banner

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሾብዓተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ናይ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ካብ ዕለት 7 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ክሳዕ 11 ሰኔ 2010 ዓ.ም. (15-05-2018 ዓ.ም.ፈ ክሳዕ 18-06-2018 ዓ.ም.ፈ)ንካህናት፡ ዲቆናት፡ ምእመናንን ምእመናትን መንፈሳዊ ሥልጠና ተዋሂቡ።

እዚ ሥልጠና’ዚ ካህናትን ዲያቆናትን ሕዝባውያንን ነፍሲ ወከፎም መንነቶም ፈሊጦም ነቲ ዝተዋህቦም ኃላፍነት መኽሊት ከመይ ገይሮም ከምዘርብሕዎ ንምሕጋዝ ዕላማ ዝገበረ ኣብ ሠለስተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዝተኸፍለ እዩ።

ቀዳማይ ኣርእስቲ ፡ በእንተ ክህነት ኮይኑ ትርጕም ሥልጣነ ክህነት፡ ጕስነት ሕዝበ ክርስቲያን፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ክብርን ዕዮን ክህነት ከመይ ኣሎ፧ . . . ዘጠቓልል ትምህርቲ እዩ።

ካልኣይ ኣርእስቲ፡  ኸኣ በእንተ ዲቁና ኮይኑ ትርጕም መዓርገ ዲቁና፡ ኣገልግሎት ዲቁና፡ ናይ ሎሚ ዲያቆናት ከመይ ኣሎና፡ . . . ዘካተተ ሥልጠና እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ድማ በእንተ ምእመናን ኮይኑ ግደ ምእመናን፡ ርክብ ምስ አበ ነፍስ፡ . . . ዝኣርእስቶም ትምህርታት ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሥልጠና እዚ፡ መምህራንን ሊቃነ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከታትን እዚ ዝተዋህበ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ክውዕል ክምሕፀኑ ከለዉ፣ ሠልጠንቲ ድማ ብዙኅ ከም ዝተማህሩን ከም ዝኸሰቡን ድኅሪ ምግላጽ ከምዚ ዓይነት ሥልጠና ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዮም።

ብወገኑ ቤት ጽሕፈት ሀገረ ስብከት ከኣ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ብቀጻልነት በብጊዜኡ ብዝተፈላለየ ኣርእስታት ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195