banner

ሥነ ፍጥረት ዘዕለተ ኃሙስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥነ ፍጥረት ዘዕለተ ኃሙስ

ኃሙስ፥ ካብ ‘ኀመሰ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኃሙሻይ’ ማለት እዩ። ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ናይ ሥነ ፍጥረት ካብ ደመ ነፍስ ዘይብላ ባሕሪ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ዝኾኑ ፍጥረታት ተፈጥሩ። አምጻኤ ዓለማት ፈጣሬ ፍጥረት እግዚአብሔር ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ብቀዳመይቲ ሰዓት ለይቲ “ለታውፅእ ማይ ዘይትሐወስ ዘቦ መንፈሰ ሕይወት፡ ወአዕዋፈ ዘይሠርሩ መልዕልተ ምድር ወመትሕተ ሰማይ፡ ወኮነ ከማሁ/ ማያት ደመ ነፍስ ዘለዎ ተንቀሳቃሲ ፍጥረት ተውፅእ በለ። እንሆ ድማ ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ኮይኖም ዘስተንፍሱ ሠለስተ ዓይነታት ፍጥረት ካብ ማይ (ባሕሪ) ፈጠረ። ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ እሞ ‘ፍረዩን ተባዝኁን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ብዝኃ’ ኢሉ ባረኾም። (ዘፍ. 1፡20-23)

እዞም ፍጥረታት ዋላ እኳ ካብ ባሕሪ ይፈጠሩ እምበር ተፈጥሮኦም ካብ ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ (ማይ፡ ሓዊ፡ ንፋስ፡ መሬት) እዩ።

ኣካላቶም ዓጽሚ ጅማት ክኸውን ከሎ ብደመ ነፍስ ዝንቀሳቀሱ ናይ ደመ ነፍስ ፍልጠት ዘለዎም እዮም። ደመ ነፍስ ማለት ብደመ ነፍስነት ዝንቀሳቀሱ ደሞም ጠጠው ምስ ዝብል ምንቅስቓሶም ደው ዝብል ሕይወቶም ዘብቅዕ ማለት እዩ። (ዘፍ 1።20)

ናይ ዕለተ ኃሙስ ፍጥረታት ብሓፈሻ ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን በብዓይነቱ ሕይወት ዘለዎም ውንጅርጅር ዚብሉ ዅሎምን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ዘጠቓልል እዩ። እዚኣቶም፥

* ብዓይነቶም ኣብ ሠለስተ ክኽፈሉ ከለዉ፥ ዘመደ እንስሳ ዝበሃሉ ከም ዓሳ፣ ዘመደ ኣራዊት ዝበሃሉ ከም ጉማሬ. . ፣ ዘመደ ኣዕዋፍ ዝበሃሉ ከም ደርሆ ማይ  . . ዝኣመሰሉ እዮም።
* ብኣከያይዳኦም ኣብ ሠለስተ ክኽፈሉ ከለዉ፥ ብኣፍ ልቦም ዚሰሓቡ፡ ብእግሮም ዝኸዱ፡ ብኽንፎም ዝበሩ እዮም ።
* ብኣነባብራኦምን ኣብ ሠለስተ ክኽፈሉ ከለዉ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥራይ ዝነብሩ፡ ካብ ባሕሪ ተፈጢሮ ናብ ምድሪ ዝወፅኡ፡ ኣብ ባሕርን ምድርን ክነብሩ ዝኽእሉ እዮም።

ምሳሌን ትርጕምን

ባሕሪ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ኮይኑ ካብ ባሕሪ ዝተረኽቡ ፍጥረታት ድማ ናይ ደቂ ሰብ ምሳሌ እዮም።

ሀ. ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥራይ ዝነብሩ ምሳሌ ናይ ፡-

1. ተጠሚቆም ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ጸኒዖም ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፣
2. ቃል ኪዳኖም ሓልዮም፡ ሠናይ ተግባር እናፈጸሙ ዓስራት በዅራት ቀዳምያት እናውፅኡ ብፍቅሪ ጸኒዖም ዝነብሩ ሰብ ሓዳር፣
3. ኣብ ባሕሪ ኃጢኣት ጥሒሎም ዝነብሩ ኃጥኣን፣
4. . . .

