banner

ፍቓድ እግዚአብሔር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ካብ ታሪኽ ኣቦታት “ፈቃደ እግዚአብሔር”

ኣብ ሓደ ገዳም፡ ካብ ዚነበረ ኣቦታት እንትርፎ ሓደ ኵሎም ዳርጋ ኵሉ ጊዜ ምህርቶም እኹል ስለ ዘይኮነሎም ይሽገሩ ነበሩ። ብፍላይ ዘመነ ደርቂ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ዚብላዕ ክሳዕ ምስኣን ስለ ዚበጽሑ እምብዛ ይሽገሩ ነበሩ። ዋላ ብምህላን ሱባኤን እንተለመኑ ብዙኅ ጊዜ ብደርቂ ይጥቅዑ ስለ ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር የዕዘምዝሙ ነበሩ።

ከምዚ ኢሎም እናነበሩ፡ ኵሉ ጊዜ ብኵነታት ሓደ ፈላሲ ኣዝዮም ይድነቑ ነበሩ። ኣብ እዋን ብርቱዕ ዝናም ኮነ ደርቂ፡ ኣስሓይታ ይኹን በረድ፡ ባልዕ እኽሊ ይሃልዉ ዋላስ ኣንበጣ ኵሉ ጊዜ ናይዚ ፈላሲ ምህርቱ ልዑልን እቶቱ ጽቡቕን ነበረ። በዚ ምኽንያት’ዚ ሓደ ሓደ ኣቦታት ካብ ምድናቕ ኃሊፎም ኽጥርጥርዎ ጀመሩ እሞ “እንታይ ዝተፈልየ ነገር ስለ ዘለካ እዩ፧” ብምባል ሓተትዎ።

ንሱ ድማ ምሥጢሩ ነገሮም፥ “ኣነ ብሱባኤ ንእግዚኣብሔር ኽንልምኖ ከለና ነቲ እንደልዮ ዘይኮነስ ነቲ ዚጠቕመና ኪገብረልና ይልምኖ። ስለዚ ደርቂ ኣብ ዚኾነሉ እዋን እግዚአብሔር ነቲ ደርቂ ዘምጸኦ ካብ ዝናም ንላዕሊ ደርቂ ስለዝጠቕመና እዩ” ኢለ ብልበይ ይኣምን።

ሓሓደ እዋን ካብቲ ጽቡቕ ዝናም ዝርከብ ብዝዛይድ ኣብ እዋን ደርቂ ልዑል ምህርቲ እሓፍስ። በዚ ድማ እቲ ደርቂ ዚመጽአ ብፍቓድ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ እኣምን። ኣብ ካልእ እዋን’ውን እንተኾነ ዝኾነ ነገር እንተተኸስተ ኣየዕዘምዝምን እየ፣ ምኽንያቱ እንተዘይጠቕመና ነይሩ እግዚአብሔር ኣይመምጸኦን ነይሩ ይብል” ብምባል ምሥጢሩ ነገሮም።

ብድኅር’ዚ እቶም ፈለስቲ ምንጪ ሽግሮም ደርቂ ወይ ድማ ካልእ ዘይኮነ ንሳቶም እቲ ክፉእ ዚመሰሎም ደርቂ ብፍቓድ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ብዘይምእማኖም ምዃኑ ተረዲኦም ንንስሓ በቕዑ።

ምክረ አበው

- ካብቲ ዝጐደለና እቲ ዘሎና ይበዝኅ።
- ተቐቢሉ ዘየመስግን ሰብ ከም ከታሪ ይቝጸር።
- ንንስሓ ዝመደብናዮ ጊዜ፡ እቲ ዓለም ዘይትደልዮ ናይ ዕድሜና መወዳእታ (እርጋን) ብምዃኑ የኅዝን። ክሳዕ ንኣርግ ኣይንንሳሕን ዘሎና ማለት እዩ።
- ነገሥታት ብጸሎት ምእመናን እንተዘይተሓገዙ፡ ሰይጣን ይህውኾም እሞ ንሳቶም ድማ ንሕዝቢ(ምእመናን) ይህውኹ።
- መንእሰይን ጥዑይን እንተ ደኣ ኴንካ ፡ ነቲ ብድኻም እትሰዓረሉ ዘመን እርግናኻ ከይተረፈ ሕጂ ጹመሉ።
- ብዙኅ ክብርን ምስጋና ዝረኸበ ዓያዪ፡ ብዙኅ ኵነኔ ይረኽቦ። ኣብ ደቂ ሰብ ቅዉም ነገር ዘይቊጸር ሠናይ ነገር ሠሪሑ ዝኃለፈ ሰብ ግና ኣብ ሰማይ ዓቢይ ክብሪ ይጽበዮ።

በረኸት አበው ምስ ኵልና ይኹን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195