banner

“ዘቦ ዕዝን ሰሚዐ ለይስማዕ/ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ዘቦ ዕዝን ሰሚዐ ለይስማዕ/ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ኽምህር ከሎ ብምሳሌን እንበለ ምሳሌን ይምህር ነበረ። ብዘይ ምሳሌ ንኣንቀጸ ብፁዓን (ማቴ. 5፡1-17) ዝኣመሰለ ትምህርቲ። ብምሳሌ ከኣ ንምሳሌ ዘርእን ዘራእን ካልኦትን መሃረ።
ጐይታ ብምሳሌ ዘስተምሃረሉ ምኽንያት ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም ከምኡ’ውን ብምሥጢር እዩ።


• ትንቢት፥ “እከሥት በምሳሌ አፉየ ወእነግር አምሳለ ዘእምትካት/ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሠዊሩ ዝነበረ እነግር”(መዝ. ፸፰፡፩-፪/ 78፡1-2) ዝበሎ እዩ።
• ምሳሌ፥ ቀዳሞት ነቢያት ብምሳሌን እንበለ ምሳሌን ስለዘስተምሃሩ እዩ። ንሱ ድማ ብምሳሌ ምሳሌ ዘርእ፥ እንበለ ምሳሌ አንቀጸ ብፁዓን ኣስተምሂሩ።
• ምሥጢር፥ ምሳሌ ንልቢ ስለዘነቓቕሕ፣ ንዝፈልጥ ምእንቲ ኽግለጸሉ፡ ንዘይፈልጥ ድማ ምእንቲ ኽስወሮ እዩ። ሰብ ልዕሊ እቲ ብቐጥታ ዝንገር ትምህርቲ ነቲ ብምሳሌ ዝንገር ቃል የስተውዕለሉ።

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ ብዝኸውን ምሳሌ ንሓረስቶት ብዘርኢ ብሕርሻ፣ ንኣንስት ብብሒቚ ብማይ ብሒቝ፣ ንነጋድያን ብወርቂ ብዕንቊ፣ ንመሰግራን ብዓሳ ብመግፈፊ ዓሳ . . . ይምስለሎም ነበረ። “ወመሰለ ሎሙ ብዙኀ ምሳሌ” ከምዝብል ካብቲ ብዙኅ ብምሳሌ ዝመሃሮ እቲ ሓደ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን እዩ።

እንሆ ሓረስታይ ኽዘርእ ኢሉ ወፅአ። ሓፊኑ ክዘርእ ከሎ፥

1. ቦ ዘወድቀ ውስተ ፍኖት፥ ገሊኡ ኣብ መንገዲ ወደቐ እሞ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ለቐምኦ።
2. ወቦ ዘወድቀ ዲበ ኰኵሕ ኀበ አልቦ መሬት ብዙኅ፥ ገሊኡ ብዙኅ መሬት ኣብ ዘይብሉ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብሉ ቀልጢፉ በቘለ፣ ከመይ ሡር ስለዘይብሉ ፀሐይ ምስ በረቐ ቀምሲሉ ሓረረ።
3. ወቦ ዘወድቀ ውስተ ሦክ፥ ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። ምስ በቘለ እቲ እሾኽ ሓኒቑ ኃዞ።
4. ወቦ ዘወድቀ ውስተ ምድር ሠናይት፥ ገሊኡ ድማ ኣብ ልስሉስ መሬት ወደቐ እሞ በብጊዜኡ ፍረ ሃበ። ገሊኡ ሚእቲ ፍረ፡ ገሊኡ ስሳ ፍረ፡ ገሊኡ ኸኣ ሠላሳ ፍረ ሃበ።

ነዚ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን’ዚ ብዝተፈላለየ ዝትርጐም ኮይኑ እግዚአብሔር ወልድ ሰብ ኮይኑ ከስምተህር ከሎ፥