ለ. ኣብ ባሕርን ንቑጽ ምድርን (የብስ) እትው ውፅእ እናበሉ ኣብ ክልቲኡ ዝነብሩ ምሳሌ ናይ፦

1. ኣታዊ ወፃኢ ዝኾነ ሕይወት ዘለዎም ሓንሳእ ምስ እግዚአብሔር መንፈሳዊ ይኾኑ፣ ሓንሳእ ድማ ምስ ዓለም ዓለማዊ ዝኾኑ ሰባት፣
2. ሓንሳእ ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ይነብሩ፣ ሓንሳእ ድማ ከሓድቲ ይኾኑ ኣይኣመንቲ ኣይከሓድቲ ዝኾኑ ሰባት ፣
3. ሓንሳእ ናብራ ገዳም ከቢድዎም ናብ ጣዕሚ ዓለም ይኸዱ፣ ሓንሳእ ድማ ጣዕሚ ዓለም ሰልኪይዎም ናብ ገዳም ዝኸዱ መነኮሳት ፣
4. . . .

ሐ. ካብ ባሕሪ ተፈጢሮም በሪሮም ናብ ምድሪ ዝወፅኡ እሞ ኣብ ምድሪ ጥራይ ዝነብሩ ምሳሌ ናይ ፦

1. ብጐይታ ዘይኣመኑ፡ ካብ የማናይ ጐድኑ ብዝወፀ ማየ ገቦ ዘይተጠምቁ ሰባት፣
2. ምእንቲ ንፈጣሪኦም ከሥምሩ ሓንሳእን ንሓዋሩን ካብ ናብራ ሥጋ ንናብራ ነፍስ፣ ካብ ሕጊ እንስሳ ንሕጊ መላእኽት መሪጾም፣ ካብ ቤተ ሰቦምን ሃገሮምን ተፈልዮም ጣዕሚ ዓለም መኒኖም አውሊ ልሒሶም እምኒ ተተርኢሶም ኣብ ፈቐዶ በዓትታትን ጐዳጕድን ዝነብሩ ባሕታውያን፣
3. . . .

ብኻልእ ምሳሌ ድማ

ሀ. ብኣፍ ልቦም ዝሰሓቡ፡-

1. ናይቶም ባዕሎም ሓሲቦም ሠሪሖም ተግባረ እድ ዝፍጽሙ ሰብአ ዓለም፣
2. ብቃል ኪዳን ጸኒዖም ዝነብሩ ሰብ ሓዳር፣
3. . . .

ለ. ብእግሮም ዝኸዱ፦

1. ናይ ካህናት፣
2. ‘ይስዓበኒ’ ብዝብል ኣማናዊ ቃል ተሳሒቦም ካብ ዘመድ ኣዝማድ ርኂቖም ብድንግልናኦም ጸኒዖም ኣሰር ጐይታ ዝስዕቡ መነኮሳት፣ ካብቶም ብኸብዶም ዝሓስቡ እቶም ብእግሮም ዚኸዱ ከምዝበልጹ፡ መነኮሳት ድማ ካብቶም ሰብአ ዓለም ይበልጹ።
3. . . .

ሐ. ብኽንፎም ዝበሩ

1. ናይቶም ተመስጦ ጸጋ ዘለዎም ሰማዕታት፣ (ግብ. 7፡ 55-56፣ 2ይ ቆሮ. 12፡3)
2. ካብ ብእግሪ ምኻድ ብክንፊ ምብራር ከም ዝበልጽ፣ ካብ ኵሉ ድማ እቲ ሀብተ ውሉድነት ሥላሴ ዝህብ ጥምቀት ይበልጽ፣
3. . . .

ብሓፈሻ ድማ እዞም ደመ ነፍስ ዘለዎም ሕያዋን ፍጥረታት ካብታ ደመ ነፍስ ዘይብላ ባሕሪ ከም እተረኽቡ፡ ከባቴ ኣበሳ መድኃኔ ዓለም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካብታ ፍተወት እንስሳዊ ዘይብላ ንጽሕተ ንጹሓን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ናይ ምርኻቡ ምሳሌ እዩ።

ከምኡ’ውን እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ነዞም ዅሎም ካብ ባሕሪ ዝተፈጥሩ ፍጥረታት ፍልጠት ደመ ነፍስ ዝሃቦም ከምኡ ድማ ንዅሎም ብጥምቀት ሀብተ ውልድነት ዝረኸቡ ምእመናን መንፈሳዊ ፍልጠት ከምዝህቦም ዘረድእ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195