banner

ናይ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ቀዳማይ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ 2010 ዓ.ም. (2017/2018 ዓ.ም.ፈ.) ተዛዚሙ!

ናይ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ቀዳማይ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ 2010 ዓ.ም. (2017/2018 ዓ.ም.ፈ.) ተዛዚሙ!

ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቀዳማይ ዓመተ ትምህርቱ 2010 ዓ.ም. (2017/2018 ዓ.ም.ፈ.) ብዓወት ዛዚሙ።


ብዕለት 09 ሐምሌ 2010 ዓ.ም. (16/07/2018 ዓ.ም.ፈ.) ናይዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣካዳሚክ ኮሚሽን ኣብ ዝገበሮ ገምጋማዊ ጉባኤኡ ምሉእ ጸብጻብ ድኅሪ ምስማዕ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ። ኵሎም ተማሃሮ ናብ ዝቕጽል ዓመተ ትምህርቲ ከምዝኃለፉ፣ ኣብ ገለ ዓውደ ትምህርትታት ዘሎ ሕጽረት መምህራን ብዝግባእ እንተ ተማሊኡን እንተ ተመሓይሹን፣ ድሌትን ጻዕርን ተማሃሮ ተወሲኽዎ ዝበለጸ ውፅኢት ክረአ ከምዝከኣል፡ ብሓፈሻ’ውን እቲ ኮሌጅ ኣብ ትስፉው መንገዲ ከምዘሎ ተነጺሩ።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ንዝተኃልፉ ድኹምን ኃያልን ጐድንታትን ከምኡውን ሕጽረታት ብዕምቈት ምስ ተገምገመ ኣብዚ ናይ ዕረፍቲ እዋን ንዝቕጽል ዓመተ ትምህርቲ ኽግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም ምድላዋት ብምርድዳእ ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195