ዕደላ ሽልማት፡ ብተሓጋጋዚ ዲን መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣባ ሲላስ ብርሃነ ከምኡ’ውን ብቀሲስ ተኽላይ ኃይለሚካኤል ብዛዕባ ኵነታት ተማሃሮን ምኅደራ መንፈሳዊ ኮሌጅን ሰፊሕ መግለጺ ምስ ተዋህበ ብፁዓን ኣቦታት ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ እዞም ተማሃሮ ኃላፍነት ሕዝቦምን ቤተ ክርስቲያኖምን ኣብ እንግድዖም ምዃኑ ፈለጦም ኣብ ትምህርቶምን መንፈሳውነቶን ግዱሳትን ትጉሃትን ክኾኑ ምዒዶምን ባሪኾምን።

ብምቕጻል ድማ ነቲ ካብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዋሽንግተን ዲሲ ብሓገዝ ዝተበርከተ ናውቲ ትምህርቲ፡ መጻሕፍቲ፡ ናውቲ ቤትን መመገብን . . . ንዅሎም ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ተዓዲሉ።
ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ከተማ ዶብሓ ቀጠር ዝርከቡ ምእመናንን ምእመናትን ንዕብየት መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝውዕል ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝወፈዩ ተገሊጹ።

ብሓቂ ኣብዚ ሕፁፅን እዋናዊ ኵነታትን ኣብ ጐድኒ ቤተ ክርስቲያን ተሰሊፎም ኣብ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ዕዮ ዝተሳተፉን ዝሳተፉ ዘለዉን ዓስቦም ካብ እግዚአብሔር ክረኽብዎ፣ ኣርኣያ ኾይኑ ድማ ኻልኦት ኣሰሮም ክስዕቡ ብብፁዓን ኣቦታትን ብኃለፍትንን መምህራንን መንፈሳዊ ኮሌጅ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195