banner

ንሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ንሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ሠሉስ 12 ሰነ 2009 ዓ.ም. (19/6/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰዓታት ንግሆ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ።

ኣብዚ ሥነ ሥርዓት’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት፡ ወኪል ካቶላካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣባ ተ/ጊዮርጊስ ክፍለ፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ተሳቲፎም።

ብመሠረት ዝወፀ መርሐ ግብር፡ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተዋፅኡ ለባስያን ካህናት ብዜማ ‘ጸሎት በእንተ ሙታን (እግዚአ ሕያዋን)’ ክብሉ ከለዉ ኵሉ ሕዝቢ ድማ ኣብ መምዕራፉ ንነፍሳት ኵሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ ኣዕርፍ እናበለ ይቕበሎም ነበረ።

 

‘ጸሎተ ንስሓ’ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ተጸልዩ፡ ጸሎተ ወንጌል በጺሑ፡ ካብ መዝሙር ዳዊት “ እስመ በእንቲአሁ ይቀትሉነ ኵሎ አሚረ፣ ወኮነ ከመ አባግዕ ዘይጠብሑ፣ ንቃሕ እግዚኦ ለምንት ትነውም፣ ተንሥእ ወኢትግድፈነ ለዝሉፉ/ ንሕና ግና ምእንታኻ ኵሉ ጊዜ ንንቕተል ኣሎና፣ ከም ዚሕረዳ ኣባጊዕ’ውን ተቘጸርና፣ ተንሥእ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና!” መዝ. 43(44)፡22-23 ዝብል ተሰቢኩ።

ብድኅር’ዚ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ካብ ወንጌል ዮሐንስ ምስ ተነበ፡ ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ዜማ ኣስሚዖምን ኣሸብሺቦምን። ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት’ውን ብወገኖም ሠለስተ መዛሙርን መሳጢ ግጥምን ኣቕሪቦም።

ቀጺሉ ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ ነቲ ዕለት ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቡ። ኣብ ትምህርቱ “ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የለን።” ዮሓ. 15፡13 ከምዝብል ሰማዕታተ ኤርትራ ስለ ፍቕሪ ሃገርን ሕዝብን ሕይወቶም ስለዘኅለፉ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብጸሎት ትዝክሮም ኣላ።” ኢሉ።

ብብፁዓን ጵጳሳት ዝተመርሐ ኵሉ ሕዝቢ ‘እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ’ ኢሉ እናተማህለለ ንዝሞቱ ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ንዝሰንከሉ ተስፋ፡ ንሥድራ ቤት ድማ ምጽንናዕ ክህብ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ለሚኖም።

ድኅሪ ጸሎተ ምህላ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣባታዊ ምኽርን ቃለ ቡራኬን ሂቦም። ካብ ፍርቂ መዓልቲ ዝጀመረ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ሠርሆተ ሕዝብ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195