banner

ብዛዕባ ‘ትግባረ ባጀት’ (ፋይናንሳዊ ኣሠራርሓ) ሥልጠና ተዋሂቡ!

ብዛዕባ ‘ትግባረ ባጀት’ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ንኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ናይ ሀገረ ስብከታት ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ሠራሕተኛታት ፋይናንስን ብዛዕባ ትግባረ ባጀት ሥልጠና ብኃላፊ ክፍሊ ፋይናንስ ዘመንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ዕርዶም ዑቅባ ሚካኤል ተዋሂቡ።

እቲ መርሐ ግብር ብጸሎት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተጀመረ ካብ ምምኅዳር መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንሕዝበ ክርስቲያን ኂዛ ብፋይናንሳዊ ዓቕማ ኣዝያ ሃብታም እኳ እንተኾነት ሰኣን ጽፉፍ ፋይናንሳዊ ኣሠራርሓ፡ ኣብ ስብከታውን ልምዓታውን ተልእኾኣ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝገበረላ ድኅሪ ምግላጽ፡ እዚ ፋይናንሳዊ ኣሠራርሓ እዚ ንኦዲትን ቍጽጽርን ዝሕግዝ እዩ” ኢሉ።

ብምቕጻል ብኃላፊ ክፍሊ ፋይናን ዲያቆን ዕርዶም ዑቅባ ሚካኤል ብዛዕባ ‘ተግባረ ባጀት’ ኣብ ሠለስተ ኣርእስታት ብምክፍፋል ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ባጀታዊ ኣሠራርሓ ካብ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳዕ ሀገረ ስብከታት ከምኡ’ውን ምንጻር ሕሳባት ባንክን ዕሽርን . . . ዘጠቓለለ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ ንፈለማ ጊዜ ከም መጀመሪ ናይ ሠለስተ ወርኂ ዝጸደቀ ናይ ልምዳውን ልምዓታውን ባጀት መንበረ ፓትርያርክን ሀገረ ስብከታትን ብሰፊሑ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ብተሳተፍቲ ሥልጠና ዘተን ሕቶን ርእይቶን ተኻይዱ። ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ድማ እዚ ብዝተሓተ ሠለስተ ወርኃዊ ክጅምር ተባሂሉ ዘሎ ባጀታዊ ኣሠራርሓን ካልእን ተተግቢሩ ክልመድ ጽቡቅ እኳ እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ክሳዕ ኣብያተ ክርስቲያን በጺሕካ ክትሠርሓሉ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ፡ ነዚ ከቢድ ዝገብሮ ድማ ብመጀመርታ ናይ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት መሰሎምን ተሳትፍኦምን ክረጋገጽ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195