banner

ክብረ በዓል አቡነ በኵረ ድንግል ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አቡነ በኵረ ድንግል ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 9 ሰኔ ዝኽበር ዝክረ ዕረፍት አቡነ በኵረ ድንግል ኣብቲ ብስሙ ዝተጸውዐ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ብፁዐ አምላክ (ጐደይቲ) ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን አልባሲሁ ለክርስቶስ ዝተባህሉ ምእመናንን ምእመናትን በረኸት ቃል ኪዳን አቡነ በኵረ ድንግል ተሳቲፎም።


ብመሠረት መርሐ ግብር ካብ ብድሮኡ ዓርቢ ኣትኂዞም ሊቃውንቲ መዘምራን ነቲ ዕለት ዝገልጽ ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም። ወጋሕታ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ. ቀዳስያን ብቡራኬ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ሠርዑ፡ ብለባስያንን መዘምራንን ተዓጂቡ ታቦት ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ብድኅር’ዚ ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ወረብን ሸብሸቦን ምስ ኣቕረቡ ብኣባል ኽፍሊ ሊቃውንት መምህር ሠመረ አፈወርቅ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ምስ ጾመ ሓዋርያትን ታሪኽ አቡነ በኵረ ድንግልን ብምትእስሳር መሣጢ ትምህርቲ ምሂሩ።


ኣብ መወዳእታ ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ተዋህበ ብበረኸትን ረድኤትን አቡነ በኵረ ድንግል ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።


ናይ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ወደ መዝሙር ዝኾነ አቡነ በኵረ ድንግል ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማት ብዓቢይ ትሕትናን ትግሃትን ምስ ኣገልገለ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኣብ ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ኣበምኔት ኮይኑ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ ጸንሐ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ብዕለት 9 ሰኔ ዓረፈ ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195