• ቦ ዘወድቀ ውስተ ፍኖት፥ እቲ ቃሉ ገሊኡ ኣብ ዝንጉዕ ልቢ ኃደረ፣ ኣጋንንት መጺኦም ድማ ኣስሓትዎ።
• ወቦ ዘወድቀ ዲበ ኰኵሕ ኀበ አልቦ መሬት ብዙኅ፥ ገሊኡ’ውን ኣብ ስፍሐ ኣእምሮ ዘይብሉ ልቦና ኃደረ። ስፍሐ ኣእምሮ ስለ ዘይብሉ ድማ ዓላዊ ንጉሥ ኮነ መናፍቕ ጳጳስ ዘምጽኦ መከራ ምስ ረኸቦ ቀልጢፉ ይኽሕድ።
• ወቦ ዘወድቀ ውስተ ሦክ፥ ገሊኡ’ውን ኣብ ልበ ብዑላን ኃደረ። ከተግብሮ ምስ ጀመረ ኃሙሽተ ነገራት ማለት ፍቅረ ብእሲት፡ ፍቅረ ውሉድ፡ ትካዘ(ኃልዮት) ዓለም፡ ብዕል ሰፋጢት(ምትላል ሃብቲ)ን ኃልዮ መንበርትን ይቃወምዎን ይሓንቅዎን እሞ ከይፈረየ ይተርፍ።
• ወቦ ዘወድቀ ውስተ ምድር ሠናይት፥ ገሊኡ ድማ ኣብ ቅኑዕ ልቦና ዝኃደረ እዩ። በብጊዜኡ ከተግብሮ ከሎ ገሊኡ ሚእቲ (ፍጹም ላዕላዋይ ደረጃ)፡ ገሊኡ ስሳ (ማእከላይ ደረጃ)፡ ገሊኡ ድማ ሠላሳ (ወጣኒ) ዚፈሪ እዩ። ሰብ ሚእቲ ዝተባህሉ ከምቲ ብሩኽ ውላድ ኣሰር ኣቦኡ ስዒቡ ዝኸይድ፡ ከምኡ ድማ ኣሰር ጐይታ ስዒቦም ብሰማዕትነት ዝኃለፉ እዮም። ሰብ ስሳ ዝተባህሉ ከምቲ ብሩኽ ጊልያ ዝያዳ እቲ ዝተላእኮን ዝተኣዘዞን ዝፍጽም፡ ከምኡ ድማ ካብ ሕገ ሥጋ ንሕገ ነፍስ፡ ካብ ሕገ እንስሳ ድማ ንሕገ መላእክት መሪጾም ንጽሕና ሓልዮም ዕፀበ ገዳም ድምፀ ኣራዊት ጸብአ አጋንንት ተዓጊሦም ብትሕርምት ዝነብሩ መነኮሳት እዮም። እቶም ሰብ ሠላሳ ድማ ከምቲ ብሩኽ ባርያ ዝተኣዘዞ ዝፍጽም፡ ከምኡ ድማ ተመርዕዮም ብሕጊ ተወሲኖም ኣሥራት በኵራት ቀዳምያት ኣውፂኦም ብዝግባእ ሥጋኡን ደሙን ተቐቢሎም ዝነብሩ ሕጋውያን እዮም።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ምሳሌ'ዚ ምስ መሃረ “ዘቦ እዝን ሰሚዐ ለይስማዕ/ እዝነ ልቦና ዘለዎ ሰብ ይስማዕ የስተውዕል” በለ። ነዚ ዝበለ “እናረኣዩ ዘይርእዩ፡ ኣእዛን እንከለዎም እናሰምዑ ዘይሰምዑን ዘየስተውዕሉን . . .” ስለዘለዉ እዩ። (ማቴ. 13፥13)

ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ንቃለ እግዚአብሔር ብእዝነ ልቦና ሰሚዕካ ምስትውዓልን ምትግባርን ብዙኅ ጥቕምታት ይህበና። ፍቕሪ እግዚአብሔር ንኽኃድረና፡ ግብረ ኃጢኣት ንኽንኃድግ፡ ካብ ዝወደቕናዮ ንኽንትንሥእ፡ ጽልኢ ብሰላም ህውከት ድማ ብህድኣት ንኽትካእ . . . ብሓፈሻ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ኽንፈሪ ይገብረና። “. . . ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እንተሰማዕኩምዎ ተጠንቂቅኹም ከኣ እንተ ሓለኹምዎ ኵሉ ጊዜ ንላዕሊ እምበር ኣብ ታሕቲ ከቶ ኣይክትኮኑን ኢኹም” ከም ዝበለ በረከት ሥጋን ነፍሲን ንረክብ። (ዘዳ. 11፡13) ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ንምእመናን ብኣባጊዕ መሲሉ ኣብ ዝመሃረሉ “እተን ኣባጊዐይ ግና ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ከኣ ኣለልየን ንሳተን’ውን ይስዕባኒ እየን” ድኅሪ ምባል “ኣነ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ይህበን። ንዘለዓለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን። ካብ ኢደይ’ውን ዝምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን” ይብል። (ዮሓ. 10፦1-10)

ብኣንጻሩ ንቃለ እግዚአብሔር ብእዝነ ልቦና ዘይምስማዕን ዘይምትግባርን ግና ኣብ መንፈሳዊ ኮነ ሥጋዊ ሕይወት ናይ ውድቀት ዋዜማ እዩ። ሕዝበ እስራኤል ኣብ ደብረ ሲና ድምፀ እግዚአብሔር ብዘይምስምዖም ናብ ውድቀት ተቓሊዖም እዮም። ናይ ሎሚ ደብረ ሲና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ነቲ እትምህሮ ብእዝነ ልቦና ዘይሰምዕ ሰብ ካብ እግዚአብሔር ዝረሓቐ፡ ንፈተና ዲያብሎስ ዝተቓልዐን ንውድቀት ቀረባ እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ሕይወቱ ኣወንታዊ ለውጢ ስለ ዘይፈሪ ንርእሱ ተጐዲኡ ንኻልኦት ዕንቅፋት ይኸውን።

ብዙኀ ምሕረት እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ኵሉ ተነሲሑ ብሕይወት ክነብር እምበር ሓደ እኳ ክጠፍእ ዘይፈቱ ስለዝኾነ ቅድም ኣብ ዘመነ ብሉይ ብቅዱሳን ነቢያት፣ ደኃር ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብቅዱሳን ሓዋርያት፡ ሊቃውንቲ፡ መምህራን፡ ውሉደ ክህነት. . . ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ “ ዘቦ እዝን ሰሚዐ ለይስማዕ” እናበለ ድምፁ የስምዕ ኣሎ።

ሎሚ ንሕናኸ ንቃሉ ብምስትውዓል ብቕኑዕ ልቦና ንሰምዖ ዶ ኣሎና፧ “‘እዝኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፣ ብኣዕይንቶም ከይርዕዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ። ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ ኣነ ውን ይቕረ ከይብለሎምሲ ልቢ እዚ ሕዝቢ'ዚ ተሪር እዩ እሞ ምስማዕ ትሰምዑ ኢኹም ኣይተስተውዕሉን። ምርኣይ ትርእዩ ኢኹም ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተነበየ ትንቢት ኣባና ከይፍጸም ከነስተውዕል ይግባእ።

ነቲ ዝንገረና ቃል ብእዝነ ልቦና ዝሰምዕ ከም ልድያ ክፉት ልቢ (ግብ. 16፡13-15)፣ ከም ማርያም ኃፍቲ ኣልኣዛር ንቃሉ ምምራጽ (ሉቃ. 10፡38-42)፣ ‘ . . . ክዛረበኒ ከሎ ከኣ መንፈሰ እግዚኣብሔር መልኣኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ ነቲ ዝዛረበኒ ውን ሰማዕክዎ።” (ሕዝ. 2፡1-3) ከምዝበሎ ከም ነቢይ ሕዝቅኤል’ውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ገላጽነት ክወሃበና ናይ ልዑል እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ይኹነልና።

“ ዘቦ እዝን ሰሚዐ ለይስማዕ”

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!


* * *

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195