banner

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ብዕለት 19 ሰኔ 2010 ዓ.ም. (26/06/2018 ዓ.ም.ፈ) ከምኡ’ውን ብዕለት 27 ሰኔ 2010 ዓ.ም. (04/07/2018 ዓ.ም.ፈ.) ሰፋሕቲ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ዝተዘተየሉ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ሃገር ምኅደራ ንምኅያልን ኣገልግሎት ንምስፍሕን፣ ካብ ዝዓበየ ክሳዕ ዝተሓተ ኣብ መንፈሳውን ምምኅዳራውን ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተዘተየሉ ጉባኤ፡ እዋናውን ዝዓበየን ጉዳያት ድኅሪ ምዝርራብ ምጽዳቕ ባጀት ቤተ ክርስቲያን፣ ምኅያል ዓቕሚ ሰብ ጉባኤ ሊቃውንት፣ ምጥንካርን ደገፍን ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና፣ ጸብጻብ ኦዲት ኣብያተ ክርስቲያናት፣

ከምኡ’ውን ምደባ ኣገልገልቲ ካህናት ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ጉዳይ ክፍሊት ዕሽር ኣብያተ ክርስቲያን ወፃኢ፣ ውጥን ዑደት ናብ ሃገረ ስብከታት ወፃኢ፣ ብዛዕባ ዕድጊ ርስቲ ኣብ ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን . . . ብዕምቈትን ኣስፊሑን ተዛትዩን ውሳነታት ኣኅሊፉን።


ካብቶም ዝረኣዮም ጉዳያት ከኣ ብፍሉይ ንምጥንካር ሓድሽ ጀሚሩ ዘሎ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ዲምያና ኣተኵሮ ብምግባር ካብ ኣዝዩ ድሩት ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ክወሃብ እንተዓጽደቐ እኳ፡ እዚ ገዳም ኣብ ዕብየትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኣገዳስነትን መጻኢ ራእይን ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ደገፍ ንቅዱስ ሲኖዶስ ጥራይ ዝምልከት ስለዘይኮነ፣ ኵሎም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዘለዉ ምእመናንን ምእመናትን ዓቕሞም ከወፍዩሉን ተሳታፊ ናይቲ በረከትን ክኾኑ ቅዱስ ሲኖዶስ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ብፍሉይ ካብ ዝረኣዮም ጉዳያት ከኣ ትግባረ ባጀታዊ ኣሥራርሓ እዩ። ኣብ መወዳእታ 2017 ዓ.ም.ፈ ባጀታዊ ኣሠራርሓ ክተኣታቶ ውሳነ ከምዘኅለፈ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ጉዳይ ብሰብ ሞያ መጽናዕቲ ክካየደሉ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ንዘሎ ዋሕዲ ሞያዊ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ክንዲ ዓመታዊ በብቝሩብ ንፋይናንሳዊ ኣሠራርሓ ብምምኅያሽን ዓቕሚ ኣሠራርሓ ብምጉልባትን ንምልምማዱ በብእብረ ዝተኸፋፈለ ማእከልነቱ ዝሓለወን ቍጽጽር ዘኀይልን ባጀታዊ ኣሠራርሓ ክትግበር ወሲኑ። ነዚ ዝሕግዝ ባጀታዊ መምርሒ ከኣ ሰፊሕ ዘተ ድኅሪ ምክያድ ብምሉእ ድምፂ ኣጽዲቑ።

በዚ መሠረት ከኣ ኣብ ኵለን ኣብ ትሕት ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ሃገረ ስብከታትን ንኡስ ሃገረ ስብከታትን፣ ከምኡውን ዓበይቲ ትካላት ትምህርትን ልምዓትን መንበረ ፓትርያርክ ንሣልሳይ ርብዒ ዓመት 2018 ዓ.ም.ፈ. ባጀታዊ ዓመት ዘገልግለን ናይ ሠለስተ ወርሒ መካየዲ ሥራሕ ባጀት ኣጽዲቑ።

ንዕድጊ ቀዋሚ ልምዓታዊን ምምኅዳራዊ ንብረት ዘገልግል ከኣ ተወሳኪ ባጀት ፈቒዱ። ልምዓታዊን ፕሮጀክታዊ ባጀት ዝምልከት ግና ምስ ዋሕዲ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ኣብ ዝቕጽል ሠለስተ ወርሒ ክቐርብ ተረዳዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብዅሉ መዳይ ኣብ ምዕባለን ዕብየትን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብጸሎትን ንዋትን ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195