banner

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ናብ ከተማ ዓሰብ ኪኣትው ከለዎ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም!

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ናብ ከተማ ዓሰብ ኪኣትው ከለዎ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም!

ኣብ ሃገረ ስብከታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ጳጳስ ኮይኖም ዝተመደብ ብፁዕ ኣብነ ኣትናቴዎስ ናብ ከተማ ዓሰብ ክኣትው፡ ብሃንቀውታ ክጽበይዎም ዝጸንሑ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ተማሃሮ ቤት ሰንበትን መንእሰያትን፡ ዓበይቲ ዓዲን ኣካላት መንግሥትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም!

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ንከተማ ዓሰብ ዑደት ክገብሩ ከለው ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ጐዳናታት ብምውፃእ ‘ብፁዕ ኣቦና እንቋዕ ደኃን መጻእኩም’ እናበሉ ዘለዎ ኣኽብሮትን ፍቕርን ብዕልልታን ጣቕዒትን ገሊጾም።


ብድሙቕ ዝማሬን ዕልልታን ኣብ ሓመረ ኖኅ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሑ፡ ጸሎት ተጸልዩ ወንጌል ድማ ተነቢቡ። ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ዝተሰመዖም ሓጐስ ኽገልጹ ከለው “ እዚ ሕዝቢ’ዚ ሃይማኖቱ ዘፍቕር ኣቦታት ዘኽብር ምዃኑ ይሰምዕ ነይረ ሕጂ ግና ብዓይነይ ንምርኣይ ሰለዘብቅዓኒ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ አመስግኖ” ኢሎም። ንኽብሮም ዝተዳለወ እንግዶት ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ምስ ተኻፈሉ ተመሳጊኖም ናብ መዕረፊኦም ኣትዮም።

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ናብ ከተማ ዓሰብ ካብ ዝኣትዉ ጀሚሮም ብቡራኬን ቅዳሴን ኣብ ክብረ በዓል ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ኆኅተ ምሥራቅ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ክብረ በዓል ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ኣብ ሐመረ ኖኅ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ክሳተፉ ከለዉ ንሾመንተ ዲያቆናት መዓረገ ክህነት (ቅስና)፡ ንትሽዓተ ተመሃሮ ድማ መዓርገ ዲቁና ሠይሞም። ከምኡ’ውን ንኣርባዓተ ካህናት ሊቀ ትጉሃን፡ መልኣከ ኃይል፡ መልኣከ ፀሐይ፡ መልኣከ ገነት ዝብል መዓርግ (ቀሚሽ) ሂቦም።

ሕዝበ ክርስቲያን ብምምጻእ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ዝተሰመዖ ሓጐስ ብምግላጽ ንእግዚአብሔር ኣመስጊኑ። ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ድማ ኵሉ ብጸሎትን ፍቕርን ክጽመድ ብምምኅፃን ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ሂቦም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195